2017-04-22 17:16:00

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መልእኽቲ ንቡድሃ ሃይማኖት ሰዓብቲ


ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ “ክስርቲያንን ቡድሃውያንን ናይ ሓባር ጉዕዞ ኣብ ጎደና ዘይጐነጻዊ ቃልሲ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ በዓለ ቨሳክህ ማለት ነዘብዕልዎ ቡድሃ ዝተወልደሉን ናይ ትዕድልቲ ጥልቂ መንፈስ ብርሃን ዓቢይ በዓል ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣና ፖቸ ሓቢረን።

እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እቲ በዓል ንመላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ ኣብ ስድራ ቤቶም ዕለታዊ መነባብርኦምን ሓሴትን ሰላምን ክጽገዉ ተመንዩ፥ ለምዘበን ብሓባር ኣብ ናይ ሰላምን ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልስን ባህሊ ንምስትንታንን እዚ ናይ ሰላም ባህሊ ኣብ መላእ ዓለም ንምንቕቓሕ ዝካይድ ጻዕሪ ኣብቲ ብዙሕ እዋን ሃይማኖት ካብቲ ቀንዲ ትርጉሙ ነጺልካ ንዓመጽን ፍልልያትን መጋበርያ ኣብ ዝዀነሉን ብስም ሃይማኖት ዓመጽን ኣድልዎን ምኽኑይ ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋንን እቲ ናይ ካልኣዊ (ናይቲ ካባኻ ብባህልን ሃይማኖትን ዓሌትን..) ናይ ካባኻ ዝተፈልየ ኣሰርን ተዘክሮን ንምድምሳስን ንምጥፋእን ብሓፈሻኡ ብስም ሃይማኖት ዝፍጸሙ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ሃይማኖት መጋበርያ ሰላም ምዃኑ ብምስትውዓል ክምስክሩን ነቲ ሓቀይና ናይ ሃይማኖት ትርጉም ከቃልሑን ሰዓብቲ ሃይማኖት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተግባር ንስላም  ናይ ምትሕብባር መገዲ ዘቕንዓ ከምዝኾነ ብቓልን ሕይወትን ከመልክቱ የተሓሳስብ።

ብዙሕ እዋን ሃይማኖት ንኸፓልትኹን ማለት ንፖለቲካዊ ረብሓን ንፖለቲካዊ ኣህላኽነትን ንምጥቃም ዝጓየዩ ከምዘለዉን ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ ዓለም ዘሎን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ዘሕዝን ንውናኔ ናይ ውግእ ኣጽዋር ቅድድም ኣብ ዝሰፍሓሉ ዓለም ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ብምርግጋጽ ቀንዲ ናይ ሃይማኖት ትርጉም ኣብ ምስፋሕ ሰላም ክጽመዳ ምርኣይ ዘሕጉስ እዩ።

ኢየሱስ ክርስቶስን ቡድሃን እውን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ብምንቕቓሕ መጋበርያ ሰላምን ሓነጽቲ ሰላምን እያቶም ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት ሓደ ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ “ኢየሱስ ዓመጽ ኣብ ዝተመልአ ዘመን ዝነበረ ክኸውን እንከሎ ልቢ ሰብ ድማ ቀንዲ ዓመጽን ሰላም ዝነጻጻረሉ ዓውዲ ከምዝዀነን እቲ ቀንዲ ዓውደ ውግእ ድማ ልቢ ሰብ ምዃኑ ኣስተምሃረ” (ማር. 7, 21 ረአ) እንክብሉ ገሊጾምን “ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ኣግባብ ናይ ፖለቲካ ንሰላም እዩ” እንክብሉ ተንቲኖም “ኢየሱስ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ መገዲ ባዕሉ ክሳብ ፍጻሜ ሕይወቱ ኣብ መስቅል ሞቱ ኣነጺሩ ብምምልካት ብመገዲ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ሰላም ከዊኑን ብስጋኡ ቅርሕንትን ጽልእን ጠሪሹ ክዓንው ገይሩ እዩ” (ኤፈ. 2,14-16) ስለዚህ “ናይ ኢየሱስ ሰዓቢ ምዃን እቲ ብኣኡ ዝቐረበ መገዲ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ምስዓብ ማለት እዩ”  ዝበልዎ ሓሳብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ  ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከምዘስመረሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፖቸ ሓቢረን።

ናይ ቡድሃ ሃይማኖት መሠረት ዝዀነ ቡድሃ ንገዛእ ርእሱ ናይ ሰላምን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ መልእኽቲ እዩ። ኣብቲ፥

ድሃማፓዳ ዝተሰየመ ጽሕፉት ቡድሃ ኣብ ዓንቀጽ 17 ፍቕዲ 3 “ቁጣዔ ብዘይ ተቖጣዕነት ክፍኣት ብሰናይ ሓሳር ብለጋስነት ሓሶት ብሓቂ ሰዓሩ፡ ዓወት ጽልእ ይወልድ ስለምታይ ተሳዓሪ ንሓዘን ስለ ዘቃልዕ ሰላማውያን ኣብ ሰላም ዝነብሩ እያቶም ስለምታይ ዓወት ኰነ ስዕረት ኣብ ዘይብሉ ኩነት ስለ ዝህልዉ” (ከማሁ፡ ዓንቀጽ 15, ፍቕዲ 5)

እንክብል የረድእ ስለዚህ “ርእሰ ምቁጽጻርን ርእሰ ምልክን ርእሰ ዓወትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝፍጸም ዓወት ልዑል እዩ፡ ሓደ ኣብ ዓውደ ውግእ መርኣያ ዘይብሉ ዓወት ክዓትር ዝከኣሎ እዩ። እቲ ክቡር ዓወት ግና ኣብ ኵሉ ነገር እቲ ገዛእ ርእሱ ዝመልኽን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕወትን እዩ” (ከማሁ፡ዓንቀጽ 8 ፍቕዲ 4) ይብልን።

ከምዚ ዝኣመሰለ ልዑልን ክብሩን ኣስተምህሮታትን ብዙሓት ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምትግባሩ ዝተሳእኖ ኰይኑ ዓመጽን ግጭትን ምስ ዘስዓቦ እዋናውን ዝሓለፈን ቁስሊ እናተጸባጸበ ገዛእ ርእሱ ካብ ዓመጽን ግርጭትን ናጻ ምውጻእ ዝተሳእኖ እዩ ዝመስል። እዚ ድማ ዘቤታዊ ውግእን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ባህላውን ስነ ኣእምሮኣውን ምህዳራውን ውግእ የስዕብ ኣሎ። ዓመጽ ካልእ ማሕበራዊ ዓመጽ ክወልድ ምርኣይ ክንደይ የሕዝን ነዚ ኩሉ ርኢኻ፥ “ብኹሉ መዳይ ምርጫ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣግባብ ሕይወትን ኣነባብራን ምግባር ክሳብ ክንደይ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ተስተውዕል” (ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም.)

“ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ዘለዎ እንኰታውንነት ኣፍልጦ ብምሃብ ዓመጽ ቅድሚ ኣብ ምድሪ ምዕላቡ ካብ ልቢ ሰብ ከምዝምንጭውን እዚ ካብ ልቢ ሰብ ዝምንጭው ቅርጺ ተዋሂብዎ ድማ ማሕበራዊ ዓመጽንን ጽልእን ከምዝኸውን ናይ ሓባር ርድኢት ኣሎ። ምእንቲ’ዚ መንቀሊ ዓመጽ ብምልላይ ንነንናትና ንነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ሃይማኖታትና ነቲ ካብ ልቢ ዝምጭው ዓመጽ ከመይ ገይሩ ክስዕሮን ብፍላይ እቲ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣግባብ ሕይወት ክኸውን ካብቶም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጀሚርና ከነስተምህሮን ካብ ልቢ ዝተዓመጹን ዓማጽያንን ኰታ ኩሉ ልብን ኣእምሮን ሰብ ብፍላይ ድማ ናይ ሕጻናት ከፍቅርን ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ከባቢኡን ኣምሳሉን ብሰላም ክነብር ምህናጽን ብዘይ ፍትሒ ሰላም ከምዘየለን ብዘይ ምሕረት ሓቀይና ፍትሒ ከምዘየለን ዓመጽን ግጭትን ቀዲምካ ንምክልኻልን እቲ ዝተገማምዔ ሕብረተሰብ ክሰምርን መራኸቢ ብዙሓን ጽልእን ዓመጽን ንምክልኻል ዝሕግዙ ክዀኑን ንሓቀይና ታሪኽ መምሃርን ናይ ታሪኽን ናይ ሃይማኖት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንመጋበርያ እከይ ከይውዕሉ ብትኽክል ዝትንትን ሓሳብ ዝቐረብሉ ክኸውን ምግባርን ንሰላም ምጽላይን ናብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ዝወስድ መገዲ ክስዕብ ዝሓንጹ ይዅኑ”

ከምዝበሉ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፖቸ ኣስዒበን እቲ መልእኽቲ፥ፍቱዋት ኣዕሩኽ ሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ፥

“ብሓባር ነጢፍና ኣብ ኣባይቲ ስድራናን ኣብ ማሕበራዊ ተቛማትናን ብሔርን ሃይማኖታውን ተቛማት ኩሉ ናይ ሕይወት ሓድሽ ናይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ብምንቕቓሕ ዓመጽን ብምቅዋምን ብምንጻግን ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ክኽበር መታን ብሓባር ንዕየይ። በዚ መንፈስ’ዚ ቅዱስቲ ቤተ ክርስቲያን ሰላማውን ፍሱሕን በዓለ ቨሳክህ ትምነየልኩም”

ብዝብል ሓሳብ ምስ ኩለን ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕህ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንናይ ቡድሃ ሃይማኖት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ሰዓብትን ዘመሓላለፎ መልእክቲ ከምዘጠቓለለ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.