2017-05-02 17:09:00

ናይ ፓላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽር ሃገሮም ኣብ ኤውሮጳ ንናይ እንግዳ ባህሊ ኣብነት ክትከውን ይምዕዱ


“ፖላንድ ከም ቀደም ሎሚ እውን ኣብ ኤውሮጳን ዓለምን ናይ ምትሕብባርን ርህው ማዕጾን እንጋደን ትእምርቲ ኰይና ክትቕጽል” ናይ ፓላንድ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ክርስቲያናዊ ሃገራውነት  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ከምዘመልከተ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቲ ሰነድ ዕለት 28 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ብወግዒ ብናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ስታኒስላው ጋደችኪን ናይቲ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣርቱሮ ሚዚንስኪ ብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ቀንዲ ሓሳቡ ከምዝተዘርዘረን እቲ ሰነድ ገና ተሓቲሙ ከይተዘርግሔ ድሮ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ መሰረት ናይ ውሽጥን ወጻእን መራኸቢ ብዙሃን ሰፊሕ ትንተና ይወሃበሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ንካልኦት ሃገራት ማሕበረሰብ ዝነጽግ ብሔርተይናነትን ኢጐነትን እምቢ ምባል

ብፁዓን ጳጳሳት ፖላንድ ነቲ ኢጐነትን ኣሉታዊ ብሔርተይናነትን ዝወልዶ ኣሉታዊ ሃገራውነት ዝቃወምን ዝእርምን እወታዊ ዝዀነ ሃገራውነት ክተባባዕ ከምዝግብኦ ብምዝኽኻር እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ናይ ካልኦት ሃገራት ማሕበረሰብ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምዕጻው ፈተና ዘርሕቕ እዩ ቢሎም፡ ፍቕሪ ሃገር ኣብቲ ኵላዊ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝተማእከለ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጾም ፖላንድ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ሃይማኖታውን ባህላውን ምቅብባልን ምክብባርን ዝሰፍፈነላ ሃገር ምዃና ዝገልጻ ኣብ ጎቦ ካሲኖ ዘሎ ምእንቲ ሰላም ዝወደቑ ተወለድቲ ፖላንድ ካቶሊካውያንን እስላምን ኦርቶዶክስን ኣይሁዳውያንን ኢኣማንያንን ዝተቐብርሉ ስፍራ ዝምስክሮ ክቡር ዋጋ ፈጺሙ ከይዝንጋዕን ምስ ካልኦት ኣህዛብን ባህልታን ምትሕብባር ዘተባብዕ ርህው ማዕጾ ዘንብር እወታዊ ሃገራውነት ሎሚ ከም ቀደም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዚር ናይ ዜና ኣገልግሎ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.