2017-04-20 16:20:00

ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ዘይምቕባል ድላይ ዘሕዝን እዩ ኢሎም


ኣብ ሃገረ ፖላንድ ሕዝቢ ብምኽንያት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውጥረትን ውግእን ንዝስደዱ ምቕባል ወይ ዘይምቕባል ትመርጽ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቲ ኣርባዕተ ሚእታዊ ዝሽፍን ጥርሕ ምቕባል ዝብል መልሲ ከምዝሃበ ክፍለጥ እንከሎ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክርዝይስዝቶፍ ዛዳርኮ ኣቢሉ ዝተሰምዖ ጓሂ ከምዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዝስደተይናታትን ትመዛበልትን ምቕባልን ምእንጋድን

እቲ ንሕዝቢ ዝቐረበ ሕቶን ዝተውሀበሉ መልሲ ኣኪቡ ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ዘቕረበ ናይ ፖላንድ ናይ ማሕበራዊ ርእይቶ ተንታኒ ማእከል ክኸውን እንከሎ፡ ሕዝቢ ፖላንድ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተይናታት ኣብ ፖላንድ ኰነ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ፋሕ ኣቢልካ ምቕባል ዝብል መደብ ዘይድግፍ ክኸውን እንከሎ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዘይድግፍ 74 ሚእታዊ ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ። እቲ ኣብ ዝስደዱደልን ሃገራት እንከለዉ ምድጋፍ ዝብል ዕስራን ክልተን ሚእታዊ ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ 4 ሚእታዊ ጥራሕ ጥራሕ ዝሽፍን ስደተይናን ተመዛበልትን ምእምንጋድን ዝድግፍ ምዃኑ ነቲ ዝተውሃበ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ህዝቢ ፖላንድ 55 ሚእታዊ ብዘይ ሃይማኖትን ዓሌትን ኡክራይናውያን ስደተይናታትን ምእንጋድ ዝድግፍ ምዃኑ ነቲ ዝተሃበ ጸብጻብ ጠቒሲ የመልክት።

ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብብፁዕ ኣቡነ ዛዳርኮ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ገና ኣብ ዝብገስለን ሃገራት እንከለዉ ሓገዝን ድጋፍን ክረኽቡን ኣብ ዝብገሱለን ሃገራት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መዕቆቢ ክቐውምን ኣብ ገዛእ ሃገሩ እንከሎ ክድገፍ ኣለዎ ዝብል ኣመለኻኽታ ክትግበር ዘይከኣል ከምዝዀነን ብፍላይ ነቶም ውግእን ዓመጽን ካብ ዝረኣየለን ሃገራት ዝስደዱ ዜጋታትን ኣብ ገዛ ሃገርኩም ጽንሑ ክትሕገዙ ኢኹም ምባል ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ካብ ውግእን ጥምየትን ገዛእ ርእስኻ ንምድሓን ምስዳድ ሰብኣዊ ባህርይ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብተን ሎሚ ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት እውን ከይተረፈ ዝተራእየ ማሕበራውን ሰብአውን ክስተት እዩ ከምዝበለ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.