2017-06-17 16:32:00

እናሰሰነ ዝኸይድ ዓሚቚ ርክብ ካቶሊካዊትን ኣንክግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን


ኣብ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ሕርየት ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ ብፅዕ ካርዲናል ቦርጎሊዮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ  ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም.  ኣብ ወርሒ ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ካንተርበይ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ልኡኽን ኣብ ሮማ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ተሰምዮም ነርባዕተ ዓመት ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳስ ዳቪድ ማክሶን ብቤተ ክርስቲያኖም ናብታ ዝተመደብላ ሃገረ ንውዚላንድ ቅድሚ ምንቃሎም ዕለት 16 ሰነ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ምምራጾም ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ብዙሓት ሃገራትን ሃይማኖን መራሕትን በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምዕራጐም ልክዕ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ናይ ካንተርበይ ናይ ውህደት ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ መንፈሳዊ መራሔ ኰይኖም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልብይ ብቤተ ክርስቲያኖም ከምእተሓርዩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ድሕሪ ሕርየት ሊቀ ጳጳሳት ወልብይ ሊቀ ጳጳሳት ዎክሶን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክን ኣንግሊካዊትን ናይ ሓባር ድርገት ካልኣይ ኣቦ መንበር ኰይኖም ተመሪጾም ዘገልግሉ ምዃኖም ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ብሩንዲ ካብ 2005 ክሳብ 2016 ዓ.ም. ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ መንፍሳዊ መራሒ ኰይኖም ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳት በርናርድ ንታሆቱሪ ኣብ ሮማ ናይ ውህደት ኣግሊካዊት ቢተ ክርስቲያን ሓዋያዊ ወኪል ከይኖም ከምእተሰምዩን ኣገልግሎቶም ብወግዒ መስከረም 2017 ዓ.ም. ዝጅምሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ሞክሶን ኣብ ሮማ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ዓሚቚ ርክብ ኣናሰሰነ ይኸይድ ከምዘሎን እዚ ድማ ብዝተፈላለየ ግብራዊ ፍጻሜታት ሊጡርጊያዊ ድዩ ብቲዮሎጊያዊ ጽፍሒታት ዝተሰነየ ዓሚቚ ምቅርራብን ምትሕብባርን ይረጋገጽ ከምዘሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ዕለት 13 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዝዓረገ ጸሎተ ዘሰርክን ድሓር እውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዘቸሊዮ ባዚሊካ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልይ ብሓባር ጸሎተ ዘሰርክ ኣዕሪጎምን ፊርማኦም ዘንበሩሉ ናይ ሓባር ናይ ውሳኤ ሰነድ እውን ከምዘጽደቑ ዝዘከሩ ሊቀ ጳጳሳት ሞክሶን ቀጺሎም እዚ ኩሉ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ዓሚቚ ምዃኖ ይምስክር። ስለዚህ እቲ ርክብ ሰውራዊን ቅጽበታውን ዘይኰነስ ፍልቀታዊ እዩ ኢሎም።

ካቶሊካዊ መንፈሳውነት ብፍላይ ድማ እቲ ብቕዱስ ኢግናዚዩስ ዘሎዮላን ብቅድስቲ ኪያራን ብቕዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ዝግለጽ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸክሶ ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ኣገልግሎቶምን መንፍሳውነቶም ዝንጸባረቕ እዩ። ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጥልቂ ንምርዳእ ናይ ቅዱስ ኢግናዚዩስ መንፈሳውነት ልልያን ከምኡ እውን ፍራንቸስካዊ ስነ ተልእኮ ምስትውዓል የድሊ እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.