2017-05-13 17:06:00

ቅዱስ ኣቦና መስዋዕተ ቅዳሴን ኣዋጅ ቅድስና ንብፁዓን ፍራንቸስኮ ማርቶን ጃቺንታ ማርቶን ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ግልጸተ ማሪያም ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 13 ግንብ ኦት 1967 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረግሉ ኣብ ፋጢማ ባዚሊካ ቅድስተ እመቤት ዘቅዱስ ሮዛሪየም ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ግልጸተ ማርያም ኣብ ፋጢማን ነቶም እቲ ግልጸት ካብ ዝተዓደሉ ብፁዓን ፍራንቸስኮ ማርቶን ጃቺንታ ማርቶን ቅድስና ንምእዋጅን ኣብቲ ቤተ መቅደስ ቅድስተ እመቤት ሮዛሬየም ዘፋጢማ ልክዕ ሰዓት 10 ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናይ ፖርቱጋልን ፓራጉዋይን ሳን ቶመን ፕሪንሲፐ ኣርእስተ ብሔር ኣብ ዝተረኽብ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም እዋጅ ቅድስና ከምዝፈጸሙ ልዑኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎ ሞናኮ ሓቢሮም

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ዮሓንስ ራዕይ ካብ ምዕ. 11 ፍቕ.19, ምዕ. 12 ካብ ፍቕዲ 1-6ን ፍቕ. 10

ካልኣይ ምንባብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ. ምዕ. 5 ካብ ፍቕ,12 ካብ ፍቕ. 17-19

ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 19 ካብ ፍቕ. 25-27

ዘሎ ምስተነበ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

“ዓቢይ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፥ ጸሓይ ዝተወንዘፈት ወሒ ብእግራ ዝረገጸት ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ከም ኣኽሊል ኣብ ርእሳ ዝደፍአት ሓንቲ ሰበይቲ ተራእየት። ንሳ ጥንስቲ ነበረት ቅልውላው ስለ ዝሓዛ ድማ ኽትወልድ ትጸዓርን ተእውን ነበረት፡ እንክብል ቀዳማይ ምንባብ ይነግረና ኣብ ወንጌል ዮሓን ምዕ. 19 ካብ ፍቕ. 26-27 ዘሎ ድማ ‘ኢየሱስ ነዲኡ ነቲ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ነዲኡ ‘እነሆ ወድኺ’ በላ፡ እዚያ ጽብቕትን ምዕርግትን ዝዀነት ኣደ ኣላትና። እዚ ቃል እዚ እቶም ነቲ ግልጸት ማርያም ዘፋጢማ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝተዓደሉ ነቲ ግልጸት ከመይን እንታይን ምምሳሉ ኣብ ዘትዘንትውዎ ታሪክ ግልጸት እውን ጎሊሑ ዝረአይ መንነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እዩ። ጃቺንታ ነቲ ዝረአየቶ ግልጸት ኣብ ውሽጣ ክትጻወሮ ስለ ዘይከኣለት ነዲኣ ኩሉ ነዲኣ ‘ሎሚ ቅድቲ ማርያም ሪኤያ’ ክትብል ትነግር። ንሳቶም እኖ ሰማይ ረአዩ። ብዙሓት የዕይንቶም ናብ ሰማይ ዘቕንዑ ክነሶም ሰለስቲኦም ጥራሕ ነታ ቅድስት እኖ ሰማይ ይርእዋ። … ኣብቲ ቅዱስ ሰማይ ንዘለዓለማውነት እንተድኣ በቒዕና ብዘይ ምቁራጽ ክንርእያ ኢና”

ቅዱስ ኣቦና ስብከቶም ብምቕጻል፥

“እቲ ነቲ ኣብ ውሽኒ ፍጥረት ሰብ ዘሎ እግዚኣብሔር ዘርክስን ኢእግዚኣብሔራውነት ኩነት ምንባርን ዝኣመሰለ ብጸቕጢ ወይ ከም ሓሳብ ዝቐርብ ባህሊ ግምት ብምሃብ እቲ ኣባና ዘሎን ዝኸድነናን ናይ እግዚኣብሔር ብርሃን ከምቲ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ምንባብ ምዕ. 12 ፍቕ. 5 ‘እቲ ወዳ ናብ ኣማኽን ኣንብ ዙፋኑን ተመንጢሉ ተወስደ’ ከምዝብሎ ልክዕ ከምቲ ሉቺያ ብዛዕባ እቲ ግልጸት እንከተንዘትው ‘ሰለስቲኦም ኣብቲ ብማርያም ኣቢሉ ዝድርጉሕ ብርሃን እግዚኣብሔር ውሽጢ ተመንጢልና ነብርና’ ከም እትብሎ እዩ። ማርያም በቲ እግዚኣብሔር ብዝሃባ ብርሃን ኣቢላ ከደነቶም ብዙሓት መንፈሳውያን ነጋዶ እሚኖም ሰሚዖም እዮም። እቲ ናይ ፋጢማ ብርሃን ዝዀነ መንጠሊና ንኹላትና ይኸድነና … ከምቲ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ዝምህረና ኢየሱስ ንኸተርእየና ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ማርያም ምስ እነኣትው ኣብ ዝዀነ ይኹን ስፍራ ንሃሉ ብርሃን እግዚኣብሔር ይበጽሓና”

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ፍትዋት መንፍሳውያን ነጋድያን ኣደ ኣላትና ኣብኣ ከም ደቃ ጥቡቓት ንኹን ኣብ ኢየሱስ ኣብ ዝውከል ተስፋ ኢና እንነብር ዘሎና ስለምታይ ከምቲ ካብ መልኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝተወስደ ምንባብ ምዕ. 5 ፍቕዲ 17 “ሞት ብሰሪ ሓጡኣት ሓደ ሰብ ማልት ብሰሪ’ዚ ሓደ ሰብዚ ኻብ ነገሰት እቶም ብዙሕ ጸጋ ኣምላኽን ውህበትን ጽድቅን ዝረኸቡ ደኣ በቲ ሃደ ሰብኣይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ክንደይ ኣብሊጾም ዘይነግሱ”  እቲ ብኢየሱስ ዝወሃብን ዝንበርን ሕይወት ኢየሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ ነቲ ካብ ማሕጸን ማርያም ዝለበሶ ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣብ የንብር (ኤፈ. 2,6 ‘ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና ብክርስቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማይምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና’) እዚ ተስፋ’ዚ ንኹላትና መተባብዒ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ወትሩ ክሳብ ምድራዊ ሕይወት ፍጻሜ ዘሰንየና እዩ እንክብሉ ከምዘረድኡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኰ ኣፍሊጦም።

“በዚ መንፈስ’ዚ ተጸናኒዕና ኵላትን ነቲ ካብ ሰማየ ሰማይ ዝተዓደለን ጸጋን ክትገልጾ ዘይከኣል ኣብ ዝሓፈ ሚእቲ ዓመት ብግልጸተ ማርያም ዘፋጢማ ኣቢሉ ንዝተቐበልናዮ ትዕድልቲ ንኸነመስግን ኣብዚ ንርከብ ኣሎና። እቲ ኣብ ፋጢማ ፖርቱጋል ዝተኾልዔ ተስፋ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ማዕዝን ምድረ ዓለም ሰሪጹ እዩ። ከም ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ብቅዱስ ፍራንቸስኮ ማርቶን ቅድስቲ ጃቺንታ ማርቶን ኣቢላ እቲ ዓቢይን ጥልቅን ዝኸነ ናይ እግዚኣብሔር ብርሃን ክስትንተን ገይራ እያ። ካብዚ ኣምልዀን ስግደትን ድማ ተቓውሞን ስቓይን ዘሰንፍሉ ሓይሊ ተዓድሊሎም። መለኰታዊ ተስፋ ኣብ ሕይወቶም ወትሩ ህልው ኰነ እዚ ድማ ብዘይ ምቁራጽ ስለ ሓጥኣን ኩሉ ኣብቲ ኣብ መንበረ ታቦት ብቕዱስ ቁርባ ኣቢሉ ህልው ኣብ ዝዀነ ኢየሱስ ምንባርና ቅዉም ክኸውን ብዝገበርዎ ጸሎትን ኣስተንትኖን ይግለጽ”

እናተ ሉቺያ ባዕባ እቲ ግልጸት ኣብ ዝጸሓፍኦ ሰነድ ተዘክሮ ምዕ. ሰለስተ ፍቕዲ ሽዱሽተ፥ ጃቺንታ ዝረአየቶ ራእይ ተምስሎኡ ብቓላት ጃቺንታ ኣቢላ ክትገልጾ፥ እግዚኣብሔር ንኹሎም ስቓይን ኣውያትን ከምኡ እውን ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩን ኩሎም ብኣማላድነት ንጽሕት ድንግል ማርያም ክበጽሖም ዝብል ጸሎት ክዝውተር ከምዘለዎ ካብ ግልጸት ማርያም ተስተውዕል ትብል።

እግዚኣብሔር ንሓድ ሕድና ተስፋ ንኽንከውን ፈጠረና። ብዝንበር ደረጅ ሕይወት ጭቡጥን ዝኽወንን ተስፋ ንኽልእ ንኽንከውን ፈጠረና። ኵሉ ከከም ደረጃኡ ሓላፍነቱ ክፍጽም ዝብል ጻውዒት እናቴ ሉቺያ ኣብ ናይ ዕለት 28 ለካቲት 1943 ዓ.ም. መልእኽታ ነቲ ዝተዓደለቶ ግልጸተ ማርያም ተወኪሳ ተግልጾ ነቲ ሸለልተይናነትን ካብ ገዛእ ርእስና ሓሊፍና ንኻልእ ካብ ምጥማት እነርእዮ ቡኽረት ተቖጢብና ለጋሳት ንኽንከውን ተተሓሳስብ።

“ፍረ ስርናይ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት ብይና እያ እትነብር፡ እንተ ሞተት ግና ብዙሕ ፍረ ከም እተፍሪ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ዮሓ. 12,24)። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ኣብ እንሓልፎ መሳቕል ንሱ ቀዲሙ ሓሊፍዎ እዩ። ምእንት’ዚ ኢየሱስ ምሳና ንኽራኸብ ንኹሉ ብርሃን ንኽብጽሕ ኣብ መስቀል ተዋሪዱ ጸልማትን ክፍኣትን ንኽስነፍ ኣብ መስቀል ውዒሉ እዩ ስለዚህ ምስኡ ንኽንራኸብ ኣብ መስቀል ኣይንውዕል፡ ንሱ ስሌና ውዒልዎ እዩ”

ኣብ ትሕቲ ዕቕባን ሓለዋን ማርያም ዘለና ኣብ ዓለም ናይ ብርሃን ፍቕያ ንኽንከውን እቶም ናይቲ ኣብ ፋሲና ዝኹላዕ እውነተይና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣቲ ውህበትን ውበትን ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዝረአይ ዘእንግድ ነጻን እሙንን ብኻልእ ዘይኰነ ብፍቕሪ ህብቱን ዝዀነ ወጅሂ ንኸነስተንትን ዝተጸዋዕና ኢና እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎ ሞናኰ ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.