2017-05-04 18:28:00

ትማልን ሎምን ግብጺ ምልክት ተስፋ እያ! ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ብሓገዝ እግዚኣብሔር ናብ ሃገረ ግብጺ ዝፈጸምክዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክዛረበኩም ደስ ይብለኒ፣ ናብዛ ሃገርዚኣ ዝኸድኩሉ ኣርባዕተ ዕደመ ማለት ናይ ሪፓብሊክ ግብጺ ፕረሲደንት ናይ ቅብጣውያን ኦርቶዶክስ ፓትርያርክን ናይ ኣል ኣዝሃር ዓቢ ኢማምን ናይ ቅብጣውያን ካቶሊካውያን ፓርትርያርክን ዝቀረበኒ ዕድመታት መሠረት እዩ፣ በቲ ዘቅረቡለይ ውዕውዕ ሕውነታዊ ተቅባል እውን ንነፍሲወከፎም አመስግን፣ ነዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ተኸታሊ ጴጥሮስ ብዓቢ ፍቅሪ ዝተቀበሉን ብዘርኣይዎ ተሳታፍነትን ንመላእ ሕዝቢ ምስሪ አመስግን።

ፕረሲደንትን  ሰበስልጣንን ሃገረ ግብጺ እዚ ፍጻሜ እዚ ከም ምልክት ሰላም ምእንቲ ክኸውን ማለት ነታ ብግጭትን ብራዕድን ትሳቀ ንዘላ ግብጽስ ይኹን ንመላእ ከባቢ ኣቲ ዞባ ናይ ሰላም ምልክት ምእንቲ ክኸውን፣ ብዝለዓለ ኣገባብ ንክፍጸም ፍሉይ ተወፋይነትን ጻዕርን ኣካዪዶም፣ ስለዝኾነ ኸኣ ናይቲ ጉዕዞ መሪሕ ቃል ‘ናይ ሰላም ጳጳስ ኣብ ናይ ሰላም ግብጺ’ ዝብል ነሩ።

ኣብታ ጥንታዊት ዝኾነት ናይ ምስልምና መካነጥበብን ናይ ሱኒ ምስልምና ዝለዓለ ናይ ኣካዳሚ ተቅዋምን ኣልኣዝሃር ዝገበርክዎ ምብጻሕ ክልተ ገጽታ ነርዎ፣ በቲ ሓደ ወገን ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ንዝግበር ዘተ እንክምልከት በቲ ሓደ ወገን ከኣ ሰላም ንምድንፋዕ ዝግበር ጻዕሪ እዩ፣ ኣብ ኣልኣዝሃር ምስቲ ዓቢ ኢማም ርክብ ኣካይድና፣ እዚ ርክብ’ዚ ቀጺሉ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ቀጺሉ፣ ኣብቲ ኮንፈረንስ ንግብጺ ከም መሬት ስልጣኔን ኪዳናትን ዘተኮረ ኣስተንትኖ ኣቅሪበ፣ ሃገረ ግብጺ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ምልክት ናይ ጥንታዊ ምዕባሌን መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ስለኾነት ሰላም ከኣ ብኲስኰሳ ትምህርትን ጥበብን ስለእትርከብ ከምቲ ዓቢ ኢማም ዝዘከርዎ ከኣ ምስ እግዚኣብሔር ካብ ዝግበር ርክብ ዝምንጩ ሃይማኖታዊ መዳይ ከኣ ካብ ሰብኣውነት ዘይፍለ ክፍሊ ከምዝኾነ ገሊጸ፣ ብካልእ መዳይ ሰላም ካብቲ መሠረት ናይ ኩሉ ኪዳናት ደቂ ሰብ ዝኾነ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔርን ዝግበር በተን ኣብ ሲና ዝተጻሕፋ ዓሠርቱ ቃላት ዝተመሥረት ኪዳን ይህነጽ። ኮይኑ ግን ካብዚ ብዝዓመቈ መንገዲ በተን ብፍቅሪ እግዚኣብሔርን ብፍቅሪ ብጻይን ዝግለጻ ኣብ ናይ ኩሉ ዘመናትን ቦታትን  ደቂሰባት ልቢ ዝተጻሕፋ    ክልተ ትእዛዝት ይምስረት።

እዚ መሰሠረት እዚ ንዝኾነ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ዘጠቃለለ ናይ ነበርቲ ምትሕብባር ዝጠልብ ማሕበራውን ሲቭላውን ሰላም ንምሕናጽውን መሠረታዊ እዩ፣ እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘደንፍዕ ንጹሕ ዓለማውነት ምስ ናይ ሪፓብሊክ ግብጺ ፕረሲደንት ዝገበርናዮ መደረታትውን ሰበስልጣንን ኣካላት ዲፕሎማስን ኣብ ዝተረኽቡሉ ገሊጽና፣ እቲ ዝዓበየ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ውርሻ ግብጺ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ ሓይሊ ዘይኮነስ ኣብ መሰል ዘተኮረ ጽኑዕን ቀጻልን ሰላም ንምድንፋዕ ክተበርክት የገድዳ፣

ከም ኣብ ዝኾነ ካልእ ሃገራት ኣብ ሃገረ ግብጺ ዝርከቡ ክርስትያን መባዂዕቲ ሕውነት ክኾኑ ጽውዓት እዮም፣ እዚ ዝከኣለሉ ከኣ ንሶም ንባዕሎም ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ውህደት ምስ ዘጠንክሩ እዩ፣ እግዚኣብሔር ይመስገን ምስ ዝኸበሩ ሓወይ ናይ ቅብጣውያን ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ጳጳስ ታዋድሮስ ካልኣይ ሓደ ዓቢ ምልክት ናይ ውህደት ብሓባር ኣቅሪብና፣  ሓባራዊ መግለጺ ብምሃብን ክታምና ብምንባርን ነቲ ሓቢርና ንምጒዓዝን ኣብ ክልቲኤን ኣብያተ ክርስትያን ንዝወሃብ ምሥጢረ ጥምቀት ቅቡል ብምግባር ከይንደግሞን ንዝብል ቃልና ኣሓዲስና፣ ኣብታ ክብርቲ ቤተክርስትያኖም ብዘሕዝን ኣገባብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰማዕትነት ስለዝተቀበሉ ብሓባር ጸሊና ደሞም ከኣ ነቲ እነካይዶ ኢኩመኒካዊ ጉዕዞ ፍርያም ከምዝኸውን ገርዎ። ኣብዚ ኢኩመኒካዊ ርክብ ዝኸበሩ ሓወይ ናይ ቊስጥንጥንያ ኢኩመኒካዊ ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ እውን ይርከብዎ።

ናይዚ ጉዕዞ ካልኣይ መዓልቲ ንካቶሊካውያን ምእመናን ዝተወፈየ ነበረ፣ እቲ ኣብቲ ብሰበ ሥልጣን ግብጺ ዝተቀረበልና ስታድዩም ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓቂ እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ጐይታ ኣብ መንጎና ህያው ከምዝነበረ ዝተሰመዓና ናይ እምነትን ሕውነትን በዓል ነሩ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሰ ከኣ እታ ንእሽቶይ መጓሰ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግብጺ ነቲ ክልተ ኣርድእቲ ኣብ መንገዲ ኤማሁስ ንክርስቶስ ብኣካሉ ብቃሉን ብቅዱስ ቊርባኑን ብምርካብ  ማለት ነቲ ሓዋርያት ንጐይታ ብምርካብ ንዘስተማቀርዎ ናይ እምነት ታሕጓስን ናይ ተስፋ ሙቀትን ብፍቅሪ ናይ ምምስካር ሓይልን ከስተማቅሩ ሓደራ ኢለዮም።

ኣብ ምጥቅላል ሓዋርያዊ ምብጻሔይ ምስ ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣክህነት ኣብ ዓቢይ ዘርኣክህነት ብምርኻብ ዛዚመዮ፣ ዓቢ ምጽንናዕ ዝኾነ ከኣ ብዙሓት ተመሃሮ ዘርኣክህነት ኣለው፣ እቲ ርክብ ብሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ቃል ኣምላኽ ጀሚርና ናይ ሰብ ውፉይ ሕይወት መብጽዓ ኣሓዲስና፣ ኣብዞም ንስፍሓት መንግስቲ እግዚኣብሔር ሕይወት ንክርስቶስ ዘወፈርዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጽባቄ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግብጺ ርእየ ንስለ ኩሎም ናይ ማእከላይ ምብራቅ ክርስትያን እውን ‘ብሰብ ውፉይ ሕይወት ተሰንዮም ብጓሶቶም እናተመርሑ ኣብቲ ቦታቲ ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ’ቲ ጨውን ብርሃንን ምእንቲ ክኾኑ’ ጸሎትና ኣዕሪግና፣ ሃገረ ግብጺ ምልክት ተስፋን ጽንዓትን ሓገዝን ኮይኑና፣ ኣብቲ ከባቢ ጥሜት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ያዕቆብን ደቁን ናባኡ ከይዶም፣ ኢየሱስ ምስ ተሰደደ ናባኡ ከይዱ፣  ብዛዕባ`ዚ ጉዕዞ እንክዛረበኩም ጉዕዞ ተስፋ የመልክት፣ ስለዚኸስ ንዓና ሃገረ ግብጺ ኣብ ታሪኽ ይኹን ሎሚ ኣብዚ ሎሚ ከዘንትወልኩም ዝደለኽዎ ሕውነት ነቲ ምልክት ተስፋ’ቲ የቅርበልና።

ኣዚ ጉዕዞ’ ዚ ክውን ንክኸውን ዝሰርሑን ብዝተፈላለየ መንጊ ኣበርክቶኦም ዘወፈዩን ብፍላይ ከኣ ጸሎቶምን ስቃዮምን ንዘወፈዩ ብሓዲስ አመስግን፣ እታ ካብ ዓመጽ ሄሮዱስ ንክትሃድም ብገማግም ሩባ ናይል ዝተሰደት ቅድስት ስድራ ናዝሬት ንሕዝቢ ግብጺ ትባርኽን ትከላኸለሉን ብመንገዲ ምዕብልናን ሕውነትን ሰላምን ንምጉዓዝ ከኣ ትምረሓዮም፣ እግዚኣብሔር ይሃበለይ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.