2017-05-25 19:51:00

ፍወሳ ተስፋ ንሰባት ጽን ቢልካ ብምስማዕ ይጅምር! ር.ሊ.ጳ


“ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ።  ንሳቶም ግና፥ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ።  ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም። ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። ንሓድሕዶም ከኣ፥ እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡ ተባሃሃሉ።” 

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ ተስፋ ናይቶም ኣብ መንገዲ ኤማሁስ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ተኽተልቲ ክርስቶስ ክንምልከት ኢና፣ ብሓሳብና እስኪ ነቲ ጉዕዞ ንስኣሎ፣ ክልተ ሰባት ተስፋ ቈሪጾም ብሓዘን ተጐቢኦም ብሕማቅ ንዝተዛዘመ ነገር ንድሕሪት ሓዲጎም ንምህዳም ዝጐዓዙ ዘለው እዮም፣ ቀቅድሚ ፋሲካ ብተስፋ መሊኦም ኣብተን ዕለታት እቲኤን ትጽቢቶምን ተስፋ ኩሉ ሕዝብን ዝፍጸም ይመስሎም ነበረ፣ እቲ ኩለንትናኦም ዘወፈዩሉ ኢየሱስ ኣብ ወሳኒ ፍልምያ ዝኣተወ ይመስል ነበረ፣ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ምስንዳው ግዜን ተሓቢእካ ምምልላስን ሕጂ ሓይሉ ክገልጽ እዩ ዝብል ሓሳብ ነበሮም፣ ትጽቢቶም እዚ ነበረ እቲ ኩነት ግን ከምኡ ኣይኮነን፣

እዚኦም ክልተ ነጋድያን ሰብኣዊ ተስፋ እዮም ዝኲስኵሱ ነሮም፣ ስለዝኾነ ከኣ ኩሉ ተሃሚኹ ተሪፉ፣ እታ ኣብ ቀራንዮ ዝተተኽለት መስቀል ቅድመ ገምጋም ዘይገበሩሉ ብሩህ ምልክት ናይ ስዕረት ኮኖቶም፣ እቲ ኢየሱስ እቲ ከም ልቢ እግዚኣብሔር እንተደኣ ነሩ ኮይኑ እቲ ኣምላኹ ካብ ኢድ ዓመጽቲ ክወድቅን ነቲ ክፋእ ክቃወም ዘይክእልን ምንም ሓይሊ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ገምጋም ክበጽሑ ቀሊል እዩ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ከለው ከኣ እዮም ሰንበት ንግሆ እቶም ክልተ ካብ ኢየሩሳሌም ክሃድሙ ዝፍትኑ፣ ኣብ ኣዕይንቶም እቲ ናይ ሕማማት ፍጻሜን ሞት ኢየሱስን እቲ ከይፈተው ከዕርፉ ዝተገደዱሉ ሰንበተ ኣይሁድ ማለት ቀዳም ዝሓለፍዎ ኩሉ ይቅጀሎም ነሩ፣ እታ ናይ ነጻነት መዝሙር ክዝመረላ ዝጽበይዋ ዝነበሩ ዕለተ ፋሲካ ኣብ ሙሉእ ሕይወቶም ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ ዕለተ ስቃይ ኮነቶም፣ ንኢየሩሳሌም ገዲፎም ቅሳነት ኣብ ዝረኽቡሉ ንእሽቶ ዓዲ ይኸዱ፣ ኣብ ገጾም ዝንበብ ዝነበረ ንሓደ ዘሕዝን ዝኽሪ ክእልዩ ናይ ዝጐዓዙ ኩነት ነበረ፣ ኣብ መንገዲ እዮም ዘለው! ይጐዓዙ! ሓዚኖም ከኣ ኣለው፣ እዚ ትርኢት እዚ ማለት ጉዕዞ መንገዲ ኤማኡስ ኣብ ወንጌላት ካብቶም ኣድለይቲ ዛንታት ኰይና፣ ንታሪኽ ቤተክርስትያን ክተዘንቱ እንክጅምር እውን ካብዚ ኣይፍለን እዩ፣

እዚ ናይ ኢየሱስ ምስዞም ክልተ ኣርድእቲ ምርኻብ ከምቲ ወትሩ ኣብ መገዲ ኣርብዓ ዘጋጥሙ ናይ ተጓዓዝቲ ምርኻብ ብዕድል ዝኾነ ይመስል! እቶም ክልተ ኣርድእቲ ብሓሳብ ተዋሒጦም ሱቅ ቢሎም እንክጐዓዙ ሓደ ዘይፈልጥዎ ሰብ ሕውስ ይብሎም፣ ኢየሱስ እዩ ኣዕይንቶም ግን ንከለልያኦ ኣይክእላን ነበራ፣ በዚ ከኣ ኢየሱስ ናይ ተስፋ ፍወሳኡ ይጅምር፣ ኣብዚ መንገዲ ዝፍጸም ናይ ተስፋ ፍወሳ እዩ፣ መን ይገብሮ እንተበልና ኢየሱስ እዩ መልሱ፣

ይሓቶም ጽን ኢሉ ከኣ ይሰምዖም፣ ኣምላኽና ንክብሪ ዝግህስ ኣይኮነን፣ ሽሕኳ ነቶም ክልተ ድንግርግር ኣቢልዎም ዘሎ ምኽንያቱ እንተፈለጦ ነቲ ውሒጥዎም ዘለዎ ምረት ብዕምቆት ንከረድእዎ ግዜ ይህቦም፣ ደቂ ሰባት ዘበልና ኩልና ደጋጊምና እንዝምራ ኑዛዜ ‘ንሕና ተስፋ ነሩና ኰይኑ ግን ‘ ትብል ኣዝማች ትወጽእ፣ ኣብ ሕይወት ነፍስከፍና ክንደይ ሓዘን ክንደይ ፍሽለት ክንደይ ውድቀት! ዘየጋጥም፣ ኣዕሚቊ ኣቢልና እንተተመለከትና ኩልና ዳርጋ ከምዞም ክልተ ሓዋርያት ኢና፣ ኣብ ሕይወትና ክንደይ ግዜ ተስፋ ዘይገበርና ክንደይ ግዜ ዘሐጉስ ነገር ካብ ኢድና ዘየምለጠ! ኣብ መወዳእታ ተስፋ ብምቁራጽ ባይታ ንዘብጥ፣ ኢየሱስ ግን ምስቶም ተስፋ ቈሪጾም ባይታ ባይታ እናጠመቱ ዝኸዱ ኩሎም ሓቢሩ ይጐዓዙ። ምስኦም እናተጐዓዘ ኸኣ ክብረት ብዝመልኦ መንገዲ እንደገና ተስፋ ይመልሰሎም፣

ቅድሚ ዝኣገረ ኢየሱስ ነቶም ክልተ ብቅዱስ መጽሓፍ ገሩ ይዛረቦም፣ ንመጽሓፍ እግዚኣብሔር ኣብ ኢድና ምስ እንሕዝ ብቀሊል ዝርከብ ታሪኽ ጅግንነት ወይውን ኣንጸባረቅቲ ዓወታት ዘመተ ኣይረክብን፣ ሓቀኛ ተስፋ ፈጺምካ ብቀሊል ዋጋ ኣይትርከብን፣ ወትሩ ብመንጎ ሽንፈታት እያ እትሓልፍ፣ ናይ ዘይሳቀ ተስፋ ምናልባት ተስፋ ክንብሎ ኣይንኽእልን፣ ከምቲ ንጸላእቱ ብደማዊ መንገዲ ኣጽኒቱ ንሕዝቡ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ዕሱብ መራሒ ዝፍቀር ዓይነት ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣይደልዮን እዩ፣ ኣምላኽናስ ኣብ ከትከት ዝብል ንፋስ ዝመልኦ መዓልቲ ሙቀት ዝህብ ብሩህ ቀንዴል እዩ፣ ሽሕኳ ህላዌኡ ኣብዚ ዓለም ተኣፋፊ እንተመሰለ ነቲ ኩሎም ዝተሓሰምዎ ቦታ እዩ መሪጹ ዘሎ፣

ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ነቲ ናይ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ ሕመረት ዝኾነ ምልክት ይገብር ማለት እንጌራ ወሲዱ ባሪኹ ቈሪሱ ይህቦም፣ ምናልባት ኣብዛ ምልክት እዚኣ ኩሉ ታሪኽ ኢየሱስ ኣሎ ክንብልዶ ኣይንኽእልን፤ ኣብ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ ወላ እታ ቤተክርስትያን እውን ናቱ ምልክት ክትከውን ዘለዋ የሎንዶ ክንብል ንኽእል፤ ኢየሱስ ንነፍስወከፍና ይወስደና ይባርኽና ብዘይ መስዋዕቲ ፍቅሪ ስለዘየሎ ከኣ ነታ ሕይወትና ይኸፋፍላ! ንካልኦት ከኣ የወፍያ ንኩሎም የወፍያ፣

እቲ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ክልተ ኣርድእቲ ኤማሁስን ዝተገብረ ርክብ ቅልጥፍ ዝበለ እዩ ነሩ፣ ኮይኑ ግን ፍጻሜ ቤተክርስትያን ብምሉኡ ኣባኡ ክንረኽቦ ንኽእል፣ እዚ ታሪኽዚ ዘዘንትወልና ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ጽኑዕ ዕርዲ ዝተሃንጸት ከተማ ኣይኮነትን እንታይ ደኣ ኣብ ክትኮኖ ዘለዋ ኮይና ጉዕዞኣ ትቅጽል፣ ኣብዚ መንገዲዚ ከኣ ንሰባት ምስናይ ተስፋኦምን ጸገማቶምን ሓንሳእ ሓንሳእስ ወረ ምስ ከበድቲ ጸገማቶም ትረኽቦም፣ ቤተክርስትያን ነቲ ካብ ሕልና ነፍሲወከፍ ዝውሕዝ ታሪኽ ናይ ኩሎም ጽን ቢላ ትሰምዕ። ብድሕሪኡ ቃል ሕይወትን ምስክርነት ናይቲ ክሳብ መወዳእታ ተኣማኒ ዝኾነ ፍቅርን ትልግሰሎም። በዚ ከኣ ልቢ እቶም ሰባት እንደገና ብተስፋ ክመውቅ ይጅምር፣

ንሕና ኩልና ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ናይ ጸገም ግዝያት ጸልማት ዝወረሮ ብሓዘን ንጐዓዘሉ ብሓሳብ ንወሓጠሉ መኣዝና ነጥፍእሉ ኣብ ቅድሚና ዘይጠሓስ መንደቅ ተገቲሩ ይጓነፈና፣ ኢየኡስ ከኣ ተስፋ ክህበና ንልብና ብተስፋ ክዂልዕን ‘ኣጆኻ ንቅድሚት ገስግስ ኣነ ምሳኻ ኣሎኹ’ እናበለ ከበራትዓና ወትሩ ምሳና እዩ ዘሎ፣ እቲ ምስጢር ናብ ኤማሁስ ናይ ዝወስድ መንገዲኸስ ኣብዚ እዩ ዘሎ! ወላውን ኣብቲ  ኩሉ ተጻይና ኣብ ዝመስለና ፍቅሪ እግዚኣብሔር ምሳና እዩ እግዚኣብሔር ካብ ምፍቃርና ፈጺሙ ኣይከቋርጽን እዩ፣ እግዚኣብሔር ወትሩ ምሳና ክጐዓዝ እዩ፣ ወላውን ኣብቲ ሕማቅ ግዝያት ኣብቲ ብኩሉ ዝተሸነፍናን ዝፈሸልናን ኮይኑ ኣብ ዝስመዓና ግዜ ምሳና ኣሎ፣ ተስፋና ከኣ እዚኣ እያ፣ ነዚ ተስፋዚ ሒዝና ንቅድሚት ንገስግስ! ከመይ እግዚኣኣብሔር ወትሩ ኣብ ጐድንና ኮይኑ ምሳና ይጐዓዝ ኣሎ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.