2017-05-20 17:17:00

ስልጣናዊ ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተጋባእያን ዓውደ መጽናዕቲ ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመት


ክቡራትን ክቡራንን

“እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም እናበልኩ ቅድም ቢሎም ንኣኻትኩም ተጋባእያን ወኪሎም ዘረባ ንዘስምዑ ስለ ጳጳሳዊ ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመት ኣቦ መንበር ክቡር መንበር ዶሚንጎ ሱግራንየ ቢከል ንዘቕረቡለይ ሰላምታ አመስግን። ምትሕልላይን ምርድዳእን ከም ኣማራጺ ኣገባብ ዝገብር ሓድሽ ኬይዲ ኤኮኖምን ንግድን ንምፍጣርን ከም ሓሳብ ነቲ ካብ ምዕባለ እደ ጥበብን ነቲ ምብኻን ከም ልማድ ዝገብር ዘሎ ባህልን ድኻታት ዝዝንግዕን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ዝንዕቕን (ይሰባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍድቕዲ 16) ከይዲ ንዘስዕብ ዘሎ እዋናዊ ዓለም ንምቕራብ እተካይድዎ ስነ ምርምራዊ መጽናዕትን ብዓውደ መጽናዕቲ ኣቢልክም እተብርህዎ ሓሳብ ብሓቂ ዝነኣድ እዩ”።

ብዙሓት ነገራት ክመሓየሹ ዝኽእሉ ምዃኖም ክሳብ እንኣምን ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣብ ድልያ ናይ ሓባር ተቐባልነት ዘለዎን ተማላእን ንማንም ዘይንጽል መደብ ምዕባለ ንምርግጋጽ ብዙሕ ዝጽዕሩ ከምዘለዉን (ከማሁ ፍቕዲ 13 ረአ) ኣብ መልእኽቶም ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና … ኣስዒቦም እቲ ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመት ኣብ ንግዳውን ቁጠባውን ምንቅስቓሳትን ዓውድታትን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ተደጊፉ ዘቕርቦ ንቝሕ ኣማራጺ ሓሳብ ንሕንጸት ዝነኣድን ድኑቕን እዩ ኢሎም።

“… ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምንቕቓሕ ዘተን ናይ ሕዝብታት መሰረታዊ ድላይን ኣስተንፍሶን ብምእንጋድን ንድኻታት ጽን ብምባልን ድኻታት ካብቲ ብድላዮም ዘይኰነ ተገዲዶም ዝወደቕሉ ትሕቲ ሰኣዊነት ዝዀነ መነባብሮ ንምሕራር ዘብቅዕ ተበጻሕን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዘብቅዕ ራእይ ምምራሕ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ናይቲ ዘካየድክምዎ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ፡ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዓቕምን ብቕዓትን ሰብን ጸጋታትን ሃብትን ኩሉ ብምጥርናፍ ድኻታት ቀንደይና ተዋሳእትን ተጠቐምትን ዝገብር ንናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ረብሓ ዘተኰረ መስርሕ ዘለዎ ኣድላይነት ብምምልካት ሰብ ትካላትን ናይ ዕዮ ማሕበረሰብ ዓበይትን ነኣሽቱን ትካላትን ዘተባብዕን በዚ መገዲ’ዚ ማሕበራዊ ተነጽሎ ዘወግድ ንጡፍ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ባህሊ ንምቛም እዩ”።

በዚ ዓይነት ኣመለኻኽታን ከይድን ኣብ ከርሲ ማሕበርሰብን ኣብ ናይ ኤኮኖምን ንግድ ዓለምን ሕይወት ምሃብ ዝከእላ ምዃኑ ኣብሪሆም፡

“እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአይ ዘሎ ስእነት ስራሕ ንምፍታሕን እቲ ሓድሽ እደ ጥበባዊ ሰውራ ዘስዕቦም ሕቶታት ብምእንጋድ ዕደ ጥበባዊ ሰውራ ናብ ኩሉ ዝርጉሕ ክኸውን ዝድግፍ መገዲ እውን ብምሕባር … ናይ ኣባይቲ ስድራ እዋናውን መጻእን ዓበይቲ ሕቶታት ብምስትውዓል ከምቲ እቲ ዛዕባ ኣባይቲ ስድራ ዝዘተየ ናይ ካቶሊካዊት ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘመልከቶ ናይ ስራሕ ኤኮኖሚ ዝፈጥሮም ጸገማት ኣብ ኣባይቲ ስድራ ዓቢይ ተጽእኖ ከምዘለዎን ኣባይቲ ስድራ ዝድግፍን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዘዋስኦ ዕድላት (ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 44 ርአ) ንምፍጣር ዘመልክቶ መገዲ በቲ ብወንጌል ብርሃን ዝምራሕ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ዘቕርቦ ሓሳብ ቅኑዕን ብሉጽን ናጻን ስሙርን ዓለም ንምፍጣር ዝድግፍ እዩ” 

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቶም፥ “ስራሕኩም ስልጡ ክኸውን እናተመነኹ ቡራኬ እግዚኣብሔር ኣባካትኹም ኣብ ኣባይቲ ስድራኹምን ዕዮኹምን ኣብ መላእ ኣባላት ረድኤታዊ ተቛም ምእተ ኣመትን ክወርድ እምሕጸን  እክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.