2017-05-18 14:25:00

ካብ ሙታን ምስ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምርኻብ ንሓዘን ናብ ደስታ ይልውጦ! ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 17 ግንቦት 2017ዓምፈ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ኣምላኽና ዝደስከለ ኣምላኽ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ናይ ዓለምና ለውጢ ይሓልም ነዚ ከኣ ብምሥጢረ ትንሣኤ ገቢሩ ክዉን ከምዝኸውን ገርዎ’ እንክብሉ ነቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ብዛዕባ ተስፋ ክርስትያን ምስ ዘስተምህርዎ ብምትሕሓዝ ብዛዕባ ማርያም መግደላዊትን ምስቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዘጋጠማ ነገራትን ዘርዚሮም፣

ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሮም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ብዓቢ ሃንቀውታ ንዝጽበይዎም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ቢሎም ድሕሪ ባሪኾም ከም መኽፈቲ ናይቲ ዕለት ትምህርቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ 20,15-18 ዝተወስደ ‘ኢየሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብኪየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፥ ረቡኒ፦ ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ። ኢየሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም።’ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ከምዝንበብ ገቢሮም፣ ብቋንቋ ጣልያን ከኣ ነዚ ዝስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቅሪቦም፣

‘ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ኣብዚ ሶሙናትዚ ትምህርቲ ክርስቶስና ኣብ ዙርያ ምሥጢረ ትንሣኤ እዩ ዕንክሊል ዝብል ዘሎ፣ ሎሚ ነታ ከም ትረኻ ወንጌል ነቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ቅድሚ ኹሎም ዝረኸበቶ ብዛዕባ ማርያም መግደላዊት ከነስተንትን ኢና፣ ቅድሚ ቁሩብ ግዝያት ናይቲ ፍጻሜ ዕረፍቲ ቀዳሚት ሰንበት ተዛዚሙ፣ ከም ልምዲ ኣይሁድ ኣብቲ ዕለትቲ ነቲ ንሙታን ዝግበር ሥርዓት ክፍጽሙ ኣይከኣልን ስለዝነበረ እተን ሕያዎት ኣንስቲ በታ ደንበገረ ሓዘን ኣንጸላሊይዋ ዝነበረት ቀዳመይቲ መዓልቲ ማለት ሰንበተ ክርስትያን ኣንጊሀን ዝተፈላለየ ሽቱ ዘለዎ ቅብዕታት ሒዘን ናብ መቃብር ኢየሱስ ይኸዳ፣ ናብቲ ቦታ መቃብር ዘምርሓ ካብ ዝነበራ እተን ካብ ገሊላ ኣትሒዘን ዝስዕባኦ ዝነበራ ማለት ነታ ውልዶ ቤተክርስትያን ዘገልግላ ኣንስቲ ናብቲ መቃብር ዝበጽሔት ቀዳመይቲ ማርያም መግደላዊት ነበረት። እዚ ጉዕዞዚ ንተኣማንነት ናይተን ብቀጻሊ ንዓመታት ንዝኽሪ ናይቶም ዝሓለፉ ዝገብራኦ ሠናይ ተግባር ናይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ የመልክት፣ እቲ ሓቀኛ ምትእስሳር ወላ ድሕሪሞትውን ኣይተበትከን! ወላውን እቲ ዝፍቀር ሰብ ንዘለዓለም እንተኸደ ነቲ ፍቅሪ ብተኣማንነት ዝቅጽሎ ኣይሰኣንን፣ እዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ክፍሊ ወንጌል ማርያም መግዳላዊት ካብዘን ጽኑዓት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና ካብ መቃብር ናብቲ ሓዋርያት ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ብምኻድ እኳ እታ እምኒ ካብ ኣፍ መቃብር ተገልቢጣ ተኣልያ እንተበለት ቀዳማይ ሓሳባስ ምስቲ እተፍቅሮ ብምንባሩ ሓደ ዝኾነ ሰብ ነቲ ሬሳ ኢየሱስ ኣልዒልዎ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ልባን ቀልባን ስሒቡ ነበሩ፣ ስለዚ እቲ ቀዳማይ ማርያም መግደላዊት እተዘንትዎ ትንሣኤ ዘይኮነስ ኩላ ኢየሩሳሌም እናደቀሰት እንከላ ሓደ ዘይተፈልጠ ሰብ ግዲ ወሲድዎ ዝብል ይኸውን።

እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ብሽምና ይጽውዓና ይጽበየና ከኣ!

ወንጌላውያን ቀጺሎም ዘዘንትውዎ ካብ ሓዋርያት እንደገና ናብቲ መቃብር ከይዳ ትበኪ፣ ኩሉ ግር ስለበላን ምርዳእ ስለዝሰኣነቶን ከምኡን ቅሩብ ትርር ዝበለት ጽንዕቲ ስለዝነበርት ናብ መቃብር ገጻ እንደገና ትጐዓዝ፣ ኣብዚ ግዜዚ ግን ስጉምታ ዝሑል ከቢድ ጉዕዞ ነበረ፣  ሓዘና ዕጽፊ ነበረ በቲ ሓደ ወገን ሞት ኢየሱስ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ክትገልጾ ዘይትኽእል ምጥፋእ ሬሳ ኢየሱስ ይንኽንኻ ነበረ፣ ኣብ ጥቃ እቲ መቃብር ደኒና ብሓዘን ክትልሎ ዓይና ብንብዓት መሊኡ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዘይተጸበየቶ መንገዲ ሃንደበት ደበኽ ይብል፣ ዮሓንስ ወንጌላዊ ክበድ ናይዚ ሓዘን ክገልጽ ነቶም ዘዘራርብዎ ዝነበሩ መላእኽትስ ይኹን ነቲ ኣብ ድሕሪኣ ደውቢሉ ዝነበረ ኢየሱስ ኣይተለልን ከም ሓላው መቃብር እውን ትሓስቦ፣ ኮይኑ ግን ነቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዓቢ ኣድናቆት ዘትረፈ ፍጻሜ ንክትብሰር ‘ማርያም’ ቢሉ ብሽማ ይጽውዓ፣ ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሣኤ ብኸምዚ ዝበለ ግላዊ መንገዲ ክግለጽ ከሎ ምሕሳቡ ክንደይ ሠናይ እዩ፣ ንኩሉ ኩነታትና ዝፈልጥ ሓዘናን ተስፋ ቊርጸትናን ዝዕዘብን ዝርሕራሓልናን ብስምና ዝጽውዓናን ከምዘሎ ምፍላጥ ብሓቂ ሠናይ እዩ፣  እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ብዙሕ ገጻት ናይ ወንጌል ተወቂጡ ንረኽቦ፣ ኣብ ዙርያ ኢየሱስ ብዙሓት ንእግዚኣብሔር ዝደልዩ ነሮም ኮይኑ እታ ብሓቂ እተደንቅ ጉዳይ ቅድሚ ዝኣገረ ብዛዕባ ሕይወትና ዝግደስ እግዚኣብሔር ኣቦ ከምዘሎን ብዛዕባ ሕይወትና ዝሓልን ካብ ጭንቀትናን መከራናን ንከገላግለና ናይ ነፍስወከፍና ገጽታ ብምልላይ እከለ ቢሉ ብሽምና ክጽውዓና እንከሎ እዩ፣ ነፍሲወከፍ ወዲኣዳምከስ እግዚኣብሔር ኣብዚ ዓለምዚ ዝጽሕፎ ታሪኽ ፍቅሪ እዩ፣ ነፍሲወከፍና ሓደ ታሪኽ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኢና፣ እግዚኣብሔር ንነፍስወከፍና ብስምና ይፈልጠና ይሕልወና ይጽበየና ይምሕረና ብትዕግስቲ ይጥምተና ብስምና ከኣ ይጽውዓና፣ ሓቅዶ ሓሶት! ነፍስወከፍና ነዚ ኢና ነስተማቅር፣

ኢየሱስ ከስ ማርያም ቢሉ ብስማ ይጽውዓ፣ እዚ ኣብ ባዶ መቃብር ዘቃልሕ ስም ንሕይወታ ይልውጥ ከምኡውን ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ወዲተባዕታይ ይኹን ጓለንስተይቲ ህላዌ ንክልውጥ ዝተላዕለ ሰውራ ወይ ለውጢ እዩ፣ ወንጌላውያን ሓጎስ ማርያም መግደላዊት ይገልጹ፣ ብትንሣኤ ክርስቶስ ዝርከብ ሓጐስ ቈጺርካ ዝወሃብ ዘይኮነስ ንኩለንትናኻ ዝድርጉሕ መጠን ኣልቦ ደስታ እዩ፣ ሕይወት ክርስትና ብሓደ ክልተ ኢልካ ዝቁጸር ሓጐስ ዘይኮነ ንኩሉለትናና ዝወርር ሓጐስ እዩ፣ ንስኹም ኣብዚ ዘሎኹምውን ኣብዛ ሁሞት እዚኣ ነዚ ሕሰቡ፣  ናይ ተስፋቊርጸትን ፍሽለትን ኣብ ልብና ተሸኪምና ክንሳቀ እንከሎና ኣብ ጥቃና ኮይኑ ብሽምና ዝጽውዓና እግዚኣብሔር ከምዘሎን ‘ተንስእ ብኽያት ኣቋርጽ ሓራ ከውጽኣካ እየ መጺኤ’ ክብለካ ከሎን ክንደይ ይጥዕም፣

ኢየሱስ ምስዚ ዓለምዚ ክመሳሰል ኢሉ ሞት ሓዘን ጽልኢ ሞራላዊ ዕነወት ደቂሰባት ወዘተ ክቅጽል ሱቊ ቢሉ ዝጥምት ኣይኮነን፣ ኣምላኽና ዝደስከለ ኣምላኽ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ናይ ዓለምና ለውጢ ይሓልም ነዚ ከኣ ብምሥጢረ ትንሣኤ ገቢሩ ክዉን ከምዝኸውን ገርዎ፣

ማርያም መግደላዊት ንጐይታኣ ክትንክፎ ሰላም ክትብሎ ሃረር ትብል ኮይኑ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ገጹ ይጐዓዝ ስለዝነበረ ከይዳ ነሕዋቱ ነቲ ብስራት ክትነግር ትለኣኽ፣ እዛ ሰብ እዚኣ ሉቃስ ወንጌላዊ ከምዘዘንትዎ በጋንንቲ እኳ ደኣ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ትሳቀ ዝነበረት እያ (8.2) ሕጂ ግን ናይቲ ሓዲስን ዝዓበየ ተስፋን ሓዋርያ ኮይና፣ ኣማላድነታ ንሕናውን ነዚ ጸጋ እዚ ክንረክብ ይሓግዘና ምናዳ ከኣ ኣብ እንነብዓሉን ኩሎም ሓዲጎምና በይንና ኣብ ንተርፈሉን ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ብሽምና ክጽውዓና ክንሰምዕን ሓጐስ ብዝመልኦ ልቢ ከኣ ከምኣ ‘ንጐይታ ርእየዮ’ ክንብል ንኽእል፣ ሕይወተይ ቀይረ ከመይ ንጐይታ ርእየ፣ ሕጂ ካብቲ ቀደም ዝነበርኵኦ ዝተፈለኹ ሰብ እየ! ንጐይታ ዝለዝረኣኹ ተለዊጠ፣ እዚ እዩ ሓይልና እዚ እዩ ተስፋና። እግዚኣብሔር ይሃበለይ፣ ክብሉ ትምህርቶም ደምደሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.