2017-06-08 16:32:00

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ማያት ባሕርን ውቅያኖስን


ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ምዕቃብን ምጥቃምን ማያትን ሃብትታት ባሕርን ውቅያኖስ ኣብ ንተቐበላነት ዘለዎ ምዕባለ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሩ ኣብ ዝዘተየ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ብዝተመርሐ ልኡካን ኣቢላ ከምእተሳተፈት ክምልከት እንከሎ፡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብቲ ዓውደ ዘተ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ናይ ባሕራዊ ሃብታት ኤኮኮኖሚ ብምስጋርን ግፋ ዓሳን ከምኡ ኣውን ኣብ ትሕቲ ማያት ባሕርን ውቅያኖስን ምድሪ ዘሎ ሃብቲ ነዳዲ ንምጥቃም ዝግበር ድልያ ነዳድን ጋዝን ዝተኣሳሰረ እዩ። ሃብቲ ተፈጥሮ ምጥቃም ግብኡ እዩ እዚ ግና ብምኽባር ተፈጥሮን ፍጥረትን ዝተሰነየ ክኸውንን ብፋልይ ድማ ብተበጽሖታት ምዕባለ ዕደ ጥበብ ብምጥቃም ነቲ ኣብ ልዕሊ ማያት ባሕርን ውቅያኖስ ዝወርድ ሓደጋን ብከላን ንምካይ ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ ከምእተበጽሔ እውን ኣዘኻኺሮም ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ክማእከል ከምዘለዎ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ብድሆ ኣናብሮኣውን ተቐባልነት ዘለዎ ከይዲ ምዕባለ ምስ ማያት ባሕርን ውቅያኖስ ዝተኣሳሰረ ዕድል እውን እዩ

“ምስ ኵነት መጻኢ ማያት ባሕርን ውቅያኖስን ዝተኣሳሰረ ተስፋ ዝግበረሉ ተቐባልነትን ኣናብሮኣውን ብድሆ ግምት ዝህብ  ርእየት ክህሉ ይግባእ” ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን

“እዚ ራእይ ምስ ባሕራዊ ሃብታት ዝተኣሳሰረ ድልያ ስነ ፍልጠትን ምርምርን ምሕዩሽን ብሉጽን ናይ ምግባር ጽልዋ ኣለዎ። ናይ ወዲ ሰብ ሕይወትን መግባዊ ውሕስነት ንኽህሉ ዝድግፍን ዝውሕስን እዩ። ስለዚህ እዚ ብድሆ’ዚ ኣጠቓቕማ ባሕራውያን ሃብታት ፖለቲካን መምርሕታትን መስርሕን ተፈጥሮ ኣየርን ምህዳርን ክጻወርዎን ምስ ምህዳራዊ ኣናብሮ ክሰማማዕ ብዝኽእል ሓሳብን ተግባርን ክመሓየሽ ዝገብር ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ እዩ። ምእንቲ’ዚ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንምጥቃም ባሕራዊ ሃብታት ዝድግፍን ስሉጥ ዘገብር ተቐባልነት ዘለዎ መስርሕ ዘተባብዕ እዩ። ኰይኑ ግና ብዛዕባ ምህዳራዊ ሜላን ገማግም ማያት ባሕርን ውቅያኖስን  ኣብ ገማግም ማያት ባሕርን ውቅያኖስን ዝነብሩ ክፍሊ ሕብረተሰብን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ግምት ዝህብ ክኸውን ይግባእ”

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣስዒቦም፥

እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምንቁልቋል ጥዕና ምህዳርን ኣቃልቦ ክወሃቦ ይግባእ

ነቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝደረስዎ ኣብ ምህዳርን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘማእከለ ዓዋዲ መልእኽቲ፥

“እንርእዮ ዘሎና ጭቡጥ ኩነት ምህዳራዊ ምንቁልቋል ንኽንገጥምን መፍትሒ ክረክብ እንገብሮ ጻዕሪ ምስ ሰብኣውያን ማሕበራውያን ምንቁልቋል ጠንቅታት ንምብዳህ ምስ እንገብሮ ጻዕሪ ዝተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት ባሕራዊ ሃብቲ ንምጥቃም ዝግበር ጻዕሪ ብሃብቲ ዓሳ ዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ነዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ተካኢ ሜላ ብዘይምቕራብ ሃብቲ ባሕሪ ከይጥቀሙ ምእጋድ ንሓደጋ ክቃልዑ ምፍቃድ እዩ ዝኸውን”

እንክብሉ ብዘብርህዎ ሓሳብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ገሊጾም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.