2017-04-25 18:28:00

ሐዋርያውን ኤኮኖምያውን ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምስሪ ምብጻሕ


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትፍራንቸስኮስ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን መወዳእታ ዕለት 28ተን 29ተን ሚያዝያ ሐዋርያውን ኤኩመኒካውን ማለት ሐድነት ክርስትያን ዘተኮረ ምብጻሕ ከካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ይዝከር። ናይዚ ሐዋርያውን ኤኮኖምያውን ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምስሪ ምብጻሕ ጭርሖ ናይ ሰላም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ሰላማዊት ምስሪ ከም ዝተሰየመ መርሀ ሐዋርያዊ መገሻ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አገንዚቡ።

አብ ኢጣልያ አብከተማታት ሮማን ቶሪኖን ናይ ኦርቶዶድክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ  ጳጳስ  አቡነ  ባርናባ አል ሶርያኒ ምብጻሕ ካይሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትኩረት ሂቦም ከም ዝገለጽዎ፡ ብ2013 ዓመተ ምሕረት ወርሒ ግንቦት ዕለት 10 ናይ ምስሪ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያሪክ  ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዝተራኸብሉ ግዜ፡  ምስሪ ክበጽሑ ከም ዝዓደምዎም አዘኻኪሮም፣ ሕጂ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስሪ ክበጽሑ ምስንዳዎም አዝዩ ዘሔጉስ ከም ዝኾነ ካቶሊካውያንን አማንያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን ከምኡ ብሐፈሻ  ህዝቢ ምስሪ ብሐጎስ ይጽበዮም ከም ዘሎ አገንዚቦም ።

አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ  አብ ልዕሊ ክልተ አብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተግባረ ሽበራ አብ ልዕሊ ክርስትያን ስግአትን ፍርሐትን አሕዲሩ ከም ዘሎ አመልኪቶም ክአ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ምስሪ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ከም ዘለዎም  አቡነ ባርናባ ሶርያኒ ሐበሬታ ሂቦም ።

ቅዱስ  አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ምስሪ ርእሰ ከተማ ካይሮ  ንኽበጽሑ  ናይታ ሀገር መራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት አብድ  ዓብደል ፋታሕ  አል ሲሲ ላዕላዋይ ሐላፊ ኢማም አል ዛሀር ዩኒቨርሲቲ አሕማድ አል ጣዪብ ናይ  ኦሮዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያሪክ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ብዝገበሩሎም  ዕድመ  መሰረት ካይሮ ከም ዝበጽሑ ይፍለጥ ።

ቅዱስ  አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮ ካይሮ  አብ ዝበጽሕሉ ግዜ አብቲ አብ አልዛሀር ዩኒቨርሲቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዓለም ለኸ ዘተሰላም መጋባእያ ክስተፉ መደብ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ አሎ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ካይሮ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ፓትርያሪክ ቤተ ክርስትያን ቁስጢንጢንያ ባርቶሎሞዮ ክአ ካይሮ ክበጽሑ መድብ ከም ዘሎ ይምልከት።ንሶም ክአ አብቲ ዋዕላ ሰላም ክም ዝሳተፉ ተድሊጹ አሎ።

አብ ማእከላይ ምብራቅ ምእንቲ ሰላም ክሰፍን ምእመናን ክጽልዩ አቦታት ሃይማኖት ክርስትና  ከም ዘተሐሳሰቡ  ክምልከት እንከሎ ፡ አብ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ዝነብር ህዝበ ክርስትያን አብ ዒራቅን ሶርያን ከምኡ ክአ አብ ካልኦት ሀገራት ዝነብሩ ክርስትያን አብ ስግአት ከም ዝነብሩ ይምልከት።

አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌምን ከባብን ዝነብር ህዝበ ክርስትያን ክአ ከምኡ ንስቃይ ንስደት ተቃሊዑ አብ ሕማቅ ኩነታት ይነብር ከም ዘሎን አብዚ  ክሊ’ዚ  ሰላምን ምርግጋእን ክርከብ ንወናኒ ሰላም መድኅኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ክንምሕጸን ክአ አቦታት ሃይማኖት ክርስትና የተሐሳስቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.