2017-05-25 17:01:00

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ፍልሰት ስደተይናታት ሕጋውነት ዝህልዎ ኣብ ሰላም ጥራሕ እዩ


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ በናርዲቶ ኣውዛ ዝሓለፈ ሰኑዕ ዕለት 22 ግንቦት 2017 ዓ.ም. “ዓለም ለኻዊ ማሕታ ንሓደ ውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ፍልሰት ስደተይናታት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብቲ ናይቲ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ሕንጻ ኣብ ዝተኸየደ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ቅድም ቀዳድም ኣብቲ ተቐባልነት ዘለዎ መደብን ከይድን ልምዓትን ከምዘተኰሩን ቀጺሎም እውን ኣብ ቅድሚ ስደተይናታት ዝረኣዩ ኣግባባት ክልወጡን ካብ ፍርሕን ዘይምግዳስን ናብ ናይ ተራኽቦ ባህሊ ምስግጋር ዘለዎ ኣድላይነት ብሰፊሕ ከምዝተንተኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥

ዓለም ለኻዊ ማሕታ ንሓደ ውሑስን ስሩዕን ሕጋውን ፍልሰት ስደተይናታት

ሓንቲ ሃገር ዘለዋ ዕቑር ሃብትን ደረጃ ምዕባለን ንሓላፍነትን ንምዑርይ ምምቕራሕ ሃብቲ ሃገር ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ቀጻሊ ከይኑ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሕጹጽ መልሲ ዘድልዮ ማሕበራዊ ክስተት ሃገራት ብንጽል ብቑዕ መልሲ ክህባሉ ዘይከኣል ክኸውን ገይርዎ ኣሎ። እቲ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝረአይ ደርቅን ዋሕዲ ዝናምን ናብ ጽንኩር ኩነት ይዳርግ ከምኡ እውን እዚ ኩነት’ዚ ነቲ ዝኽስቶ ምዝብልናን ስደትን ዝመዓራረይ ብቑዕ ቀረብ መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ ድላይ ውሑስ ንምግባር ዓቢይ ብድሆ ከይኑ ይረአይ ኣሎ። ኣብዚ ኩነት’ዚ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ተስተውዕል፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፥ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ናይ ሃገራት ብሓባር ምዕያይ ከም ቅድመ ኩነት የቕርብ ምእንቲ’ዚ ነንሓድሕድ ምትሕግጋዝ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ዝተጠልበ ጉባኤ’ዚ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ “ንናይ ዝተሳነየን ዝተወሃሃደን ናይ ምዕባለ ፖለቲካን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘረጋግጽ እዩ” ከምዝበሉ ሎ ሞናኮ ሓቢሮም።

ስደትን ምርጫ እዩ ክኸውን ዘለዎ

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ካልኣይ ክፋል መልእኽቶም ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ቅልውላውን ስደትን ዘሎ ምትእስሳር ኣመርኵዞም እንከቕርቡ ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብቲ ሰላምን ኤኮኖሚያዊ ውሕስነት መለለይኡ ኣብ ዝዀነ ሃገር ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ። ስለዚህ ዜጋታት ንስደት ዝዳርጎም ምኽንያት የብሎምን እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ምትራፍ መሰሎም እዩ። ሰባት ካብ ሃገሮም ወጻኢ ንኸይስደዱ ዘብቅዖም ክብሮም ዝሕለወሉ ኩነት ውሑስ ክዀኖሎም ግድን ክኸውን ኣለዎ። ስደት ብግቡእ ገጥሚካ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ግንድ እዩ። ብኻልእ መዳይ ኣብ ሃገርካ ምንባር ካብ ምስዳድ ሓላፋ ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ ምስዳድ ወለንተይናውን ስሩዓውን ሕጋውን እዩ ዝኸውን። እዚ ከምዚ ዓይነት ስደት ድማ ብቐሊሉ ከተመሓድሮ ዝከኣል ይኸውን፡ ኣብ ሃገርካ ናይ ምንባር መሰል ብግቡእ ውሑስ ምስ ዝኸውን ካብ ሃገርካ ምስዳድ ምርጫኻ እምብር ግዴታው ውሳኔ ኣይከውንን።

ሰላም ጥራሕ እዩ ተቐባልነት ዘለዎ ፍልሰት ውሑስ ዝገብር

ብዙሓት ዜጋታት በቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስእነት ሰላምን ግጭትን ዓመጽን ተገዲዶም ይስደዱ። ኣብ ዝስደዱለን ሃገራት ካልእ ጸገም እውን ከጋጥሞም ዝከኣል እዩ። ኣድልዎን ኣፋላላይ ብዘርእን ብሃይማኖትን ከምኡ እውን ጉድለት ብቑዕ ፖለቲካዊ ምሕደራ ስደተይና ከጋጥሞ ይኽእል። ስለዚህ እዚ ኵሉ ጸገም ንምፍታሕ ዓመጽን ውግእን ደው ምባል እዩ። ሰላም ምርግጋጽ ቀንድን መሰረታውን ዓላማ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ክኸውን ኣለዎ። ሰብኣዊ መሰረታውን ጠለባት ውሑስ ምግባር የድሊ። ስለዚህ ሰላምን መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ድላይ ወይ ድማ መሰረታዊ ሰብኣውያን ጠለባት ውሑስ ምግባር የድሊ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኰ ኣፍሊጦም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.