2017-05-02 18:24:00

ሕውነት ንቅልውላው ስእነት ሥራሕ የሸንፎ! ር.ሊ.ጳ


ብናይ ጎርጎርያሳዊ መጽሓፌ ግጻዌ ትማሊ ዕለት 1 ግንቦት ናይ ሠራሕተኛታት ጠበቃ ዝኾነን ባዕሉውን ሠራሕተኛ ናይ ዝነበረ ቅዱስ ዮሴፍ በዓል ይዝከር፣ እዚ በዓል እዚ ምስ ዓለም ለኸ ዕለተ ሠራሕተኛታት ብሓባር ይዝከር፣

በዚ ዕለትዚ ቅዱስነቶም ናብ ኩሎም መንእሰያት ዘቅነዔ በቲ ትዊተር ዝበሃል ሓጸርቲ መልእኽታት እተመሓላልፈሉ መጋበሪ ገቢሮም ‘ቅዱስ ዮሴፍ ንመንእሰያት ነቲ እግዚኣብሔር ንዓና ዝሓስበልና ዓበይቲ ነገራት ናይ ምሕላም ክእለትን ናብዘን ዓበይቲ ነገራት ጠኒንካ ናይ ምእታው ክእለትን ክህቦም ንለምን’ ክብሉ ኣብ ቅድሚ ሽግራት ብትብዓትን ጽንዓትን ክቃለሱ ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ከኣ ብሓዲሽ መንፈስን ኣገባብን ፍልጠቶምን ፈጠራኦምን ከደንፍዑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ሓዲሽ መፈስን ኣገባብን ከኣ ሕውነት ቢሎም ድሕሪ ምስማይ እዚ ሕውነትዚ ንዝኾነ ቅልውላው ስእነት ሥራሕ ክብድሆ ከምዝኽእል ኣረጋጊጾም፣

ቅዱስነቶም ነዚ ብዝምልከት ናብ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ማሕበራዊ ሳይንስ መልእኽቲ ጽሒፎም፣ ኣብዚ መልእኽቲ ነቲ ሠራሕተኛታት መላእ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ማለት 1800 ከምኡውን 1900 ዘካየድዎ መሪር ቃልሲ ብምዝካር ምናዳ ‘ንምትሕግጋዝ ሠራሕተኛታትን መሰል ሠራሕተኛታትን ዝገበርዎ ቃልሲ ሠናይ ነገር ምንባሩ ኮይኑ ግን ገና ኣብቲ ክበጽሖ ዝነበሮ ፍጽምና ከምዘይብጽሔ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሎሚ ከም ሎሚ ብሚልዮናት ንዝቊጸሩ ደቂ ሰባት ካብ ማሕበረሰብ ምንጻልን ወሰኖም ከምዝሕዙ ምግባርን ብሓቂ ዘተሓሳስብን ዘጨንቅን እዩ’ እንክብሉ ንምትሕግጋዝን መሰል ሠራሕተኛታትን ገና ክስርሓሉ ዘለዎን ነቲ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ጉዳይ ፍትሒ ክጣበቁን ሓደራ ኢሎም፣ ካብዚ ሎሚ ዓፊኑ ሒዙና ዘሎ ናይ ሓዲስ ሊበራላውን ዕብለላ መንግስትን ክንውጽእ ክንቃለስ እዋኑ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶ፣ ‘ኣብ ናይ ግላዊ ነጻነትን ጣዕምን ዘተኮረ ራእይ ዓለምና ኩሉ ንጥቅምን ሕኸኸኒ ክሓከካን ዝጠመተ ናይ ግሊ ርብሓ ጥራይ ስለዘቀድም ከምኡ እውን ንኩሉ መንግስታዊ ገርካ ናይ ኩሉ ዋናን ኣመሓዳርን መንግስቲ ኮይኑ ግለሰብ ምንም ግደ ከምዘይብሉ ምግማት እውን ሓደገኛ እዩ፣ እዚ ክልተ ራእያትዚ ከምዘይተዓወተን ንዓበይቲ ጸገማት ቁጠባን ስራሕን ክፈትሖ ከምዘይከኣለ እኳ ደኣ ንድኽነትን ሸቅሊ ኣልቦነትን መሰረታዊ ጉዳያት ደቂ ሰባትን ከምዘጋደዶ ኩልና ንዕዘቦ እዩ፣ ስለዚ ሓዲስ ፍታሕ ሃሰስ ምባል ክድሊ እዚ ሓዲስ መንገዲ እዚ ከኣ ካብ መልእኽቲ ክርስቶስ እዩ ክነቅል ዘለዎ፣ ነዚ ፍታሕ እትኸውን ቃል ከኣ እታ ናይ ወንጌል ቃል ኮይና ንሳ ከኣ ሕውነት እትብል እያ፣ ኣብ ሰውራ ፈረንሳ ክትቅልቀል ጀሚራ ኮይኑ ቀልጢፋ ቅሂማ፣ ብ1931 ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ኣብታ ኳድራጀዚሞ ኣኖ እትብል ሓዋርያዊ መልእክቶም ፍትሒ ብምርጋጽ ንዝርከብ ጣዕሚ ገዛእ ርእስኻ ተጻይ ሕውነት ምዃኑ ብምግላጽ ኰኒኖሞ ነሮም፣ ከም ዓለምለኸ ኢምፐርያሊዝም ናይ ንዋይ(ገንዘብ) ኢሎም እውን ሰሚዮሞ ነሮም።

ነዚ ኩሉ ፈውሲ ዝኸውንከስ ሕውነት እዩ፣ ሕውነት ቅድሚ ዝኣገረ ክብረት ወዲሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ንማንም ሰብ ከም ሰብ መጠን ክብረት ዝግበኦን ንኩሉ ከኣ ብፍትሓዊ መንገዲ ክትርእን ይግድደካ፣ እዚ ከኣ ማዕርነት ኣብ ደሞዝ ኣብ ስራሕ ወዘተ ኣብ ዝብል ኣምር ዘይኮነ ከም ሰብ መጠን ዝኸብረሉን ክእለቱ ዘማዕብለሉን ሃዋኍ ምፍጣር እዩ በዚ ከኣ ሓዲስ ሰብኣውነት ፈጢርካ ሓዲስ ሓይሊ ታሪኽ ብምምንጫው ንኩሉ ወዲ ሰብ ነጻነትን ፍትሕን ሰላምን ክብርን ዝፍልፍል ይኸውን።  








All the contents on this site are copyrighted ©.