2017-06-03 17:10:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ኢጣሊያ ንምርግጋጽ ሰላም ኣብ ዓለም ግዴኣ ተበርክት


ዕለት 2 ሰነ በዓለ ረፓብሊክ ኢጣሊያ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ። ኣብ ሮማ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ዕለት 2 ሰነ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፎሪ ኢምፐሪያሊ ናይ ረፓሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔርን ከምኡ እውን መራሄ መግስትን ሚንስትራትን ናይ ፓለቲካን ናይ ሃይማኖት ኣካላትን ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ዝፍጸም ኅብረ ወተሃደራዊ ምርኢት ከም እተፈጸመን እዚ በዓል’ዚ ኣብ መላእ ኢጣሊያ ደሚቑ ከምእተብዓለ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ብናይ ትዊተር ማሕበራዊ መርበብ ብዘሎ ኣት ፖንቲፊክስ እተሰምየ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ኢጣሊያ“ኣብ ዓለም ፍትሕን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ዝገበር ጻዕሪ ግዴኣ እናበርከተን ክትዓብይን ክትምዕብልን እምነ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ገሊጾም፥

ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ብምኽንያት በዓለ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መንበረ ታቦት ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኣብቲ ኣብ ኣደባባይ ቨነዚያ ዝርከብ ስለ ሃገር ዘሎ ናይ ዝወደቑ ጀጋኑ ሰማዕታት ናይ ዝኽሪ ሓወልቲ ናብ ስፍራ ብምኻድ ቁኑን ዕንበባብ ኣንቢሮም ምስ ኣብቆዑ ቀጺሎም ናብቲ ኣብ ፎሪ ኢምፐሪያሊ ዝተሰናደወ ናይ ሰልፊ ምርኢት ሓይሊ ምክልኻ ንምክትታል ከምዝኸዱን ቅድሚ እቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ 400 ናይ ኢጣሊያ ናይ ዝተፈላለያ ከተማታት ከንቲባ ናይ ሃገር ሰንደቕ ዕላማ ዝተዓጥቁ ናይ ስለፊ ምርኢት ከምዘቕረቡን ርእሰ ብሔር ማታረላ ናይ ዕለት 2 ሰነ 1946 ዓ.ም.  ኢጣሊያ ረፓብሊካዊት ንኽትከውን ዘብቅዑ ክቡራት ዋጋታት ናይ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክቡራት ዋጋታት እውን እያቶም ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ኣፍሊጦም።

ብዛዕባ እዚ ዓቢይ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ በዓል ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ማሕበራዊ ናይ እተሰምየ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ክላውዲዮ ጀንቲሊ፥ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንናይ ኵሉ ብሉጽ መጻኢ ዘተኩርን ንሕዳሴ ክፉትን እዩ። እዞም ክልተ ዋጢር ክዘልቁ እንከለዉ ናብ ሕዝባውነት ማለት ናብቲ ክፍተው በሃሊ ዓይነት ስርዓት ይቕየር። እዚ እዩ ድማ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዝረአይ ዘሎ እዩ። ኣብ ኢጣሊያን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ክፍተው በሃልቲ መግስታት ክቐውሙ ዝድርኽ ዘሎ ናይ ዴሞክራሲ ስርዓት ክቡራት ዋጋታት ብዘይ ምኽባር ዝነብር ናይ ፖለቲካ ስርዓት ውጽኢት እዩ።

ኣብ ቀዳማይ  ዓንቀጽ ቅዋም ሃገረ ኢጣሊያ ተመልኪቱ ከምዘሎ፥ ኢጣሊያ ኣብ ዕዩ ዝተሓንጸት ረፓብሊካዊት ሃገር ዝብል ሓሳን ንረክብ። ስለዚህ ኣብ ኢጣሊያ ክቐም ዘለዎ ማሕበራውን ኤኮኦሚያውን ሕይወት ንምንም ዘይንጽል ክኸውን ከምዘለዎ ዘመልክት እዩ። ኩሉ ከከም ብቕዓቱን ዓቅሙን ብዝተፈላለያ መዳይ ዝዋፈረላን ማዕርነት ዝረጋገጸላ ሃገር ምዃና የነጽር። ቤተ ክርስቲያን ብማሕበራዊ ጠመቅ ትምህርትታታ ኣቢላ እተነጽሮ ሓሳብ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖከቲካውን ሕይወት ዝንጸባረቕ እዩ። እቲ ዘድሊ ግና ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.