2017-05-11 17:17:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ዕድሎት ኣብ ማርያም ከማዕቁብ እየ


ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ዕለት 10 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 13 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ፖርቱጋል ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ከካይዱ ምዃኖም ገሊጾም፡ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ዕድሎት ኣብ ማርያም ከማዕቁቡ ምዃኖም ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ዝቐርብ ጸሎት ክዝውተርን ብፍላይ ከኣ ጸሎት መቝጸሪያ በቢ ዕለቱ ክንጽልይን መንእሰያት ኣብ ጸሎት መቝጸሪያ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ኣስዒቦም፥

“ኵልኻትኩም ኣብዚ ኣብ ናይ ተስፋን ሰላምን ዝፍጽሞ መንፈሳዊ ንግደት ክትሓብሩን በተን ኣብ ጸሎት ዝተግሃ ኣእዳውኩም ነእዳወይ ክትድግፉ እምሕጸን። ኣታ ካብ ኵለን ኣዴታት ብልጽትን ዓባይን ዝዀነት ማርያም ክሳብ ኣብ ፍጻሜ ንዘልዓለም ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ትሓልወኹም”  ከምዝበሉ ገሊጾም።

ዕለት 13 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ነቶም ናይቲ ኣብ እዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ነቢያዊ ቅዱስ ኩነት ተባሂሉ ናይ ዝንገረሉ ኣብ ፋጢማ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ግልጸት ምስ ሉቺያ ብሓባር ዝተዓደሉ ብፁዓን ፍራንቸኮን ጃቺንታን ቅድስና ከምዝእውጁን ዕለት 13 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ናይ ፋጢማ ግልጸተ ማርያም ትሕዝቶኡ ኩሉ ቤተ ክርስቲያን ንንባብ ክበቅዕ ከምዝገበረት ገሊጾም “ናይ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ነቢያዊ ልኡኽነት ተደምዲሙ ቢሉ ዝሓስብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዘታልል”  እንክብሉ ዕለት 13 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ቅዱስ ስፋራ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ገሊጾም ከምዝነበሩ ኣዘካኺሮም፥

“ትንቢት ብናይ ቅዱስ ምጽሓፍ ባህሊ ንመጻኢ ግድን ናይ ዝኸውን ቅድመ ርእያ ማለት ዘይኰነስ ናይ ለውጥን ሕዳሴ ጻውዒት እዩ። እቲ ናይ ዕለት 13 ግንቦት 1917 ዓ.ም. ጓሶት ሉቺያ ዶስ ሳንቶስን ጃቺንታ ማርቶን ፍራቸስኮ ማርቶ ካብ ዕለት 13 ግንቦት ክሳብ ዕለት 13 ጥቅምቲ 1917 ዓ.ም. ዝቀጸለ ዝተዓደልዎ ግልጸተ ማርያም ትንቢት እዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ተፈጻምነቱን ኣብ ሕይውታን ኣብ ታሪኽ ዓለምን እናብርሄት ዕጹው ዘይኰነስ ከም ትርጉም ትንቢት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋናዊ ዓለምን እዋናዊት ቤተ ክርስቲያንን ተኸዋንነት ከምዘለዎ ተነጽር። ካብቶም ክስተታት እውን እቲ ድሕሪ 64 ዓመት ዕለት 13 ግንቦት ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ብማዕቅፍ ትንቢት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ዘንብዎ ዝጥቀስ እዩ”።

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ሊስቦን ኣብ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጉዕዞ ነፋሪት ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝገብርዎ ቃለ መሕትት እቲ ናይ ግልጸተ ማርያም ትንቢታዊ መንፈሳዊ መርሖ ድማ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ሰናይን ክፋእን ዘሎ ቃልሲ ዝገልጽ እዩ እክብሉ ዝሃብዎ ትንታኔ ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ኣንድረያ ቶርነይሊ ምስ ራዲዮቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ዝዘከሩ ኣንድረያ ቶርነይሊ ኣስዒቦም ቃለ መሕትት በነዲክቶስ መበል 16፥

“ኣብ ውሽጢ ቤት ክርስቲያን ስለ ዘሎ ሓጢኣትን ኣበሳን ግዕዘይን ተዛሪቦም እዮም። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ማእከልን ዋና ዜናን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝበልዎ እዩ። ጸላእን ተጻባእን ቤተ ክርስቲያን ደጋዊ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጣ ዝፍጸም ሓጢኣት እዩ። ነዚ ስቓይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትንቢት ግልጸተ ማርያን ዘፋጢማ ኣሳዂዖም ብምንባብ እቲ ግልጸተ ማርያም ዘቕርቦ ጻውዒት ምልዋጥን ምጥዓስን ምንጻሕን ብትረት ኣብሪሆምዎ እዮም” 

ቢሎም ሎሚ እውን ፋጢማ ንጸሎት ንቕሑ ዝብልን ጸላያን ኩኑ ዝብል ምዕዶ ዘቃልሕን ተነስሑ ዝብልን ንቕድስና ዝዕድም መልእኽቲ እዩ። መልእኽቲ ናይ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ናይ ምልዋጥን ንስሓን ጻውዒት ምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2000 ዓ.ም. ንፍራንቸስኮን ጃቺንታን ኣብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብፅዕና ንምእዋጅ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ገሊጾምዎ እዮም ስለዚህ፥ “ናይ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ መልእኽቲ ናይ ምልዋጥ ጻውዒት እዩ”  እንክብሉ ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ቶርነይሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.