2017-05-02 17:17:00

ናይ ሆላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ሲኖዶስ ከስተንትኑ ይዕድሙ


ናይ ሃገረ ሆላንድ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ መንእሰይን እምነትን ጸዋዕታዊ ልልያን ዝመክር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 15 ሓፈሻዊ መደበይና ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ክዝትይ ናብ ዝጠለብዎ ሲኖዶስ ናይ መቀራረቢ ሰነድ ዘማእከል ኣብ መላእ ናይ ሆላንድ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዝተፈላለዩ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማሕበረሰብ ውሽጥን ምስ መንእሰያንትን ዓውደ ኣስተንትኖ ክካይድ ከምዘተሓሳሰቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሰን የመልክታ።

ሰበኻታት ሆላንድ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ናይቲ ናይ ሲኖዶስ መሕትታዊ ሰነድ ካብ ቁምስታታት ናይ ዝተውሃበሉ መልስታት ናይ ጽማሬ ሰነዳት ከቕርባን እቲ ናይ ጽማሬ ሰነዳት ድማ ንናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ተመሓላሊፉን እቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ድማ ብወገኑ ነቲ ናይ ጽማሬ ሰነዳት ብሓደ መልክዕ ጸሚሩ ብምትሓዝ ናብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈ ዘመሓላልፎ ምዃኑ ስሪ ናይ ዜና ኣገልግሎ ጠቒሰን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዘንጋሪኒ ኣስዒበ፥

 ናይ ሃገረ ሆላንድ ጸብጻባት ብኣሃዝ ዝትንትን ናይ ግጽዊ ማእከል ኣብ ዘካየዶ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ካብቶም ንዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ዝተሳተፉ ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ዕድመ ዝዀኑ መንሰያት ውሽጢ ኣብ 2010 ዓ.ም. እቶም 48 ሚእታዊ ኣመንቲ ምዃኖም ዝገለጹ ክዀኑ እንከለዉ  ኣብ 2015 ዓ.ም. ከኣ ናይቶም ኣመንቲ ብዝሒ ናብ 40 ሚእታዊ ከምዝወረደን ካብቶም ዝተሓቱ 17 ሚእታዊ ካቶሊክ ምዃኖም እንክገልጹ 11 ሚእታዊ ሰዓብቲ ቤተ ፕሮተስታንት ከምዝዀኑን እቶም 8 ሚእታዊ ዝሽፍኑ ድማ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ክዀኑ እንከለዉ ካብቶም ካቶሊካውያን ኢና ዝብሉ እቶም 6 ሚእታኢዊ ጥራሕ ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ ኣብ ቅዳሴ ዝሳተፉ ምዃኖም ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ በልጅም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ መሰረት ልክዕ ከምቲ ኣብ ሆላንድ ዝተኻየደ መንእሰያት ዘሳተፈ ናይ መልስታት ጽማሬ ሰነዳት መደብ ምስንዳው ኣብ መላእ ሰበኻታን ቁምስናታትን ንኽካይድ ከምዘተሓሳሰቡን ኣብ መወዳእታ ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብወገኑ ነቲ ናይ መልስታት ጽማሬ ሰነዳት ኣብ ሓደ ጠርኒፉን ከከም ኣርእስታቱ መዳዲቡ ናይ መልሲ ድማሬ ሰነድ ኣርቒቑ ናብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ጽሕፈት ዲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዘመሓላልፍ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ዝሃቦ ምንጪ ዜና ጠቒሰን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።   








All the contents on this site are copyrighted ©.