2017-06-10 18:39:00

ሓቀኛ ሓጐስ ካብ እግዚአብሔር እምበር ካብቲ ብከንቱነት ዝተሸላለመ ጽባቄ ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ዕለት 9 ሰነ 2017 ዓምፈ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣብ ሕማቅ ግዝያት ናይ ሓዘንን ስቃይን ወላውን ኣደራዕ ናይ ጸርፍን ውርደትን ከጓንፈካ እንከሎ ኣብ ናይ ከንቱነት ከይወደቅካ ናይ እግዚኣብሔር ጸሎትን ትዕግስትን ተስፋን መንገዲ ምምራጽ የድሊ’ ሓቀኛ ሓጐስ ካብ እግዚብሔር እምበር ካብቲ ብከንቱነት ዝተሸላለመ ጽባቄ ከምዘይርከብ ገሊጾም፣

ብናይ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዕለቱ ንባባት ካብ መጽሓፈ ጦቢት ምዕራፍ 11 ዝተወስደ ኮይኑ ነቲ ብሩፋኤል መልኣኽ ተሰንዩ ናብ እንዳ ራጒኤል ነዊሕ ጉዕዞ ዝገበረ ወዱ ጦብያን ከም መርዓት ዝተዋህበቶ ሳራን ካብ ጋኔን ምንጋፋን ናይ ጦቢት ምሕዋይ ዓይንን ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ነቶም ተዋሳእቲ ናይዚ ታሪኽዚ በብሓደ እናጠቀሱ ማለት ጦብያ ኣቦ ጦቢት ኣብ ግብረሠናይ ተዋፊሩ እንከሎ ብለይቲ ካብ መንካዕ ብዝወረዶ ጸገም ዓዊሩ ዝነበረ እታ ከም መርዓት ወዱ ዝተዋህበት ሳራ ከኣ ጋኔን ሒዝዋ ክምርዓውዋ ዘዝሓሰቡ እናሞቱ ናይቶ እዚ ሕማቅ ዕድልዚ ዘጋጠሞም ሾውዓተ መንእሰያት በደል ኣሸኪሞማ ትሳቀ ዝነበረት ኮይና ኩሎም በብወገኖም ብርቱዕ ጸገም ዘጓነፎምን ኣምሪሮም ብልቦም ንእግዚኣብሔር ዝለመኑን እንክኾኑ ካብ ቤተሰቦም ከይተረፈ ጸርፍን ውርደትን ዘጋጠሞም እውን ነበሩ፣ ኩሉ ምስ ጸልመቶም ዳርጋ ሞት ይሓይሽ ኣብ ምባል ዝበጽሑ ሰባት ነበሩ፣ ሳራ ዳርጋ ክትሕንቅ ቀሪባ ነራ ግን ናብ ልባ ምልስ ኢላ ኣነ እንተመይተ ስድራይ ክሳቀዩ እዮም ትብል እሞ ኣበርቲዓ ክትጽሊ ትጅምር፣ ጦብያ እውን እዚ ሕይወተይ ክንደይ ይመርር ቢሉ ይሓስብ እሞ ኣብ ጸሎት ይጽመድ፣ ካብዚ እንመሃሮ ዝመረረ ይምረር ኣብ ሕማቅ ግዜ ከድሕነና ዝኽእል ጸሎት ጥራይ ምዃኑ እዩ፣ ካልእ እዞም ክልተ ሰባት ዘምህሩና ትዕግስቲ ኮይኑ ልዕሊ ኩሉ ግን እግዚኣብሔር ከምዝሰምዖምን ነቲ ሕማቅ ግዜ ከምዘሕልፎን ምሉእ ተስፋ ነበሮም፣ ኣብ ሕይወትና ኩሉ ክመረና እንከሎ ብውሑዱ ይኹን ብብዙሑ ሓዘንን ጸገምን ከጓንፈና እንከሎ ነዚኤን ንዘክር፣ ጸሎት ትዕግሥቲ ተስፋ፣ ነዚ ኣይረስዑ እንክብሉ ሓደራ ቢሎም፣

ቅዱስነቶም ምስዚ ኣተሓሒዞም ሕይወት ወትሩ ሓዘንን ጸልማትን ጥራይ ከምዘይኮነት ዘሐጉስ ግዝያት እውን ከምዘሎ ብምዝኽኻር እዚ ግን ከምቲ ኣብ ልበወላዳት እንረኽቦ ጽቡቅ ፍጻሜ ዘይኮነ ‘ድሕሪ ብርቱዕ ፈተና እግዚኣብሔር ነቶም ብእምነት ዝምሕጸንዎ ይቀርቦም የድሕኖም ከኣ። ኮይኑ ግን ጥዑም ግዜውን ኣሎ፣ እዚ ግን ብከንቱነት ዘጌጸ ክኸውን የብሉን፣’ ድሕሪ ቢሎም ናብቲ ታሪኽ ናይቶም ክልተ ሰባት ይምለሱ እሞ ኩሉ እቲ ማዕበልን ጸገምን ምስ ሓለፈን ሓጐስ ምስ ኮነ እንታይ ይገብሩ ኢሎም ይሓቱ እሞ ‘ንእግዚኣብሔር የመስግኑ ልቦም ኣብ ናይ ምስጋና ጸሎት ይኸውን’ ቢሎም ከኣ ይምልሱ፣

ኣብ መወዳእታ ኩልና ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና መስቀል ከጓንፈኒ እንከሎ ኩሉ ክጽልምተኒ እንከሎ ኣብ ሓዘን ጓሂ ስቃይ እንታይ እገብር ከምዞም ሰባት እዚኦምዶ ብትዕግስትን ተስፋን እጽሊ! ኩሉ ምስ ሓለፈን ሓጐስን ሰላምን ደሓንን ምስ ኮነኸ ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዶ! ኢልና ክነስተንትን ድሕሪ ምዝኽኻር ነቲ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ እንደገና ክነንብቦን ኣብ ሕይወትና ኣብ ዘጋጥሙ ዘሕዝኑን ዘሐጉሱን ነገራት እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ንሕሰብ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.