2017-05-18 17:01:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሞት ስዒሩ ምስ ዝተንስኤ ኢየሱስ ምርኻብ ጓሂ ናብ ሓሴት ይልውጥ


ዕለት 18 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 11.30 በቲ ሳሕቲ ዝረአይ Huntington-መትኒ እናመንመነ መላእ ኣካላት ናብ ምሉእ ልምሲ ብዘብጽሕ ሕማም ዝተጠቕዑ ብወለዶምን ሓኻይምን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ሓኻይምን ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሓልዮ ማሕበር አባላትን ወለንተይናታትን ዝተሰነዩ ህሙማን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ትንሳኤ ዝዓተረ ክርስቶስ ምርኻብ ጓሂ ናብ ሓሴት ይልውጥ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ እንከመልክታ። ካብታ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ህሙማን ብብዝሒ ዝረአየሉ ክፍለ ሃገር ደቡብ ኣመሪካ ዝመጹ ስቓዮም ንዓለም ከቃልዑን ብፍላይ ነዚ ዓይነት ሕማም’ዚ ብስነ ምርምር ዝተጸንዔ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ሕክምናን ኰነ ምንም ዓይነት ፈውሲ እውን ዘይተረኽበሉ ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሕማም’ዚ  ኣፍልጦ ካብ ዝሃቡ መራሕቲ እውን ቀዳማይ ብምዃን እዚ ድማ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ሕማም’ዚ ፍቱን መድሃኒ ንኽርከበሉ ዝግበር ጻዕሪ ከተባብዕ ዝድርኽ ምዃኑ እንክንገር፡ ኣብዚ ርክብ’ዚ ካብ ሰበኻ ኒው ዮርክ ዝመጹ ብብፁዕ ካርዲናል ቲሞትይ ዶላን ዝተሰነዩ በቲ ሰበኻ ዝመሓደር በዚ መትኒ ዘመንምን ሕማም ንዝተጠቕዑ ዜጋታት ኣገልግሎት ካብ ዝህብ ምእከል ክንክን ጥዕና ዝመጹ እውን ከምእተሳተፉን ብፁዕነቶም ቅድም ክብል ብዛዕባ እዚ መደብ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣመልኪቶም ነዞም በዚ ሳሕቲ ዝረአይ ሕማም ዝተጠቕዑ ከም ሕፍረት እናተራእዩ ብሕቡእ ተነጺልካ ካብ ምንባር ዘጋጥሞም ኩነት ናጻ ዘውጽእ ናይ ተስፋ ርክብ እዩ እንክብሉ ገሊጾምዎ ከምዝነበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ኣብ ጐድኒ እቶም ሕሙማን ኰይኖም ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ እውን ከምእተረኽቡን እዚ ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም በዚ መትኒ ዘመንምን ሕማም ዝተጠቕዑ ዜጋታት ቀረባ ብምዃ ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ብምቕራብ ንእተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዘረጋግጽ ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም በዚ ሕማም’ዚ ዝተጠቕዑ እትህቦ ኣገልግሎት ካብ ርሑቕ ዓመታት ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ፡ኣብ 2000 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቛሞ እቲ ሽልማት ፒዮስ መበል ዓሰርተው ሓደ ነዚ ሕማም ፈውሲ ንኽርከበሉ ብዙሕ ዝጽዕሩ ንዘለዉ ንኽልተ መንእሰያት ናይ ስነ ሕክምና ሊቃውንቲ ከምዝሃበን እዚ ድማ ኣብ ዓለም ናይ ስነ ሕክምና ተመራመርቲ ኣብዚ መዳይ ንኽተባብዑ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ቅድሚ እቲ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ከምዝነበሩ የመልክታል።

 

ቅዱስ ኣቦና ነቶም በቲ ሳሕቲ ዝረአይ Huntington-መትኒ እናመንመነ መላእ ኣካላት ናብ ምሉእ ልምሲ ብዘብጽሕ ሕማም ዝተጠቕዑ ብወለዶምን ሓኻይምን ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝተሰነዩ ህሙማን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቦሎም ቃለ ምዕዳን እንክልግሱ

ክቡራ ኣሕዋትንን ኣሓትን

ንኹላትኩም ሓደ ብሓደ ኣብዚ ተቐቢለ ብሓባር ብዛዕባ መትኒ ዘመንምን ሕማም ከነስተንትን እንከሎና ደቂ ትንሳኤ ብምዃና ኣብ ናይ ትንሳኤ ሓሴት ተኣሚና ኢና፡ ቅድም ቢሎም ዘረባ ነዘስምዑ ክብርቲ ካታነኦን ክቡር ሳቢነን አመስግን። ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ብስጋን ብነፍስን ንዝሳቐዩን ነቶም በዚ ሕማም’ዚ ዝተጠቕዑ ኵሎም እውን ሰላምታይ የመሓላልፍ፡ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

“መብዛሕትኹም ኣብዚ ርክብ’ዚ ንምስታፍ ካብ ርሑቕ ዝመጻእኩም ነዊሕ ጉዕዞ ዝበዳህኩም ኢኻትኩም ምስቲ ዘለኩም ስቓይን ሕማምን ኣብዚ ምርኻብኩም ቀሊል ኣይኰነን። ታሪኽኩምን ዕለታዊ ስቃይኵምን ዘይሕለል ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዔ ሓልዮትን ስንዮታን ወለድኻትኩም ኣባይቲ ስድራኹምን ሓኻይምኩምን ብዙሓት ወለንተይናታትን ብሓቒ ዝድነቕ እዩ። ናትኩም ናይቶም ስለ ሓልዮትኩም ዝዓዩ ጉዕዞ ብሓቂ ዓቐበት እዩ። ፍቕሪ ግና ኩሉ ክኡል ይገብር።

ብዙሕ እዋን እቶም በዚ ሕማም’ዚ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ሕይወት ፍርሕን ከቢድ ጾርን ዘሰንዮ ከምዝነበረን እዚ ድማ ሳሕቲ ዝረአይ ሕማም ብምዃኑ ከም ሕማም ዘይምፍላጡ ድማ ተነጺሎም ንኽነብሩ ተገዲዶምን ንወለድታቶምን ንደቆምን ብዘጓነፈ ሕማም ክሓፍሩን ዝሓመሙ ደቃቶም ክሓብኡን ንገዛእ ርእሶም ተሓዲጎም ነዚ ኣብ ስድራ ከጋጥም ዝኽእል ሕማም ብዘይ ምንም ዓይነት ሓገዝ ንበይኖም ተሰኪሞም ክነብሩ ዝረአይ እዩ። ሎሚ ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ዓለምን ከምቲ ናይዚ ርክብ መርሕ ቃል ዝብሎ ሕቡእነት የብቆዕ ንብል። እዚ ቃል’ዚ ጭሮሓዊ ቃል ዘይኰነስ ሓላፍነት ዝሓትትን ኩሉ ከከም ዓቕሙን ሓላፍነቱን ነዚ ሕማምን’ዚ ንምውጋእ ግዴኡ ከበርክት ዝጽውዕ እውን እዩ።

ሕቡእነት የብቅዕ ዝብል ቃል ብዓውታ ክንደግምን ክንጭርሖን ዘብቅዓና እምነትን ሓይልን ኢየሱስ እዩ።

ኢየሱስ ኣብ ሕይወቱ ብዙሓት ህሙማን ተቐቢሉን ስቓዮም ናቱ ገይሩ ካብቲ ዝወርዶም ዝነበረ ሓሳርን መከራን ተነጽሎነትን ኣበርን ከም መርገም ምሕሳብን በዚ ምኽንያት ካብ ሕብርተሰብ ተነጺሎም ዝነብርሉ ዝነበረ ፈላላይ መንደቕ ናጻ ክወጹ ገይሩ እዩ። ንኢየሱስ ዝዀነ ይዅን ሕማም ምኽንያት መራኸቢ እምበር ምኽንያት ምርሓቕ ኣይነበረን። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩነት ሕይወት ይረኸብ ክቡር ምዃኑ ኢየሱስ ኣጽኒዑ ብቓልን ብሕይወትን ኣረጋጊጹዎ እዩ። ተኣፋፍነት ሓጢኣትን ርኹስነት ኣይኰነን። ሕማምን ናይ ተኣፋፍነት ምልክት ዝዀነ ነቲ ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩነትን ሃለዋትን ይሃሉ ዘለዎ ክብሪ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓቢይ ምዃኑ ከረስዓና የብሉን።

ሕማም ናይ ምርኻብን ምትሕብባርን ኣጋጣሚ እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ። እቶም ምስ ኢየሱስ ዝራኸቡ ዝነበሩ ሕሙማን ዳግም ምውላድ ይስምዖምን ብዝያዳ እውን ዳግም ከም እተወለዱ ምስትውዓሉ እውን ይዓስሎም ነበረ። ከምእተፈቕሩን ከምእተኸብሩን ከምእተሰምዑን ይስምዖም ነበረ። ካባኻትኩም ሓደ’ኳ ሸኽምን ከበድን ኰይኑ ከይስምዖ። ክሕባእን ካብ ካልኦት ክሃድምን ከይሓስብ። ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ክቡራት ኢኻትኩም ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ቤተ ክርስቲያን ክቡራት ኢኻትኩም።

እቶም ህሙማን ገዛእ ርእሶም ሰዊኦም ወትሩ ኣብ ጐድኖም ኰይኖ ዝድግፍዎም ኣባይቲ ስድራ እንተዘይህልዎም ብሓቂ እቲ ሕማም ዘሕድረሎም ተነጺልካ ናይ ምንባር ጸገም ከሰንፉ ኣይምኸኣሉን፡ ንስኻቱክ ኣባይቲ ስድራ ናይቶም ህሙማን ጉዕዞ እተሰንዩ ኢኻትኩም። ኣደን ኣቦን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቅን ኣቦ ስድራን ኣደ ስድራን ብዘይ ስምዑለይን ረኣዩለይን ነቶም ህሙማን ኣባላት ስድራኹም ኣብቲ ጽንኩር ጉዕዞ ብዙሕ እዋን እቲ ጉዕዞ መሪር እውን እንተዀነ ኣብ ምስናዮም ኣብ እተርእይዎ ተወፋይነት በርትዑ እብል። በይንኹም ከምዘይኰንኩም ከረጋግጸልኩም እፈፍቱ። ብሕፍረትን ተስፋ ቁርጸትን ፈተና ኣይትሰነፉ። ስድራ ቤት ናይ ሕይወትን ክብርን ሓለፋዊ ስፍራ እያ። ንስኻትኩም ናይቲ ቀዳማይ ናይ ምንባር ውሕስነት ዝዀነ ደረጃ ንሱ ድማ ናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን መርበብ ኣብ መንጐ ስድራ ቤት እተቝሙ ኢኻትኩም”

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሓኻይም ናይ ክንክን ጥዕና ሰብ ሙያን ወለነይናታትን ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ነቶም ብመትኒ ዘመንምን ሕማም ዝተጠቕዑ ህሙማን ጉዱሳትን ከምኡ እውን ናይቲ ካብ ስቓይ ሓፍ ዘብል ቤት ሕክምናን ናይ ቅድስቲ መንበር ንስነ ምርምራትን ነቶም ገና መድሃኒት ዘይተረኸበሎም ሕማማት ፈውሲ ንኽርከቦ ዝግበር ጻዕሪ እተበርክቶ ድጋፍ ዘገልግሉ ኩሎም ዘበርክትዎ ኣገልግሎት ኣዚዩ ኣገዳስን ኣድላይን ምዃኑ ጠቒሶም፥

“እትህብዎ ኣገልግሎት ክቡር እዩ ስለምታይ ናይቶም ኣባኻትኩም ዝውከሉ ኣባይቲ ስድራ ህሙማንን ናይቶም ናይ ህሙማን ተስፋ ብተግባር እተነቓቕሑን ተስፋ ጭቡጥ እትገብሩ ኢኻትኩም። እቲ ኸምዚ ዓይነት ሕማም ዘንብሮ ብድሆ ንምብዳህ እተቕርብዎ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ይባርኰ። ንስኻትኩም እውን ናይቶም ናይ ህሙማንን ናይ ኣባይቲ ስድራን ተስፋ ከይቆርጹን በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዓቐን ሰብ ዘይብሉን ክብሪ ሰብ ዘየማእክል ንዝምስል ዘሎ ማሕበራውን ሕክምናውን ብድሆ ንምግጣምን ምስናፍን መልከታዊ ነጥብን ኣብነትን ኢኻትኩም፡ ኣብ ሕማም ድኽነት ክውሰዀን ብሕማም ምኽንያት ኣብ ኣባይቲ ስድራ ዘጋጥም ምፍልላይን ኣብ ሓፈሻዊ ትርጉም ሕይወትን እማኔ ምጥፋእን ምስ ዝወሰዀ ኩሉ ከቢድ ይኸውን፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ናይ ምትሕብባር ተቛማትን ብሔራውን ዓለም ለኻዊ ናይ ደገፍ ማሕበራት ኣገልግሎት መሰረታዊ እዩ። ናይተን ኣብ ተስፋ ቀቢጽነትን ትርጉም ስእነትን እዋን ቀሪበን ዘጸናንዓን ናይ ኣግዚኣብሔር ኣእዳው ኢኻትኩም መሰሎምን ክብሮምን ይግብኣኒ ናይ ዝብሉ ህሙማን ድምጺ ኢኻትኩም”

ምስ በሉ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ናይ ስነ ሕክምና ሊቃውንትን ተመራመርትን ናይ ስነ መትኒ ምርምርን ሕክምናን ሊቃውንቲ እውን ንዝገብርዎ ስነ ምርምራዊ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፡ ኣብቲ ናይዞም ሊቃውንቲ ጻዕሪ ናይቶም ህሙማን ተስፋ ዝተንጠልጠለ ምዃኑ ገሊጾም ነቲ ሰብ ከም ውዳቕ ዝርእን ዝንጽልን ባህሊ ብናይ ህይወት ባህሊ ንምብዳህ ዝገብርዎ ጻዕሪ እግዚኣብሔር ይባርኰ ቢሎም፥

ዝተኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን

ዓቢይ ትስፍውን ውዕዉዕን ማሕበረሰብ ኢኻትኩም፡ ኩነት ሕይወትኩምን ስቓይኩምን ናይቲ ተስፋኡ ዝጸገወና ክርስቶስ ሕያው ምስክርነት ይኹን፡ ብስቓይ ዝምልከት ፍርያማ ኣብ ዝዀነ ሰናይ መገዲ ሓቢርና ንጓዓዝ፡ ንዅላትኩም አመስግን ከምቲ ኣነ ስሌኹም ዝጽልዮ ሓደራ ስለይ ምጽላይ ድማ እይትረስዑ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.