2017-04-22 17:21:00

ታሪኽን እዋናውነትን ሕዳሴ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን


ኣብ ኢጣሊያ ናይ መላእ ወንጌላዊት ሉተራናዊት ኣቢያተ ክርስቲያን “ታሪኽን እዋናውነትን ሕዳሴ ሊተራናዊት ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ነርባዕተ መዓልቲ ዝካየድ ሲኖዶስ ዕለት 22 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቨነዚያ ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ ገሊጸን።

ኣብቲ ነርባዕተ ማዕልቲ ዝካይደ ሲኖዶስ ወንጌላዊት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ናይተን ኣብ ሸውዓተ ሺሕ ቁምስናታት ዝተመዳደባ ናይ ጠቕላላ ወንጌላዊት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን መጋብያንን ልኡካንን ብጠቕላላ ልዕሊ 50 ዝግመቱ ተጋባእያን ይሳትፉ ከምዘለዉን ናይ ወንጌላዊት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ወሳኒ ቤት ምኽርን ዕዮን ኣግልግሎትን ገምጊሙ ንቐጻሊ ዓመታት ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ መደብ ክሕንጽጽ ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቱፋኒ ኣስዒበን፥ እቲ ናይ ኢጣሊያ ወንጌላዊት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣብ ቨነዚያ ንኽካይድ ዝተሓረየሉ ምኽንያት ኣብ ኢጣሊያ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኣተወትሉ ዝተበገሰትሉ ከተማ ቨነዚያ ብምዃናን እዚ ድም ምስቲ ለምዘበል ዝተብዓለ መበል 500 ዓመት ዝኽሪ ቅዋሜ ሕዳሴ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ምትእስሳር ዘለዋ ከተማ ብምዃና ናይ ወንጌላዊት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ጠቒስን ኣንከመልክታ፥ ኣብ ቨነዚያ  ናይ ተሓድሶ ቤተ ክርስቲያን ዝቖመት ማርቲን ሉተር ብህይወት እንከሎ ባዕሉ ሉተር ነቶም ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ተሓድሶ ንዝነበሩ መጋብያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ዝምስክሮ ከምዝዀነ ነቲ ናይታ ቤተ ክስቲያን መግለጺ ጠቒሰን ይሕብራ።

ነቲ ሲኖዶስ ምስ ምኽትሎም መጋቤ ዎልፍጋንግ ፕራደር ኰይኖም ዝመርሑ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣቦ መንበር ጆርጅ ሸደራይትን ክዀኑ እነክለዉ መጋቤ ሽደራይት፥ ቨነዚያ ናይ ተሓድሶ ኤውሮጳዊት ከተማ ተባሂላ ምስያማ ብዘይ ምኽንያት ከምዘይኰነ ገሊጾም እዚ ድማ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ቨነዚያ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን እዋናዊ ኩነት ኣብ ኢጣሊያን ኤውሮጳን እንታይ ከምዝመስልን ፍልቀታን ንምስትንታን እተሕግዝ ሓንቲ ካብተን ናይ ሉተራናውያን ቤተ ክርስቲያን ማእከል ተባሂለን ዝግለጻ ከተማታት እያ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቱፋኒ ኣተሓሒዘን፥ ካብቲ ታሪኻውን እዋናውን ኵነት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ካብ ዝብል ተበጊሱ ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳን ዓለምን ዝግምግም ከምዝዀነን ናይቲ ሲኖዶስ ወሳኒ ናይ ጉባኤ መዓልቲ ድማ እቲ ናይ ስነ ቋንቋ ሊቅ ስተፋን ኦዝዋልድ ብዛዕባ ናይ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቨነዚያን ከምኡ እውን ደራሲት ኢጣሊያዊት ሱሳና ታማሮ ብጥበብ ምዕባይ ብዝብል ኣርእስታት ኣስተምህሮ ዘቕርብሉ ናይ ዕለት 24 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ዋዕላ ከምዝዀነ ገሊጸን፥ እቲ ሲኖዶስ ሕይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ኣብ ዝብል ነጥቢ ብዛዕባ ሕይወት ዘማእከለ ርእሰ ጉዳይ ክመያይጥን ብዛዕባ ስነ ምግባራውን ማሕበራውን ሱታፌ ሉተራናውያን ኣብ ኢጣሊያን ደቂንስትዮ ሉተራናውያን ሱታፌን ኣብ ከተማ ጀኖቫን ናፖልን ዝርከቡ ኣባይቲ ሕክምና ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ኣብ ኢጣሊያ ኣባይቲ ትምህርትን ተቛማት ግብረ ሰናይን ሉተራናውን ኩነት ምምይጥ ክመዝካይድ ካብ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ዝወጸ መገልጺ ጠቒሰን  የመልክታ።         








All the contents on this site are copyrighted ©.