2017-05-20 17:02:00

ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመት፥ ክብርን ናይ ሓባር ጥቕምን ንናይ ኤኮኖሚ ማእከል


ብምኽንያት እታ ዕለት 15 ግንቦት 1891 ዓ.ም. ንፋልማ ጊዜ Rerum Novarum - ሓደስቲ ነገራት”  ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 እዋናዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝርዝርን ትንተናን ብመስርዕ እተቕርብ ዓዋዲት መልኽቲ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 1 ግንቦት 1991 ዓ.ም. Centesimus Annus - ምእተ ኣመትብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ምስ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ማሕበራዊ ትምህርት ዝምደብ ዓዋዲ መልእኽቲ መሰረት ገይሩ ዕለት 5 ሰነ 1993 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝቖመ  ስለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመት  ዘዳለዎ ዕለት 18 ግንቦት ዝተጀመረ ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 20 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምእተዛዘመ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ዘራዞ ኣስዒበን እቲ ክብርን ናይ ሓባር ጥቕምን ናይ ኤኮኖሚ ማእከል ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ማሕበር ኣቕሪቦምዎ ዝነበሩ ጻውዒትን ሕቶን ንምምላስን ኣሚቱ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ 18 ሃገራት ዝተዋጽኡ ሰለስተ ሚእቲ ተጋባእያን ከምእተሳተፉን ኣመልኪተን።

ናይቲ ማሕበር ምእተ ኣመት ናይ ስነ ምርምር ኮሚቴ ኣወሃሃዲ ፕሮፈሰር ጆቫኒ ማርሰጒዌራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመት ነቲ መሰረታዊ መንነቱ ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ እሙን ኰይኑ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምስዓብን ብኣኡ ተመሪሑ ዘገልግል ምዃኑ ሓቢሮም ዝንጽልን ዘወግድን ዘይኰነስ ንኹሉ ዝጥርንፍ ናይ ማሕበራዊ ኣግባብ ክህሉ ዝብልን ዘዋህድ ማሕበራዊ ኣገባብ ድማ ብመሰረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝሕብር እዩ ምስ በሉ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ተሳታፍነትን ሓላፍነን ምንቕቓሕ የድሊ። ተማላእነት ዝብል ቃል ቅዱስ ኣባና ተማላእነት ባዕሉ ክሱት ዝኸውን ዘይኰነስ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ነቲ ዝተነጸለን ኣብ ግዳም ዘሎ ናብ ውሽጢ ከእትዎ ዝብል ሓላፍነት ከዘለዎን ነዚ ኣብ ግብሪ ኣውዕል ዝብል እዩ ኢሎም።

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕብራዊ ትምህርቲ ምስሩቕ ኰይኑ፥ እዋናውያን ሕጹጽ ጉዳያት ዝብል እዚ ድማ ቅድም ቀዳድም እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ዕደ ጥበብ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘቑሞ ብድሆ ብምትንታን እዚ ኸኣ ብዙሓት ናብ ስእነት ስራሕ ዝዳርግ እዩ ዝብል ጥርሕ ዘይኰነስ ኵሉ ናብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል መሰረተ ሓሳብ ብምትንታን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተኰረ ምስ ዝኸውን ድማ ዕድል እዩ ዝኸውን፡ ንኽትምሃርን ሓደስቲ ነገራት ንኽትፈልጥን ንኽትምዕብል ዝድርኽ ዕድል እዩ።

ስእነት ስራሕ ናይ ሕብረተሰብ ህያው ኣካል ዝሃስይ እዩ። ስለዚህ ንመንእሰይ ወይ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዝምልከት እዩ ቢልካ ጐጂልካ እትዛረበሉ ጉዳይ ኣይኰነን። ስእነት ስራሕ ናይ ሕብረተሰብ ህያው አካል ዝሃስይ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ህያው ኣካል እንተዘየለ ሕብረተሰብ ክህሉ ኣይክእልን፡ ምዕባለ እደ ጥበብ እቲ ናይቲ ምዕባለ እደ ጥበብ ኣጠቓቕማ ብቕዓት ዘለዎ ይጻወሮ በንጻሩ ምስቲ ምዕባለ እደ ጥበብ ማዕረ ማዕረ ዘይስጉምን ዝተመዓራረየ ብቕዓት ዘይብሉ ድማ ይኣልይ፡ ካብ ናይ ስራሕ ዓንኬል ዘውጽእ ይኸውን። ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ናይ ሕብረተሰብ ሕንጸት ምትኳር ይግባእ። እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ምንታይ ከነተኵር ከምዝግብኣና ሓባሪ እውን እምበር ምስቲ ምዕበል ዘይስጉም እናኣለኻ ኪድ ዝብል ኣይኰነን። ስለዚህ ማንም ከይንጸል ድማ ሕንጸት ክረክብ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተሰብ ሓላፍነን ንቤተሰብ ክቐርብ ዘለዎ ድጋፍ እንታይን ከመይን ክኸው ከምዘለዎ ዝሕብር እውን እዩ ኢሎም።

ናይቲ ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመት ኣቦ መንበር ዶሚንጎ ሱግራንየ ቢከል ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብ ዓለም ብገበነይና ኤኮኖሚ ሳዕቤናቱ ብምቕራብ ንኣብነት እቲ ብዘይ ሕጋዊ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዝተፈላለዩ ጸረ ሰብኣውን ክብርን መሰልን ዝሓክኽ ተግባር ንምውፋር ኣሚቱ ዘንቀሳቕስ ናይ ገበን ጉጅለ ብጠቕላላ ኣብ ሓድሽ ጊልያነት ተባሂሎም ኣብ ዝግለጹ ተግባራት ብምውፋር ሃብቲ ዘኻዕብት ኤኮኖምን ዘወግድ ሓድሽ ዓይነት ናይ ምትሕብባርን ማሕበራዊ ክቡራት ዋጋታት ብምትብባዕ እቲ ብድኽነት ዝተጠቕዐ ዜጋ ንናይ ገበን ጉጅለታት ዒላማ ጭሙት ከይከውን ዝገብር መገዲ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብመንጽር ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ተመልኪቱ ሰፊሕ ትንተና ሂቡሉ እዩ ኢሎም።

ቀጺሎም እውን ማርሰጒዌራ፥ ኣብዚ እውን’ዚ ዘሎ ኵነት ሰብኣዊ ፍጥረት ዝምዝምዝን ነቲ ዘለዎ ክብሪ ክብረት ዘይህብ እዩ። ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ነዚ ዝእርምን እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘለዎ ልዑል ክብሪ ቆላሕታ ክግበረሉ መታን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ኩሉ መዳይን ኵነትን ክኽበር ዘነቓቕሕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመት በቢ ዓመቱ ኣብ መዳይ ኤኮኖሚያውን ማሕበራዊ ጉዳያት ዓቢይን ልዑልን ኣበርክብቶ ንዝገበሩ ሓርዩ ዝህቦ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን እስተሰምየ ስልማት ናይ 2017 ዓ.ም. ንጀርመናዊ ኣብ ሙዩኒክ መንበረ ጥበብ ናይ ማሕበራዊ ስነ ምግባር መምህር “ናይ ዘላቕነት መሰረተ ሕጊ፡ ብዓይኒ መንጽር መጽናዕታዊ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምግባር” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ዝደረሱን ከምኡ እውን ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ንዘቕረቡ ሊቅ ማርኩስ ቮግትን፡ ፈረንሳዊ ካህን ኣባ ዶሚኒክ ግረኒየር ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ መርባባይን ብዛዕባ እቶም ኣብ 1900 ዓመታት ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዕዙዝ ተዋሳኢ ኰይኖም ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኦስዋልድ ቮን ነል ብረኡኒንግ ጉዳይ ዝምልከት ፍሉዩ መደብ ራዲዮ ንዘቕረቡ ጀርመናዊ ጋዜጠይና ቡክሃርድ ሻፈርስ ብቝዓት እንክብል ንዝሕረዮም ተሰልምቲ ካብ ኢድ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊ ነቲ ስልማ ክቕበሉ ከምዝገበረን፡ ናይቲ ንስላማት ብቖዓት ቢሉ ዝሓርይ ጉጅለ ደያኑ ዝመርሑ ድማ ኣብ ጀርመን ናይ ሙዪኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲላን ራይንሃርድ ማርክስ ከምዝነበሩ  ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤልቪራ ራጎስታ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.