2017-06-08 16:49:00

እግዚኣብሔር ኣቦና እዩ! ወትሩ ከኣ ምሳና እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 7 ሰነ 2017 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ እታ እንኮ ጐ.ኢ.ክ ዘስተምሃራ ጸሎተ ኣቡነ ዘበሰማያት ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ እዛ ‘ኩሉ ምሥጢር ጸሎት ክርስትና ኣብዛ ጸሎት እዚኣ ከምዝጠቃለልን እታ ተኣምራታዊትን እተደንቅን ቃል ከኣ ንእግዚአብሔር ‘ኣቦ’ ዝብል ስም ንምሃብ ትብዓት ምህላው እዩ’ እንክብሉ ዕብየት ጸሎተ ኣቡነ ዘበሰማያት ገሊጾም፣ ነዚ ዘመልክት ከኣ ኣብ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ነዛ ጸሎት እዚኣ ብሓባር ንምድጋም ንጸሊ ንክብል እቲ ካህን ‘ነቲ ጐ.ኢ.ክ. ዝመሃረና ጸሎት ንምድጋም ብድፍረት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ንበል` ቢሉ ዝእዝዞ ነዚ ትብዓት እዚ ከምዘብርህ እውን ኣመልኪቶም፣

ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተኣታተዎ ሰውራ ክንብሎ እንኽእል ዓቢ ለውጢ ኣምልኾ እግዚኣብሔርን ጸሎትን ንእግዚአብሔር ኣቦ ኢልካ ምጽዋዕ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም፣ ‘ከምሓቁ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብዝብል ስም ምጽዋዑ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን፣ ከም ኣተሓሳስብና ናብቲ ፈጣሪናን ጐይታናን ጐይታ ኩሉ ፍጥረትን ዝኾነ እግዚኣብሔር ክንቀርብን ክልምኖን ምስ እንሓስብ ብቀዳምነት ዝመጸና ነቲ ክንዮ ዓቅምና ዝኾነ ንክብሩን መንነቱን ዝገልጹ ዓበይቲ ቃላት ክንጥቀም ምደለና ኮይኑ ግን ከምቲ ሓደ ሕጻን ናይ ኣቦኡ ፍቅርን ሓልዮትን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ብምትእምማን ናብ ኣቦኡ ቁሊሕ ቢሉ ባባየ ዝብሎ እቲ ‘ኣቦና’ ቢልና ናብ እግዚኣብሔር እነቅርቦ ጻውዒት ናይ ምስኡ ዘሎ ምትእምማን እዩ ዝገልጽ። እምነት ክርስትና ኣብ ናይ ደቂሰባት ሥነሕልና ሃይማኖት ዝቀርጾ ዓቢ ለውጢ ወይ ሰውራ ከኣ እዚ እዩ፣ እቲ ወትሩ ኣደናቅን ኣብ ቅድሚኡ ከኣ ኢምንትን ደቀቅትን ገርና ንርእስና ከምእንርኢ ዝገብረና ምሥጢር እግዚኣብሔር ኣቦና ብዝብል ስም ክንቀርቦ ከሎና ኣይፈርሃናን ኣይከብደናን ኣየጨንቀናን እውን። ርግጽ እዩ እዚ ለውጢ እዚ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስብ ክትርደኦ ከቢድ እዩ፣ ኮይኑ ግን ናብቲ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ምልስ ኢልና ብዛዕባ እቲ መሓሪ ዝኾነ ኣቦ እንክንሓስብ እግዚኣብሔር ከመይ ዝበለ ኣቦ ምዃኑ ይገልጸልና፣

‘ኢየሱስ ንደቁ ፍቅሪ ጥራይ ክኸውን ብዛዕባ ዝኽእል ኣቦ የዘንቱ፣ እቲ ውሉድ ብዘርእዮ ብደዔ ንምቅጻዕ ዘይቀዳደም ኣቦ እኳ ደኣ ብጽሒተይ ኢሉ ምስ ሓተተ ብጽሒቱ መቂሉ ብምሃብ ካብ ገዛ ሃጽ ኢሉ ንክጠፍእ ዘፍቅድ ኣቦ፣ ስለዚ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ ክንብል እንከሎና ከም ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ኣይኮነን ከመይ ኣብዚ ዓለምና ከምቲ ናይ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ኣቦ ክኸውን ዝኽእል ዳርጋ የለን፣ ኣቦነት እግዚኣብሔር ከስ በቲ ናቱ መንገዲ እዩ ማለት ሕያውነት ዝመልኦ ንነጻ ምርጫ ደቂ ሰባት ዘይቃወም ኮታስ ከፍቅር ጥራይ ዝኽእል ኣቦ እዩ፣ እቲ ጥፉእ ወዲ ንኩሉ በቲኑ ምስ ወድኤ ናብ ቤት ኣቦኡ ይምለስ። እቲ ሕያዋይ መሓሪ ኣቦ ግን ፍትሒ ደቂ ሰባት ከውጽእ ኢሉ ክቀጽዕ ክእርም ኣይጽዕርን ኣንታይ ደኣ ኣድላይነት ምሕረት ተረዲኡ ኣእዳው ዘርጊሑ ኣብ ሕቊፉ ይቅበሎ እሞ ክሳብ ክንደይ ከምዝናፈቆ ኣባታዊ ፍቅሩ ከምዝጎደለ ይነግሮ። እዚ እዩ ኣቦነት እግዚኣብሔር። ብክመዚ ዝበለ ፍቅሪ ንደቁ ዘፍቅር ኣቦ በእምሮ ሰብ ክብጻሕ ዘይከኣል ምሥጢር እዩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ምግላጹ ምስ ጸገሞ ገለ እንተተመሰለለይ ኢሉ ነታ ኣባ ትብል ብቋንቋ ኣረማይስጢ ካብተን ምኡዛት ከናፍር ኢየሱስ ዝወጸት ቃል ከምዘላታ ቃል ብቃላ ወሲዱ ‘ኣባ ኣቦ ቢልና እንጽወዓሉ መንፈስ ውልድነት ተዋሂብና` እንክብል ኣብ ሮማውያን 8.15ን ኣብ ገላትያ 4.6ን ክልተ ግዜ ይጠቅሳ፣ ገሊኦም ከኣ ፓፓ ባቦ እናበለ ኣብ ቋንቋታቶም የእትውዎ፣  በይንና ኣይኮናን ወትሩ ዝሕልወናን ዘይገድፈናን ኣቦ ኣሎና፣ ዝኾነ ሓገዝ ከድልየና እንከሎ ኢየሱስ ዝብለና በይንኹም ተዓጺኹም ተጨነቁን ቈዝሙን ዘይኮነ ናብ ኣቦ ኪዱ ብምሉእ ምትእምማን ከኣ ለምንዎ ይብለና፣ ካብቲ ዝደቀቀ ዕለታዊ ጉዳያትና ማለት ከም ካብ መግቢ ዕለት ጥዕና ስራሕ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ፈተና ደገፍ ምርካብን ካብ ሓጢኣት ምሕረት ምርካብን ዘሎ ግድነታት ባዕልና ንፈትሖ ዘይኮነስ ወትሩ ብፍቅሩ ዝሓልየልናን ዘይገድፈናን ኣቦ ዝልግሰልና እዩ፣ ስለዚኸስ ዝኾነ ጸገም ከጓንፈና እንከሎ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ኢልና ንጸሊ፣ ንሱ ብዘይ ብኣና ዘይኮነሉ ኣቦ እዩ እሞ ክርሕረሓልናን ከሐጒሰናን እዩ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.