2017-05-04 15:55:00

ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነት ሃገሮም


ኣብ ሃገረ ኬንያ ዝርከቡ መላእ ናይ ፖለቲካ ውድባት ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሴ ንኽካይድ ዝተወሰነ መደብ ሕዝባዊ መረጻ ምኽንያት ብዓንተውኡ ኣብቲ ሕዝባዊ ምርጭ ዝቐርቡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፖሊቲካ ውድባት ዘካይዶ ኣብቲ ሃገራዊ ምርጫ ዝቐርቡ ሕጹያት ተመረጽቲ ንምቕራብ ዘክድየዱ ዘለዉ ምርጫታት ግልጽነት ዝጐደሎን ዝተደናገረን ዝመልስ ምዃኑን እዚ ንገዛእ ርእሱ መብዛሕቲኡ ናይ ፖለቲክ ውድብ ብቕዓት ዘይብሉ ምዃኑ ዘነጽርን እዚ ድማ እቲ ናይ ሃገረ ኬንያ ናይ ፖለቲካ ሜላ ስንኩፍ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ እቲ ቅድሚ ሕዝባዊ ምርጫ ዘሎ ውጡር ኩነት ኣዚዩ ከምዘሰከፍምን እቶም ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ወኪሎም ንምርጫ ዝቐርቡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ሕጹይ ተመራጺ ንምቕራብ ዘካይድ ዘሎ መደብ ምርጫታት ብውጥረትን ዓመጽን ጸቕጥን ዝተሓላለኸ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነቲ ዘሎ ውጡር ኩነት ብብቕዓት ተቖጻጺሮም ንምእላዩ፡ እቲ ምርጫ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፖለቲካ ውድባት ሰላም ብዝዓሰሎ ደሞክራሲያዊ ኣስራርሓ ብምስዓብ ንኽፈትሕዎ ብቕዓት ዘይብሎም እዮም ዝመስሉ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እዚ ዝረአይ ዘሎ ኩነት እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ብሔራዊ ምርጫ ውሑስ ክኸውን ከምዘይክእልን ቅድመ ምልክታ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ፡ ዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ጉዳይ ዓለም ሓቆፍን ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ወጻእተይናታትን ልክዕ ከምቲ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ዝገለጾ ስክፍታን ስግኣትን ከምዘለዎም ይርአይ ከምዘሎ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኬንያ ብዋሕዲ መግብን ደርቅን ከምእተጠቕዔትን ኣብ ከምዚ ዓይነት ሽግር ወዲቓ ኣብ ዘላትሉ እዋን ናይ ፖለቲካ ውድባት ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሴ ንዝካይድ ብሔራዊ ምርጫ ሕጹይ ተመራጺ ንምቕራብ ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ናይ ውድባትን ወከልቲ ሕጹያት ናይ ምቕራብ መረጻ ዘፍስስዎ ዘለዉ ሃብቲ ገንዘብ ብሓቂ ዘሕዝን ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዘርእይዎ ዘለዎ ናይ ህርፋንን ኢጎነትን (ንኣይነትን) ባህሊ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ዘብእስ ክኸውን እንከሎ እዚ ጉዳይ’ዚ ንሕዝቢ ኬንያ ናብ ድነ ተስፋ ቀቢጽነት ዝድርኽ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።    








All the contents on this site are copyrighted ©.