2017-04-27 20:13:00

ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ጐይታ ንሓዋርያቱ ‘ኣነ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ኣሎኹ’  ክብል ዘረጋገጾ መበገሲ ብምግባር ‘እቲ ብእግዚብሔር ዝተኣመነ ቅዱስ ሕዝቢ ወትሩ ጸኒዑ ዝነብርን ብተስፋ ዝጐዓዝን እዩ፣ ምኽንያቱ ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ኣብ ዝሃለዎ ሃልዪ ኣብ ዝኸደ ከይዱ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣቀዲሙ ከምዝመርሖን ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ። ዓወት ፍቅሪ ዝኾነ ዓወት ትንሣኤ ክርስቶስ ዘይበጽሖ ክፍሊ ዓለም ፈጺሞ ከምዘየልቦ ከኣ ይተኣማመን’ እንክብሉ ጐይታ ኣብ ኩሉን ምስ ኩሉን ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም፣

እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ክልእኮምን ክሰናበቶምን እንከሎ ዝሃቦም ተስፋ እቲ ብኢሳይያስ ነቢይ ድንግል ወዲ ክትወልድ እያ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ክትብሎ እያ ትርጉሙ ከኣ እግዚኣብሔር ምሳና እዩ ንዝብል ትንቢት ኣብ ግብሪ ዝትርጉም ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ትርጉም ስም እግዚኣብሔር እውን እውን ምስዚ ክነገናዝቦ ከም እንኽእልን እግዚኣብሔር ማለት ምስ ፍጡር ሰብ ምዃን ክንብሎ ንኽእል ቢሎም፣

‘ኣምላኽና ኣብ ዝለዓለዓለ ሰማይኮይኑ ካባና ርሑቅን ኣብ ማእከልና ከም ዘየሎን ዝሕሰብ  ኣምላኽ ዘይኮነስ ብፍቅሪ ሰብ ዝተሳሕበ ኣምላኽ ኮይኑ ብብዝሒ ፍቅሩን ርሕራሔኡን ካባና ክርሕቅ ኣይክእልን፣ ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ መራኸብን መተኣሳሰርን ክንበትኮ ንኽእል እግዚኣብሔር ግን ኣይክእልን፣ ሕይወትና ጉዕዞ ንግደት ኮይኑ ናይ ኣቦና ኣብርሃም ታሪኽ ሓደ ምሳሌ ናይ ነጋድያንን ተጓዓዝትን እዩ፣ ነዙ ጉዕዞ እዚ ከይፈጸምካ ብሱል ሰብ ክትከውን ዘይከኣል እዩ፣ ወዲ ሰብ ኣብዚ ዓለም ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ በይኑ ኮይኑ ኣይፈልጥን፣ ምናዳ ከኣ ክርስትያን በይኑ ዝተሓድገ ኮይኑ ኣይስመዖን ምኽንያቱ ኢየሱስ ክሳብ መወዳእታ ጉዕዞና በይንና ከምዘይገድፈና እንታይ ደኣ ክሳብ መወዳእታ ዕለትና ንነፍስወከፍና የሰንየና፣ እግዚኣብሔርከስ ከምቲ ቃሉ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ንነፍሰወክፍና ይሓልየልናን የሰንየናን፣ ኣብ መዋዕል ሕይወትና ካብ ሓልዮት ኣምላኽ ንበዂረላ ወላ ሓንቲ መዓልቲ የላን፣ ኣብዚ ምናልባት ሓደ ‘ዋእ ኣባቴ እንታይ ኢኹም ትብሉ ዘሎኹም እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ስለምታይ የፍቅረና ስለምንታይከ ምሳና ይጐዓዝ ክብል ይኽእል፣ እታ ሓጻር መልሲ ስለዘፍቅረና እዩ፣ ወላ ብጸልማትን ፈተናን እንክመላለስ እውን ወትሩ ምሳና ኣሎ፣ ንተስፋና እትገልጽ ምልክት ደስ ትብለኒ ንሳ ከኣ ንተስፋ ከም መልህቅ እንከመልክታ ተስፋና ከንቱ ከምዝይኮነ ከምኡ እውን ካብ ሓይልናን ድላይናን ዘይኮነ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝህበና ርግጽነት እያ እትምስረት እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ፈጺሙ ከምዘይገድፈና እዩ ዘመልክት፣

‘በዚ ቃልኪዳንዚ በዚ ተስፋዚ ክርስትያን ኣብ ዝኾነ ቦታ ክኸዱ ይኽእሉ፣ ኣብዛ  ቈሲላ ዘላ ዓለምናስ ይኹን ኣብቲ ሰናይ ዘበለ ዝርከበሉ ቦታት  ንሕና ክርስትያን ወትሩ ብተስፋ እንጐዓዝ ኢና፣ ኣብ መዝ።23 ‘ወላውን ብጸልማት እንተተጓዓዝኩ ንክፉእ ኣይፈርሖን እየ ከመይ ንስኻ ምሳይ ኣሎኻ’ ዝብሎ እዩ ነገሩ፣ ኣብቲ ጸልማት ዘንዣብበሉ እዩ ንብርሃን ተስፋ ክነብርህን ነታ ናይ ሰማይ መልሕቅና ዝኾነት እምነት ነጽንዕን፣ ሕይወትና ኣብ ሰማይ ኣብ ክርስቶስ ጠቢቃ እያ ትርከብ፣ እንታይ ክንገብር ኣሎና እንተበልና ነታ ገመድ ድሕነት ዝኾነት ተስፋናን እምነትናን ኣጽኒዕና ክንሕዛን ክንጠብቃን እዩ ዘሎና፣  ከመይ ሕይወትና ኣብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መልሕቅ እያ ጠቢቃ ዘላ ኣብኡ ከኣ ክንበጽሕ ኢና፣ ኣብ ሓይልና እንተተኣማሚንና ግን ብርግጽ በይንና ዝተሓደግናን ዝተሳዓርናን ኮይኑ ክስመዓና እዩ። ዓለምና ክንዲ ንሕጊ ፍቅሪ ንዓይ ይጥዓመኒ ንዝብል ሕጊ ስለእትመርጽ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ወትሩ ምሳኹም ኣሎኹ’ ዝበሎ ዘኪርና ብእግሪ ተስፋ ቀጥ ኢልና ቈምና ነቲ እግዚኣብሔር ዝገበርለና ብተኣማንነት ንጸበ፣ እቲ እግዚኣብሔር ዝገበረልና ነገራት በተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዘይከኣል ክመስል ይኽእል ኮይኑ ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር ከምዘየልቦ ተኣማሚና ንጐዓዝ፣ ክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.