2017-06-15 17:05:00

የኔታ ቪጋኖ፥ ቤተ ክርስቲያንን ርክባትን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ ሎሚ


ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንነጀው ኣቀራርባ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ መራኸቢ ብዙሃን ብዙሕ ከምእተለወጠን ብጥልቂ ናይ ርክባት ኣገባብ እውን ከምዝተለወጠ ዝገልጽ  ሓሳብ ዘማከለ ካብ ዕለት 14 ሰነ ክሳብ ዕለት 17 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ናይ ቤተ ክርስቲያን  ናይ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርቲ ተቛም ንምንቅስቓስ ክርስቲያን ሰራሕተይናታት ተቛም ኣብ እዋን ናይ ዓመት ዕረፍቲ በቢ ዓመቱ ናይ ካቶሊክ ቅዱስ ልቢ መንበረ ጥበብ ዘዳለዎ ታሽዓይ መደብ ትምህርቲ መኽፈቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣስተምህሮ ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ከምዝዀኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

የኔታ ቪጋኖ ካብ ውሳኔታት  ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሓደ Inter Mirifica-ዘደንቑ ምህዞታት ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ዝምልከት ውሳኔ ብዛዕብ ኣጠቓቕማ ማዕከናት ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ሕብረተሰብን መራኸቢ ብዙሓንን ካቶሊካዊ ሓዋርያውነትን ዘጠቓልል ክሳብ ... ፍራንቸስኮ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፥ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ናይ መራኸቢብዙሓን ሰውራ ተኸሲቱ እዩራዲዮ፡ማዕክን ምስማዐ ርእየት (ተለቪዥን) ጋዜጣ ዝኣመሰሉ ተፈላልዮም ብምጉዓዝ ዜናታት ዘቕርቡ ዝነበሩ  ናይ ሰብ ዕለታዊ ሕይወትን ርክባትን ሃዋሁ ዝዀኑ  ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን እናተሰዃኹዑን እናተማላልኡን ይኸዱ ኣለዉ። ሰውራ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘመን ብስነ ኣሃዝ ካብ ዝተራቐ ዕድ ጥበብ ከይዲ ኣብ ናይ ዓመት ዕረፍቲ እዋን ዝካየድ መደብ ትምህርቲ ብሰፊሕ ዘተኩረሉ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኩሉ ዝተኸስተ ለውጥን ሰውራ መራኸቢ ብዙሃንን ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ተራኻብነታ ክትምርምርን ከተሕድስን ክትቕይርን እውን ደሪኽዋ እዩ። እዚ ለውጢ’ዚ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንነጀው ብሰፊሕ ዝተራእየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ለውጢ እዩ። ንመጀመሪያ ጊዜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በቲ Inter Mirifica-ዘደንቑ ምህዞታት ብዝብል ውሳኔኡ ኣቢሉ ብወግዒ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተራኽብነት ዝለወጠን ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ዓሚዩቕ ተገድሶ ንኽትገብር ኣነቓቒሑ እዩ።

ኣጠቓቕማ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን (ማሕበራዊ መራኸቢ) ምስቲ ተልእኾኣ ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚህ ወንጌላዊ ልኡክነት ተራኽቦነት እዩ። ተራኽቦነት ካብ ኰነ ድማ ዝነበሩን ሓደስቲን ማሕበራውያን መራኸቢ ብምጥቃም ዝትግበር እውን እዩ። እዚ ድማ ሰብኣዊ ተራኽቦነትን ኣካላዊ ርክባት ከምዘሎ ብምሓዝ እዩ።

ኣብ ስልሳታት ኣባይቲ ትያትርን ሲነማን ኣብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን እዩ ዝነበረ ስለዚህ ምስ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኣሳሰረ ድማ እዩ ኔሩ። ሎሚ ካብ ቁምስናታት ወጻኢ እልፍ ኣእላፍ ኣባይቲ ሲነማን ትያትርን ተሓኒጾም እዮም እዚ ኹሉ ምዕባለ ማዕከናት ምስማዐ-ርእየት ዓቢይ ለውጥታት ኣስዒቡ እዩ። ኣብ 1983 ዓ.ም. ናይ ቫቲካን ማዕከን ምስማዐ-ርእየት (ቴለቪዥን) ተመስረተ። ቀጺሉ ድማ ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ሎሚ ቲቪ2000 ብዝብል ስም ዝልለይ ሳት2000 ብዝብል ናይ ተለቪዥን ማዕከን ተጀመረ። ኣብ ኣፈት 2000 ዓመታት ድማ ዝተበጽሑ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቑ መጋበሪያ ርክባትን ማሕበራውያን መራኸቢ ከምቲ ፕሮፈሰር ሩጀሮ ኤውጀኒ (ሓደ ኣብቲ ናይ ዓመት ዕረፍቲ ትምህርቲ ኣስተምሆ ካብ ዘቕርቡ ኣብ ናይ ካቶሊክ ልበ ኢየሱስ መንበረ ጥበብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ዓውዲ ስነ ቋንቋ መምህር) ከምዝበልዎ መራኸቢ ብዙሃን ኣባና እያቶም ካብኣቶም ወጻኢ ክዋኔኦም ኣዚዩ ዘሸግር እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጀመሪያ ጊዜ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ማዕከናት ራዲዮን ጋዜጣን ተሌቪዥንን መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ቫቲካንን ብሓደ ዝጥርንፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ክቐውም ገይሮም እዮም። እቲ ተፈላልዩ ዘገልግል ዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ የገልግል ኣሎ። እዚ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ምዕብለ መራኸቢ ብዙሓን ግምት ዝሃበ እውን እዩ።

ኣስፍሆተ ወንጌል በቲ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሓን እውን ዝኸወን እዩ። ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ጭቡጥ ኩነት ሸለል ምባል ዝካኣል ኣይኮነን። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንገዛእ ርእሶም ማሕበራዊ እዮም ኩሉ ዓይነት መራኸቢ ብዙሓን ዝጥቀሙን ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዓይነት ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሓን ምዕባለ ክትዋሳእ ብስልጣናዊ ትምህርቶም ኣቢሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርትን ከምኡ እውን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ገይሮም ይምዕዱ፡ ስለዚህ ምርኻብ ወይ ድማ ተራኽቦነት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ሽግር ጥራሕ ዝምልከት ኣይኰነ። ማለት ትምህርትን ምዕዳንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ስልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዜና ናብ እዋናዊ ብስነ ኣሓዝ ናብ ዝማዕበለ መራኸቢ ብዙሃን ምትእትታው ማለት ጥራሕ ዘይኰነስ ከምቲ ቃል ስጋ ኰነ ኣባና እውን ሓደረ ዝብል ትስብእቲ መሰረት ገይሩ ቃል ስጋን ዝኸውን ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ብማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዝበጽሕ ክኸውን ምግባር እዩ። ኩሉ እቲ ናይ እዋናዊ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃን ዘለዎ ዕቑር ሓይሊ ብምጥቃም ሕዝብታን ባህልታት ከራኽብ ተራኽብ እያ ናይ ምዕባለ ኩሉ ዕቑር ሓይሊ ብምጥቃም ድማ እዚያ ስሉጥ ትግበሮ ዝበሉ የኔታ ቪጋኖ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፥ ተራኽቦነት ቤተ ክርስቲያን ካብ ታሕቲ ዝምንጭው ዘይኰነስ ካብ ላዕሊ ዝምንጭው እዩ። እዚ ማለት ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲኒኒ ኣተሓሒዘን ብዛዕባ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ምጥቃም ዓቕሚ ክብ ናይ ምባልን ምስቲ ምዕባለ ዝመጣጠን ሐይልን ዓቕምን ሰብ ምስንዳውን እቲ ዘለካ ሓይልን ዓቕምን ሰብ እውን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ምስቲ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ስነ ኣሃዝ ምዕበለ መታን ክራኸብ ቀጻሊ ሕንጸት ናይ ሕዳሴ ሕንጸት ክረክብ ምግባርን ዝብል ነጥብታት እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣነጺሩ ዘመልከቶ ሓሳብ ምኻኑ ጠቒሰን እቲ ምጥቃም ናይ ስነ ኣሃዝ እደ ጥበብ ምዕባለ ምስ ደጋዊ ክፍሊ ንምርኻብ ዝብል ጥራሕ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ወንጌላዊ ተልእዀን ትምህርተ ክርስቶስን  እውን ንምሕያል እዩ። ናይ እምነት ሕንጸትን ምስክርነትን መጋበሪያ ምግባር እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ኩሉ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ምርኻብ ዝብልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያ ርክባት የካይድ። ስለዚህ እዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ዕድል ስለ ዘለዎ ሓሳባትን ርእይቶን ካብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝበጽሖ ይኸውን። እዚ ተመክሮ’ዚ ብስምረትን ብቕዓትን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣገልግሎቶም ንምድጋፍን ንምግልጋልን ዘብርትዖ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ንመጀመሪያ ጊዜ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 5 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መኽፈቱ ቃለ ምዕዳን ኣበጊሱ ዘካየዶ ቀዳማይ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሰመረሉ ሓሳብ ምንባሩ የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.