2017-04-27 17:10:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንዓለም ሰላም ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት እዩ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥“ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንዓለም ሰላም ኣዚዩ ኣገዳሲ ቅድመ ኵነት እዩ፡ ካብዚ ሰገር እቲ ናይ ሓባር ዘተ ንሃይማኖት ክርስትና ኰነ ንኻልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ቀንዲ ሓላፍነት እዩ” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተነብሮ ስብከት ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ዕለት 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ማሕበር መዓልቲ መሬትን ካቶሊካዊ ኣፍቅሮተ ዘቤት ምንቅስቓስን ናይ ኢጣሊያ ናይ ተፈጥሮን ከባብን ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ሚኒ. ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቪላ ቦርገዘ ህዝባዊ መናፈሻ ከባቢ መሬት ኣጒዶ ብዝብል ኣርእስቲ ነዘዳለዎ መርሃ ግብሪ ብወግዒ ንምኽፋት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕቲ ከምዘስምዑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቀንዲ ዕላማ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ዜጋታት ኣብ ክንክን ምህዳር ንክነጥፉን ናይ ምህዳር ባህሊ ብዕምቀት ከስተውዕሉን ማዕረ ማዕረኡ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.  ናይ ሓባር ቤትና ቢሎም ንዝሰመይዋ መሬትን ተፈጥሮን ዜጋታት ክከናኸኑን ብፍላይ ድማ ሓድሽ ትውልድን ናይ ጽባሕ ትውልድን ብናይ ምህዳር ባህሊ ክህነጹን ኣብ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ንቑሓት ክዀኑ ምድጋፍ ዝብል ከምዝዀነ ዘዘኻኸረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፥

“ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንዓለም ሰላም መሰረት ከም ምዃኑ ምህዳር ምክንኻን እውን ብዝተመዓራረየ ደረጃ ንገዛእ ርእሱ መገዲ ሰላም እዩ። ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብዙሕ ጉዳይ ዘጠቓልል እዩ። ንኣብነት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ተፈጥሮን ፍጥረትን ንምክንኻንን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ምቅርራብን ምትሕልላይ ንኽህሉ እውን ዝድግፍ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስቲያን በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ኣብዒላ እያ እዚ ናይ እምነት ማእከል ዝዀነ ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን ዝብል ቃለ ኑዛዜ ተኣምኖ ሕዳሴን ትንሳኤን ብዅሉ መዳይ ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ትምስክር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 28 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 29 ሚያዝያ 2017 ዓ..ም. ኣብ ምስሪ ኣብ ዘይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት በቲ ዓቢይ ኣል ኣዝሓር ኣብ ዘድልዎ ሰላም ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝዝትይ ዓውደ ጉብኤ ክሳትፉ እዮም። እዚ ንገዛእ ርእሱ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ መሰረት ሰላም ምዃኑን ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ እዩ ዝምስክር”

ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኩሉ ከምዝፈልጦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርክብ ናይ ሓባር ዘተ ዘለዎ ኣገዳስነት ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም ዘተሓሳስብዎን ከም ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ክንበር ኣለዎ እናበሉ ብቓልን ሕይወትን ዘስተምህርዎ እዩ። ዘተ ኩሉ ኣብ ዝገብሮ ድልያ ሓቅን ሕውነትን ዓቢይ ድጋፍ ኣለዎ። “ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ መንጐ ክልተ ስሕበት እዩ ዝርከብ። ስሕበት ሰናይነትን ስሕበት ክፍኣትን ድማ ይበሃሉ። ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ተንሲኡን ካብ ስሕበት ክፍኣትን ቅርሕንትን ስሕበት ፍቕሪ ኣዚዩ ብርቱዕን ሰዓርን ምዃኑ መስኪሩ እዩ። ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ናይ ሕይወት ስሕበት ካብ ስሕበት ሞት ኣዚዩ ብርቱዕን ሰዓርን ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ” እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። 








All the contents on this site are copyrighted ©.