2017-06-10 16:48:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣገዳስነት ህላዌ ደቀንስትዮ ኣብ ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ሕይወት


ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባ ዘተ ሓልዮ ቤት ምኽሪ “ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ሕንጸት ኵላዊ ሕውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ዕለት 7 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተጀሚሩ ዕለት 9 ሰነ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተጋባእያን ተቐቢሎም ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምእተዛዘመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ህላወ ደቀንስትዮ ኣብ ማሕበራውን ኤኦኖሚያውን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ቤተ ክርስቲያናውን ሕይወት ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ብምርግጋጽ ዓለምና ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ብዝፈጽም ዓመጽን ጸቕጥን ምኽንያት ክብሪ ደቀንስትዮ ንሓደጋ ኣብ ዝተቓልዓሉ ዓለም ንሕንጸት ኵላዊ ሕውነት ዘለወን ዓቢይ ግደ ልዑል ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፥ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ብተደጋጋሚ ዝወርድ ዓመጽ ከቢድን ዘየናሕስይን ክኸውን እንከሎ። ብተደጋጋሚ ኣደዳ ዓመጽ እያቶም። ኣብቲ ዓመጽን ጽልእን ኣብ ዘለሉ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ደቀንስትዮ ንኽቢድ ሓደጋ ከምዝቃልዐን እቲ ኣብ ሕንጸት ሕብረተሰብን ሰብኣውን ከም ምዃነን ከበርክትኦ ዝኽእላ ልዑል ኣስተዋጽኦ ዝዓግት እዩ።

ሓደ ቅኑዕን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ ቀዳማይን መሰረታውን ስድር ናይ ደቀንስትዮ ግደ ዓቢይ ግምት ምሃብ ዝብል እዩ። ስለዚህ እዚ ድማ ብመጋበርያ ሕግ ዝተረጋገጸን ውሑስን ኰይኑ ብምልኣት ግዴአን ጸጋ ንማሕበርሰብን ንስምረት ሰብኣዊ ስድራ ቤት መጋበርያ እዩ። እዚ ድማ ንህላዌ ደቀንስትዮ ሰፊሕ ዕድል ምዃኑን ግብኡን ትኵርን ህላዌ ክኸውን ዝድግፍ እዩ።

“ብዙሓት ደቀንስትዮ ብዘይ ዓውዓውታ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብውፉይነትን ብሕልናን ብትብዓትን ገለ ገለ እዋን እውን መስዋዕትነት እውን ብዝሓትት ጻዕሪ ብልሓተንን ብቕዓተንን ርህራሄ ሓላፍነትን ዝፍጽማን ኣብዚ መዳይ’ዚ እቲ ዘለወን ተመክሮ ኣደነትን ሓናጽያንን ኣጣሚረን ልዑልን ፍሉይን ብቑዕን ኣገልግሎት የበርክታ።

ነዚ ዝሓበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ሕውነታዊ ጸዋዕታ ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም ንሓድ- ሕዳውን ሓባራውን ምክብባርን ኣንጋድነትን ደቀንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ክረጋገጽን ክሰፍሕን ኣብ ምግባር ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ኣለወን ጸዋዕታኤን እውን እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ሕይወት ምስጢር ጠሊቕ ምትእስሳር ዘለወንን ሕውነታዊ መንፈስ ከነቓቕሓን ንዕቃቤን ምኽባርን ሕይወት ንሕይወት ምክንኻንን ዘለወን ናይ ፍቕሪ ርግጸይናነትን እንነብረሉ ዓለም ንዅሉ መንበርን ናይ ፍቕርን ሕውነትን ሥፍራ ዝገብር ሓይሊ እዩ። ስለ’ዚ እዩ ድማ ብዙሕ እዋን ኣብ ምስናይ ብፍላይ ድማ እቶም ድኹማት ክፍሊ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑን ዕለታዊ ብድሆታት ንምግጣምን ንምስናፍን ንበይነን ዝዀና። ነዚ ኹሉ ኣብ ምፍታሕ ንበይነን ብዙሕ ዝጽዕራ ምዃን ኣመልኪቶም፡ ዓለም ለኻዊ ወይ ከኣ ኵላዊ ሕውነት ንምሕናጽ ዘተ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ ብዘተ ምክብባርን ዝዓሰሎ ምሕዝነታዊ ምትእስሳርን ይሕነጽ። ኣብ ሕይወታዊ መዳይ ዘተ ደቀንስትዮ ዓቢይ ግደ ኣለወን። እዚ ሕይወታዊ ዘተ’ዚ ነቲ ኅብረ ሃይማኖትን ኅብረ ባህልን ዘተኣታትዎ ብድሆ ንምስናፍ ዝድግፍ እዩ።

ኣብ ቲዮሎጊያዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ሃይማኖታዊ መዳይ ኣብ ዝግበር ናይ ተመክሮ ምልውዋጥን ምክፋል ደቀንስትዮ ዓቢይ ግደ ኣለወን፡ ኣብ መዳይ ኅብረ ሃይማኖታውን ኅብረ ባህላውን ዘተ ደቀንስትዮ ኣዚየን ቅሩባትን ምዃናዊ መስንዳዋት ዘለወን ኰይነን እየን ዝርከባ። እዚ ድማ ብካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኵለን ካብ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖትን ባህልን ዝመጻ ደቅንስትዮ ዝግለጽ ዓቢይ ዓይነታዊ ባህርይ እዩ። ስለዚህ ደቀንስትዮ ኣብቲ ብዛዕባ ደቀንስትዮ ጥራሕ ዝምልከት ዛዕባ ምሕጻር ዘይኰነስ እቲ ናይ ዘተ ከይድን ትግባረን ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር እዮም ምሉእ ዝገብርዎ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰፒያ ገሊጸን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎን ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 9 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ሶሪያ ናይ ኣለፖ ሰበኻ ጳጳስን ናይ ሶሪያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ንዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኣብ ሶሪያ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶንዮ ኣውዶ ድሕሪ እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ሶሪያ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ግንባር ኣሸበርቲ ብዘባርዖ ዘሎ ውግእን ዓመጽን ደቀንስትዮ እተን ቤተሰብን ብዙሓት ዜጋታትን ካብ ሞትን ዓመጽን ዝከላኸላን ዝኣልያን ደቀንስትዮ እያተን። ኣብቲ ፖለቲካዊ መፍትሕ ዘይተረኽበሉ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጡር ኩነት ነተን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሕንጸትን ኣባይቲ ስድራን ሕብረተሰብን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርክታ ዘለዋ ደቀንስትዮ ምትሕብባርን ደገፍን ምቕራብ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምምሕዳር ተቛማት ኣብ ጐድኒ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናታን ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን ዝተቐመጣ ደቀንስትዮ ምህላወን ብሓቂ ዓብይ ተስፋ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶሪያ ብዝተፈላለየ መዳይ ክግመት ዘይከኣል ማሕበራውን ሰብኣውን ኣስተዋጽኦ ዘበርክታ ዘለዋ ደቀንስትዮ እያተን ኣቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ እውን ጓለ ንስተይቲ ብመሰረተ ክዉንነታ ዓለም ለኻዊ መልእኽቲ ምዃና ብምርግጋጽ ፡ እዚ ማለት ድማ ኣደን ሓልዮትን ሰማዒትን ሓብሓቢትን ተገዳሲትን ምዃና ብሰፊሕ ተንቲንዎ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ቅድሚ እቲ ዓውደ ጉባኤ ቅድም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ደቀንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣለወን። ብፍላይ ከም ክርስቲያን መጠን ክንኣምነሉ ዝግብኣና ኩላትና ክፍለ ኣካል ናይቲ ርእሲ ዝዀነ እንኰ ሰብነት ክርስቶ ምዃንና እዩ። ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካል፡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎ ዝብሎ ጊላ ኰነ ናጻ ሰብ የልቦን ኵላትና ብዙሕ ኣካል ኣብ ሓደ ሰብነት ኢና። ንሱ ድማ ክፍለ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ኢና ኢሎም። ኰይኑ ግና ብምኽንያት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰፊሕ ዝረአይ ቅልውላው ስድራ ቤት እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገልጾ ሓቂ ንምስትውዓል ከቢድ ኰይኑ ኣሎ።

“ጓለ-ንስተይቲ ርህራሄን ሓልዮትን ኣደን ጥራሕ ዘይኰነት ምስ እዚ ዘለዋ ምዃናዊ ፍሉይነታዊ ባህርይ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ናታ ቦታ ዘለዋ ፍጥረ እያ። ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝነኣሰት ወይ ድማ ዝለዓለት ኣይኰነትን። ስለዚህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብን ደቀንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ዘለዎ ፍሉይነት ባህርይ ከምዘሎ ኰይኑ ማዕረ እየን”

እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰፒያ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.