2017-05-04 15:48:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ክሰርዑ እዮም


ዕለት 7 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሽዱሽተ ዲያቆናት ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ሰበኻ ሮማን ካልኦት ኣርባዕተ ዲያቆናት ድማ ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ እመ መድሃኔ ዓለም “Redemptoris Mater” ልኡካነ ወንጌል ተቛም ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ዝርከብዎም ሰንበት መበል 54 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ምዃኖም ናይ ሮማ ሰበኻ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ኅይንተ ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ስርዓት ቅዳሴ ዝሓብሩ ናይ ሰበኻ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ዕለት 5 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዓርቢ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ናይ ምሸት ናይ ሰበኻ ሮማ ተሓባባሪ ኅየንተ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፖ ያኖነን ኣብ ሮማ ናይ ዝርከቡ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርአ ክህነትን ናይቶም ማዕርገ ክህነት ዝቕበሉ ካብ ዝመጹለን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ኣሕሉቕን ካብ ናይ ሰበኻ ሮማ ቁምስናታት ዝተዋጽኡ ምእመናን ቆሞሳትን ዘሳተፈ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ብምኽንያት መበል 54 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ስለ ጸዋዕታ ጸሎተ ዋዜማ ክመርሑ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ሮማ ሰበኻ ሐዋርያዊ መንበር ኅየንተ ኣስዒቡ፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ በቢ ዓመቱ ብባሕረ ሓሳብ ስርዓት ላቲን መዓልቲ ሕያዋይ ጓሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ራብዓይ ሰንበት ዘፋሲካ ዝውዕል ክኸውን እንከሎ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በታ ዕለት እቲኣ ምእንቲ ጸዋዕታ ዝተፈላለዩ ኣብ ጸዋዕታ ዘተኰረ መንፈሳውን ባህላውን ዓውደ ጉባኤታትን ዝተሰነየ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝፍጸም ምዃኑ እውን የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.