2017-04-27 17:15:00

ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንኤውሮጳ ብድሆ እዩ


ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፅዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ህዝባዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብሓባር፥ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንኤውሮጳ ዓቢይ ብድሆ ምዃኑ ዘገንዝብ፥ “ናይ ሃይማኖትን ተኣምኖን ነጻነት ምክልኻልን ክኽበርን ካብ ዝብል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ውሳኔ፡ ክንየው?” ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናደውዎ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 26 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሕዝባዊ ባይቶ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምእተኻየደ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ 2013 ዓ.ም. ንነጀው ብዛዕባ ሃይማኖትን ተኣምኖን ኣመለኻኽታን ኣማእኪሉ መምርሒ ክኸውን ቢሉ ኣብ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘስፈሮ ናይ ውሳኔ ሓሳብ ምልስ ቢሉ ዝመርመረን እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ማእከል ዝዀነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንምንቕቓሕን ኣሚቱ ዝተኻየደ ምንባሩ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሕዝባዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ግዮርግይ ሆልቨኒ፥ “ኣብ እዋናዊ ብድሆ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ተመስሎኡ ከምኡ እውን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ክቡር ኣባ ኦሊቪየር ፖኵይሎን፥ “ናይ ሃይማኖት ነጻነት ካብ ዝምልከት ስምምዕ ክንየው ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ኣሞርኵይዞም ብዘስምዕዎ ዝረባ ተጀሚሩ ቀጺሎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሃይማኖትን ተኣምኖን ነጻነት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣሕመድ ሻሂድ፥ “ሓደሽቲ ብድሆታት ክንየው ናይ ሃይማኖትን ተኣምኖን ነጻነት” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሖም ዘረባ ከምዘስምዑ ገሊጹ፥ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ሕዝባዊ ፖለቲካዊ ሰልፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ጉዳይ ሃላፊት መርሰደስ ግራሲያ ፐረዝ፥ “ናይ 2013 ዓ.ም. ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሃይማኖትን ተኣምኖን ነጻነት ዝምልከት ናይ ውሳኔ ሰነድ እዋናዊ ብድሆታት ግምት ብምሃብ ነቲ ውሳኔ ብእዋናውነት መልክዕ ብኸመይ ይተግበር” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘረባ ከምዘስምዓ እውን ኣፍሊጡ፥ ናይ ሃይማኖትን ተኣምኖ ነጻነት ጉዳይ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ወኪል ዣን ፊገል፥ “ናይ ሃይማኖትን ተኣምኖን ነጻነትን ኩነታት ካብ ኤውሮጳ ወጻእን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ግደ  ብዝብል ኣርእስቲ ቀጺሎም ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ሕግን ስደተይናታትን ጉዳይ ኣማኻሪ ኾሴ ብዛን ብወገኖም ናይ 2013 ዓ.ም. ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሃይማኖትን ተኣምኖን ነጻነትን ውሳኔ ገቢራውነቱን ብቑዕ ንኽኸውን መታን  ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣመርኵይዞም ዘረባ ከምዘስምዑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.