2017-05-11 17:23:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቕዱስነቶም ተዋድሮስ ዳግማዊ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 4 ዓመት ዕለት 10 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮን ቅዱስነቶም ተዋድሮስ ዳግማዊ ዝተኻየደ ርክብ ንቕዱስነቶም ተዋድሮስ ዳግማዊ ዕለት 10 ግንቦት 2017 ዓ.ም. መልኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ምሕዝነት ጭቡጥ ምዃኑ ገሊጾም፥

“ኣብ ምስሪ ብዘካይድክዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንዝገበኩምለይ ኣቀባብላን እንገዳን ብምዝካር ደጊመ ከስግነኩምን ውዕለኣትኩም ዘይርሳዕ እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ ምስጢረ ጥምቀት ኣብ ኣካለ ክርስቶስ ዝተበጽሐ ስሙር ናይ ሓባር ስምምዕ ብሓቂ ናይ ሓሴት ምኽንያት እዩ። እዚ ድማ እቲ ዕለት 28 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ካይሮ ብኽታምና ዘጽደቕናዮ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ሰነድ ዝተነብረ ነጥቢ ክኸውን እንከሎ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ እውን ከምዘመልክቶ ብቕንዕናን ብሓደ ልብን መንፈስን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተሰርዐ ምስጢረ ጥምቀት ኣብ ሓዴኤን ዘይድገምን ኣብ ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝስራዕ ምስጢረ ጥምቀት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅቡልን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝስራዕ ምስጥረ ጥምቀት ኣብ ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅቡል ዝብል እዩ”  

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

“ኣብ መንጐና ዘሎ ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ምትእስሳር ከምቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ተጠቒሱ ዘሎ ነቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ከም ናይ ሓባር ረቛሒ ዘጠራንፈና ነንሓድ ሕድና ዘሎና ምክብርባን ምድናቕን ኣብ ዘሎና ፍልልይ ጭቡጥ ዝዀነ ስምረት ንምድላይ ዘበርትዕን ኣብ ትሕቲ ጽላሎት መንፈስ ቅዱስ ናብ ሓድነት ንዝግበር ጉዕዞ ሓቦ ዝብል እዩ”

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

“ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ በቲ ብርቱዕ ዝዀነ ኣማላድነትን ኣብነትን ሰማዕታት እንድገፍ ምዃንና እምነተይ እዩ። በዚ መንፈስ’ዚ ናብቲ ውሁድ መዓዲ ቅዱስ ቍርባን ንምብጻሕ ኣሚትና እንገብሮ ንሓድነት ዘተኰረ ናይ ሓባር ጉዕዞ ክስጉም መታን ኣብ ፍቕርን ዕርቅን እናደልደልና ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ትጉሃት ንኹን”  ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ ቅዱስነቶም ተዋድሮስ ዳግማውን ከምኡ እውን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምስርን ጠቕላላ ማእከላይ ምብራቕን ቀጻሊ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ “ኣብዚ ኣብ ቅነ ፋሲካ ኣብ እንርከበሉ ባሕረ ሓሳብ መንፈስ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር ሓይልን ለውሃትን ክጽግወናን ልባትና ብጸጋታቱ መሊኡን ብጓህሪ ፍቕሩ ከወዓውዖ እጽልይ። መንፈስ ቅዱስ ብሰላሙ ኣብ ተስፋን ምሕዝነትን ስምምዕን የዕብየና” ብዝብል ጸሎት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.