2017-06-13 15:42:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መክሲኮ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን


ናይ መክሲኮ ርእሰ ከተማ ርእሰ ሰበኻ Desde la Fe  እተሰምየ ሰሙናዊ ጋዜጣ ከምዝሕብሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ሃገረ መክሲኮ ብቐጻሊ ዓመጽ ይረአይን እዚ ዓመጽ’ዚ መፍትሒ ዝተሳእኖ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፍላይ እቶም ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘተኣታትውዎን ዝፍጽምዎን ዓመጽ ከምዝዀነን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ምግባረ ብልሽውናንን ብላዕን ልሙድ እናዀነን እናሰፍሔን እዚ ኹሉ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ መክሲኮን ሕዝባን ይወርድ ከምዘሎን፡ ድኽነትን ሕሰምን ንዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ልሙዕ መሬት ከምዝኾነን ናይ ሕዝቢ ሰላምን ምርግጋእን ውሑስ ኣብ ምግባር ከይዲ መዳርግቲ ዘይብሉ መሰናኽል እናዀነ ብዙሓት ንሞትን ሓደጋን የቃልዕ ምህላዉ የመልክት እንክብል ነቲ ጋዜጣ ዝተወከሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ሓቢሩ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን መዳያት ተዋፊሮምን ስለ ፍትሕን ሰላምን ምዕሩይ ሕብረተሰብ ኣብ ምርግጋጽ ዕላማ ተጸሚዶም ዘገልግሉን ኣስፍሆተ ወንጌል ዝፍጽሙ ልኡካን ወንጌልን ዓለማውያን ምእመናን ካህናትን ደናግልን ነቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ቀሊል ዒላማ እናዀኑ ብዙሓት እውን ይጭወዩን ይቕተሉን ምህላዎም ዝሓበረ ናይ ከተማ መክሲኮ ርእሰ ሰበኻ ሰሙናዎ ጋዜጣ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፥

መክሲኮ ብዓመጽ ትናወጽ ኣላ

ትርኢት ሃገረ መክሲኮ እዚዩ ዘሰክፍን ዘተሓሳስብን ከምዝዀነን ብፍላይ ግዝኣት ታማኡሊፓስ ዕጸ ፋርስ ዘቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ናይ ዕጸ ፋርስ ንምንቅስቓስ ዝጥቀምሉ ክፍለ ከተማታት ንምውናን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ብዝካይድ ግጭትን ቅትለን ኣብ መባእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ምስ ምካለን ግዝኣት ዘዳቡ ከባቢ ረይኖሳ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ናይ ገበን ጁለታት ብዝፍጽምዎ ኣብ ግብረ ሕነ ምፍዳይ ዝጠመተ ግርጭት ኣብ ቤት ማሕቡስ ከይተረፈ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ህልው ውጡር ኩነታ ንምቅጽጻር ድኹም ከምዝዀነ ዘረጋግጽን ኣብ ከተማ ቨራክሩዝ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ሚያዚያ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ 620 ቅትለት ከምእተፈጸመን ኣብ ግዛኣት ጉአረሮ ድማ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝዀነ ሁከት በቢ መዓልቲ ሰባት ከምዝቕተሉን የመልክት።

ናይ ገበን ጉጅለታት መላእ መክሲኮን ሕዝባን የርዕዱ

ኣብ ዘቦ ኦኣክሳካ ዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሕዝቢ ዝዓለመ ግብረ ሽበራ እናፈጸሙን ንሕዝቢ የፈራርሁን ንብረት ይምንዝዑን ይዘርፉን ከምዘለዉን ሕዝቢ ክከላኸለሉ ዝግብኦ መንግስቲ ድኹም ብምዃኑ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስግኣት ዕለታዊ ናብራኦም ይመርሑ ምህላዎምን እቲ ናይ ከተማ መክሲኮ ርእሰ ሰበኻ ሰሙናዊ ጋዜጣ ይሕብር እንክብል ፊደስ ናይ ዜና አገልግሎት ገሊጹ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.