2017-06-01 15:55:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ካብ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብርቱዕ እምነትን ኣገልግሎትን ንመሃር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ግንቦት ወርሓ ማርያም መዛዘሚ ዕለት 31 ግንቦትን ከምኡ እውን ብላቲን ስርዓት ግንቦት 31 በዓለ ምብጻሕ ቅድስተ ድንግል ማርያም ናብ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ድማ ገሊጾም “ተባዓት መሰኻኽሪ ትንሳኤ ክርስቶስ” ንኽንከውን ብእምነት ናብ ኣማላድነት እኖ እግዚኣብሔር ዝኸነት ማርያም ነቕንዕ እንክብሉ ከምዝገለጹን ከምቲ ልሙድ በቲ ኣብ ትዊተር እተሰመየ ማሕበራዊ

መርበብ ብዘሎ ኣት ፖንተፊክስ እተሰምየ ኣድራሻኦም ኣቢሎም እውን “ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ህያዋን ምልክታ ንኽንከውን መታን ካብቲ ናይታ ኣዴና ናይ ዝዀነት ማርያም ብርቱዕ እምነትን መንፈስ ኣግልግሎትን ንመሃር”  ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጆርጆ ሳራቺኖ ኣስዒቦም፥ ከምቲ ልሙድ ኣብ መዕጸዊ ወርሒ ግንቦት ወርሓ ማርያም ዕለት 31 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት እቆጻጽራ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ካብ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘሎ በዓቲ ማርያም ዘሉርድ ማርያም መንፈሳዊ ዑደትን ጸሎት መቝጸሪያን ከምእተፈጸመ ገሊጾም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.