2017-05-10 16:11:00

ብፁዕ ካርዲናል ሞንተነግሮ ኣብ ፖምፐይ ማርያማዊ ቅዱ ስፍራ ዝዓርግ ምህለላ ሰሪዖም


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣግሪጀቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮ ኣብ ፖምፐይ ማርያማዊ ቅዱስ ዕለት 8 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዝዓርገ ጸሎት ምህለላ ለማርያም ዘሮዛርየም ከምዝመርሑ ክንገር እንከሎ፡ እዚ በቢ ዓመቱ ዕለት 8 ግንቦት ዝዓርግ ጸሎት ምህለላ ለማያም ዘሮዛየም ዕለት 8 ግንቦት 1883 ዓ.ም. ዝተጀመረን ስለ ሁሙማንን ድኻታትን ብስእነት ስራሕ ስለ ዝሳቐዩን ስለ ፍትሕን ሰላምን ብጠቕላላ ማሕበራውን ሰብኣውን ስቓይ ኩሉ ብኣማላድነ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሮዛርየም እግዚኣብሔር መልሲ ክህበሉ ብዝብል ጥልቂ መፈሳውነት ዝተበገሰ መደብ ምዃኑ ነቲ ዕለት 8 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ብፁዕነቶም ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 8 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ምህለላ ለማርያም ዘሮዛርየም ብብፁዕ ባቶሎ ኦንጎ ናይቲ ናይ ፖምፐይ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መስራቲ ዝተደርሰ ጸሎት ኣዕሪጎምን ጸሎት መቑጸሪያ ከምዝመርሑን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ዕለት 7 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎት ንግስተ ሰማይ መሪሖም ነቲ ዕለት 8 ግንቦት ኣብ ፖምፐይ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዝዓርግ ጸሎት ቅድሚ ምብዓሉ ዘኪሮም እግዚኣብሔር ሰላሙ ከውርደልና ብንግስተ ሰላም ዝዀነት እመ መድሃኒ ዓለም ኣማላድነት ክንጽልይ ሓደራ ከምዝበሉን ምእመናን ጸሎት መቝጸያ ከዘውትሩ ዝሃብዎ ለበዋ ብፁዕ ካርዲናል ሞንተነግሮ ጸሎት ምህለላ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም መሪሖም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዘኪሮም ክምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ሓደራ ጸሎት መቝጸሪያ ኣፍቀርቲ ንኹን ከምዝበሉ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፥ ብፁዕ ካርዲናል ሞንተነግሮ፥ እኽብሮትን ውዳሴን ንማርያም መቝሪያ ብለሚድ ብምፍጻም ዘይኰነስ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ኣባና ዝበጽሐ ቅዱስ ትውፊትን ባህልን ቤተ ክርስቲያን ማርያም ንምእመንን ንክርስቲያንን ሕይወት ኣርኣያ ምዃና ዝገልጽን ማርያም ናይ እምነት መሳልል ከምዝዀነ ዝገልጽ እዩ ከምዝበሉ ሓቢረን።

ኣብ ማርያም ቃልን ሕይወትን ውሁድ ኰይኑ እዩ። ስለዚህ ኣባና ጸሎትን እምነትን ልማድ ኰይኑ ከይተርፍ ከም ማርያም ነቲ ቃል ሰሚዕና ኣብ ውሽጥና ኣንቢርና ብምስትንታን ፈጸምቲ ንኹን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቱ ንስለ ምድሓንና ኣሕሊፉ ሃበ ኣንሕና እውን ክርቲያን ሰዓብቲ ክርስቶስ ብምዃንና ስለ ኣሕዋት ሕይወት ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና ንኽንህብ ኣብ ዝድርኽ ኩነት ምስ እንርከብ ከም ፍቓድካ ቢልና ስንድዋት ኰይና ንኽንርከብ ዝተጸዋዕና ኢና፡ ክርስቶስ ስለይ ሕይወትካ ሕይወተይ ስለ አሕዋአይ ንበል እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ኣሕዋትና ብድኽነት እናተሳቐዩ እቲ ንሕይወት መሰረት ዝዀነ ስኢኖም ክሳቐዩ ኣንሕና ግና ብሃብቲ ንምድላብ እንቀዳደም ኰይና ልባትና ዓጺና እንነብር እንተድኣ ኰይና ልብና ንፍቕሪ እግዚኣብሔ ንዓጽው ማለት እዩ፡ ስለዚህ እውነተይና እምነት ቃልን ተግባርን ዘጣመረ እዩ። እምነት ጸጋ እዩ። ዝተቐበልናዮ እምነት ንኻልኦት እነብጽሕ ምስ እንኸውን ኣብ ዝበለጸ ዓለም ሕንጸት ዓቢይን መሰረታውን ግደ ነበርክት፡ ዘይነካፍሎ እምነት ዝሞተ እዩ ዝኸውን። እምነት ሕይወት እዩ። ሕይወት ካብ ኰነ ድማ ተኻፋሊ እዩ ከምዝበሉ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፥ ማርያም ናይ እምነት ብቓልን ተግባርን ምንባር ኣብነት እያ እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.