2017-05-06 17:14:00

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረ “ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምርካብ ብዘይ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ደረጃ ፍልልያት ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክገሃስ ዘይብሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ”  ብዝብል መሰረተ ሓሳብ ጸዲቑ ኣብ መላእ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘገልግል ዘሎ ናይ ባራክ ኦባማ መንግስቲ ዘጽደቖ ኦማባ ከይር ብዝብል ስም ዝፍለጥ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሐለዋ ጥዕና ተግባር ዕለት 5 ግንቦት 2017 ዓ.ም. እቲ ናይ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ መንግስቲ ነቲ ናይ ኦባማ ናይ ክንክን ጥዕና ሕጊ ውድቂ ዝገብር ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣብ ሕዝባዊ ቤት ምኽሪ ቐሪቡ ብ 217 ድምጺ ተቐባልነት 213 ድምጺ ኣሉታዊ ድምጺ ረኺቡ ብጸቢብ ድምጺ ከምዝጸደቐን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ቐሪቡ ድምጺ ክወሃበሉ ዘድሊ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፅዕ ኣቡነ ፍራንክ ደዋነ ናይ ሃገሮም ሓጋጊ ቤት ምኽሪ እቲ ናይ ኦባማ ናይ ክንክን ጥዕና ሕጊ ዝትክእ ርእሰ ብሔር ትራፕ ዘቕረብዎ ሓድሽ ናይ ሕጊ ንድፊ ክምርምሩን ክንክን ጥዕና ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እምበር ብእቶቶ ዝዕቀን ከምዘይኰነ ኣነጺሮም ብምስትውዓል ውሳኔ ክህብሉ ሓደራ ከምዝበሉ ክምልከት እንከሎ። ብጠቕላላ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ዝወጠንዎ ሓድሽ ናይ ክንክን ጥዕና ሕጊ ንዅሉ ዜጋ ዝሓሊ ምዃኑ ዘጠራጥር እዩ። ስለዚህ ድኻታትን ተነቃፊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይዝንግዕ ሕጊ ክኸውን ብምትሕስሳብ ብፍላይ እቲ ናይ ኦማባ ናይ ክንክን ጥዕና ንድኻታት ዘለዎ ሓልዮት ዝነኣድ እዩ፡ እዚ እንተድኣ ተቐይሩ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ከምዝገሃስ ፍሉጥ እዩ። እቲ ናይ ኦባማ ናይ ክንክን ጥዕና ዝበለጸ ንምግባርም እምበር ምውጋዱ ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሓደጋ ምቅላዕ እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ካብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ድኻታት ንገዛእ ርእሶም ዝሓድግን ንድኻታትን ተነቃፊ ንዝዀነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ግምት ዘይህብ መንግስቲ ናይ ሕዝቢ እየ ክብል ከምዘይክእል። ናይ ሓደ ሃገር ምሉእ ምዕባለ ሚዛን ንድኻታትን ኣብ ከቢድ ሽግር ንዝርከብ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝወሃብ ሓልዮትን ናይ ሕይወት ባህሊ ምኽባርን እዩ።

ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቶም ናይ ኦባማ ናይ ክንክን ጥዕና ሕጊ ተጠቀምቲ ዝዀኑ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብን ከምኡ እውን እቲ ናይ ኦባማ ሕጊ ኩሉ ከከም እቶቱ ዝመዝን ምኻኑ ከየስተውዓሉን ነዚ ኹሉ ግምት ከይሃብቡን ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ከይመኸሩ እዮም ንምቕያር ዝደልዩ ዘለዉ። ምኽባር ናይ ሕይወት ባህሊ መሰረት ዝገበረ ኰይኑ ብርግጽ ጽንሲ ምንጻል ጸረ ሕይወት ምቛም እዩ ስለዚህ እቲ ኣብ ናይ ኦባማ ኬር ዝተጠቓለለ ብዛዕባ ጽንሲ ምንጻል ዝምልከት ዓንቀጽ ምቕያር ኣገዳሲ እዩ ግና ናይ ድኻታት ሕይወት እውን ከይንጸል ምሕላይ ናይ ሕይወት ባህሊ ምክንኻንን ምስፋሕን እዩ። እቲ ናይ ኦባማ ሕጊ ንስደተይናታት እውን ሓልዮ ዝነበሮ እዩ። ነዚ ሕጊ’ዚ ውድቂ ምግባር ብኻልእ መዳይ ካብኡ ብዝበለጸ ሕጊ ደኣ እምበር ድኻታትን ስደተይናታትን ዝንጽል ሕጊ ኣድጺቅካ ምትካእ ክንክን ጥዕና ምርካብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምጥሓስ እዩ ዝኸውን፡ ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እውን ኣብ መልኽቶም ነዚ ሓሳብ ብምቕራብ፥ “ናይ ክንክን ጥዕና መምርሒ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዘክብር ይኹን” ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ደዋን እቲ ብሕዝባዊ ቤት ምኽሪ ዝጸደቐ ሕጊ ኣብ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ብዙሕ ክትዕን ጥራሕ ዘይኰነ ከይጸድቕ እውን ከምዝኽእል ካብ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ እውን ጠቒሶም ናይ ህይወት ባህሊ ክነቓቓሕን ክሰፍህን ሕደራ ከምዝበሉ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።   








All the contents on this site are copyrighted ©.