2017-04-20 19:54:00

እምነት ስነሓሳብ ኣይኮነን እንታይ ደኣ እቲ ካብ ሞት ዝተንሰኤን ሕያው ዝኾነን ኢየሱስ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማል ሮቡዕ ዕለት 19 ሚያዝያ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ኢየሱስ ኣብዚ ኣብ መንጎና ኣብዚ ቅርዓትዚ ኣሎ እቲ ሕያው ዝኾነ ካብ ሙታን ዝተንሰኤ ኢየሱስ ኣብዚ ምሳና ኣሎ’ እንክብሉ ነቶም ልዕሊ ዕስራ ሺሕ ዝኾኑ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ነጋድያንን ምእመናን ሮማን ኣስተምሂሮም፣

ክርስትና ሓደ ስነሓሳብ ወይ ናይ ምንባር ፍልስፍና ዘይኮነስ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝተመስረተ ሕይወት ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም፣ እምነትና ካብ ጊሓት ፋሲካ ከምዝውለድን ብትንሳኤ ክርስቶስ ከምዝጸንዕን ቀንዲ ዕርድና ትናሴ ክርስቶስ ምዃኑን ኣዘኻኺሮም፣ ቅዱስነቶም ናይ ትማሊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ምስክርነት ናይቲ ኣሳዳዲ ዝነበረ ደሓር ግን ሓዋርያን ሰባኺ ወንጌልን ክኸውን ዝተመርጸ ጳውሎስ ንምምስራት ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፎ ቀዳማይ መልእኽቲ 15 ዘሎ ‘ኣሕዋትይ ነቲ ኣነ ዘበሠርኩኹም ወንጌል ከምቲ ዝሰበኽኩልኩም ገይርኩም ኣጽኒዕኩም ኂዝኩምዎ ከምዘሎኹም እፈልጥ እየ፣ ከምቲ ዝሰበኽኩልኩም ገይርኩም እንተደኣ ኂዝኩምዎ ድኅነትኩም ኪኸውን እዩ፣ እንተዘይኮነ እምነትኩም ከንቱ እዩ፣ ቅድሚ ኩሉ እቲ ዝተቐበልኩዎ ትምህርቲ አመሓላልፈልኩም ኣሎኹ፣ ማለት ከምቲ ጽሑፋት ዝብልዎ ክርስቶስ ምእንቲ ኃጢኣትና ሞተ። እቶም ጽሑፋት ከምዝብልዎ ከኣ ተቐብረ። ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ’ውን ተንሥኤ። ንኬፋ ደኀር ነቶም ዓሠርተው ክልተ ትራእዮም’ ዝብል ትንሣኤ ክርስቶስ ዘረጋግጽ ጥቅሲ ከምዝንበብ ገይሮም፣ ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ‘ኢየሱስ ካብ ሞት ዘይተንሰኤ እንተዝኸውን ምናልባ ብናይ ዘይኣመንቲ ቋንቋ እቲ ዝለዓለ ውፉይ ምተባህለ፣ ግን ከምኡ ኣይኮነን፣ መይቱ ኣይተረፈን፣ ስለዚኸስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ መይቱ ዘይኮነስ ካብ ሞት ከምዝተንሰኤ ምእማን እዩ እቲ እምነት ዝበሃል፣ እምነት ከኣ ካብ ትንሳኤ ክርስቶስ እያ እትውለድ` ቢሎም፣

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንመነመን ከምዝተራእየ በብሓደ ይዝርዝር እሞ ኣብ መወዳእታ ‘ድኅሪ ኵላቶም ንኣይ ንቊላዕ ዝመስል’ውን ተራእየኒ’ ይብል፣ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ታሪኽ ሕይወት ክብድ ዝበለ እዩ ነይሩ፣ ሓደ ረድኢ ኣገልጋሊ ወይውን ሓዋርያ ኣይነበረን፣ ባዕሉ ከምዝምስክሮ ኣሳዳዲ ቤተክርስትያን ነዚ ከኣ ብዓቢ ቅንኣት ይገብሮ ነሩ፣ ኣብዚ ብኩሉ ፍጹም ኰይኑ ኣብ ዝስምዖን ንሕጊ ጐይታ ከኽብር ዝጋደለሉን ዝነበረ ግዜ እቲ ዘይሓሰቦ ነገር የጋጥም ምስ ኢየሱስ ይራኸብ፣ እቲ ኣሳዳዲ ዝነበረ ከኣ ሓዋርያ ይኸውን፣ ከመይ ቢሉ እዚ ኩሉ ለውጢ ቢልና ምስ እንሓትት ጳውሎስ ባዕሉ ይምልሽ፣ ከምዚ ከኣ ይብል  ‘ኣነ ነቲ ሕያው ኢየሱስ ርእየዮ፣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብሕይወቱ ርኣኹዎ፣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ተንሢኡ ረኣኽዎ’ ይብል፣  እዚ ከኣ ኢዩ መሰረት እምነት ቅ.ጳውሎስን ካልኦት ሓዋርያትን፣ ቤተ ክርስትያንን፣ እምነትና’ውን እዚ እዩ።  
ብመሰረቱ ክርስትና ከምዚ ምዃኑ ምሕሳብ ክንደይ ሰናይ ኢዩ። ሓቀኛ ክርስትና ንእግዚኣብሔር ብብዙሕ ርቀትን ሓሳብን ምድላይ ኣይኮነን፣ ሓቀኛ ምድላይስ እግዚኣብሔር ባዕሉ ክደልየና ምምጽኡ ተረዲእና ልብና ምኽፋት ኢዩ። ክርስትና ጸጋ እዩ፣ እወ ከምቲ ንቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መንገዲ ደማስቆስ ዘጋጠሞ ብሃንደበት ዝወሃበና ትዕድልትን ጸጋን እዩ፣ በዚ ከኣ ነዚ ጸጋዚ ዘደንቅ ልብን በዚ ጸጋዚ ዝምሰጥ ሕልናን የድሊ፣ በዚ ምኽንያትዚ ክርስትና ክትርድኦ ቢልካ ሒዂ እትበለሉ ጉዳይ ዘይኮነስ ብምድናቅን ልዑል ኣኽብሮን ዝቅበል ልቢ እዩ ዘድልዮ፣ ስለዝኾነ ከኣ ዕጽው ልቢ ኣብ ኣመኽንዮ ሸንኮለል ዝብል ልቢ ከድንቅ ዘይክእል ልቢ ንክርስትና ክርድኦ ኣይክእልን፣ ስለዚ ሽሕኳ ሓቲኣተኛታት እንተኾና ወላውን ኣብ ሕይወትና ብዙሕ ፍሽለት እንተኣጋጠመና ናብ መቃብር ክርስቶስ ንኺድ እሞ ነታ ዘንከራረወት እምኒ ንመልከት፣

‘ይንኣስ ይዕበ ኩልና ኣብ ውሽጢ ልብና ሓደ መቃብር ኣሎና፣ እስኪ ናብኡ ገጽና ንኺድ፣ እግዚኣብሔር ካብዚ መቃብርዚ ከመይ ቢሉ ክትንስእ ከምዝኸኣለ ንተዓዘብ፣ ብዙሓት ኣብዚ መቃብር እዚ ሓዘንን ፍሽለትን ጸልማትን እዩ ዘሎ ቢሎም ኣንኪሓስቡ ጐይታ ግን ንኩሉ ፈንጢሱ እንክትንስእ ዓቢ ሓጐስን ደስታን ሕይወትን ይህብ፣ ኢየሱስ ኣብዚ ኣብ ማእከልና ኣሎ፣ ሕያው እዩ! ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ፣ መንቀሊ ባይታናኸስ ሞት ዘይኰነስ እቲ እግዚኣብሔር ነቲ ጥንተጸላኢና ዝኾነ ሞት ዘሸነፈሉ ፍቅሩን መደብ ድሕነቱን ትንሳኤኡን እዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ነዚ ምስ እንገብር ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ሓልኻ! ኣበይ ኣሎ ዓወትካ!’ ቢሉ ዝጭርሖ ንሕናውን ከምኡ ክንብል ኢና፣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ክንሕጐስ እንክርእዩና እንታይ እዩ ምኽንያት ሓጐስኩም ቢሎም ምስ ዝሓቱና ኢየሱስ ኣብዚ ምሳና ኣሎ! ኣብ ማእከልና ይነብር ኣሎ ኣብ ዘሎና ኩሉ ምሳና እዩ፣ እቲ ሕያው ዝኾነ ካብ ዝተንሰኤ ክርስቶስ  ኣብዚ ቅርዓትዚ ኣብ ማእከልና ምሳና ኣሎ ቢልና ክንምልሽ ንኽእል፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.