2017-06-21 20:41:00

ር.ሊ.ጳ ኣብ ቦዞሎን ባርብያናን ዝበሃላ ቊምስናታት ሰሜን ዓዲ ጣልያን ዝገበርዎ ናይ ግሎም መንፈሳዊ ንግደት


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ሎሚ ንግሆ ዕለት 20 ሰነ 2017 ዓምፈ ቦዞሎን ባርብያናን ዝበሃላ ቊምስናታት ማእከል ዓዲ ጣልያን ብምኻድ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣቦታት ድኻታት ብማለት ዝፍለጡ ክልተ ካህናት ኣባ ማዞላሪን ኣባ ሚላኒን ዝበሃል መቃብር ብምብጻሕ ጸሎተ ሕልና ኣብጺሖም ንእግረ መንገዶም ንዝተቀበልዎምን ንዝረኸብዎምን ከኣ ኣባታዊ ቃሎም ሂቦም፣

ቅዱስነቶም ኣብ ቦዞሎ ምስ በጽሑ በቶም ናይ ኣባ ማዞላሪ ሥርዓተ ብፅዕና መጽናዕታዊ ጉዕዞ ንዝመጽእ ዕለት 18 መስከረም ብዕሊ ክእውጁ ኣብ ምቅርራብ ዝረከቡ ናይይ ክረሞና ሃገረስብከት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶንዮ ናፖልዮኒን ናይታ ከተማ ከንቲባን ምእመናንን ውዕውዕ ኣቀባብላ ተገሩሎም፣ ካብኡ ብቀጥታ ናብታ ኣባ ፕሪሞ ማዞላሪ ተቀቢሮምላ ዘለው ቊምስና ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኻድ ኣብቲ መቃብር ጸልዮም፣

ኣብቲ ኣባ ፕሪሞ ማዞላሪ ቆሞስ ዝነበረላ ቊምስና ቅዱስ ጴጥሮስ ንክቅበልዎምን ከሰንይዎምን ዝመጹ ሰባት ‘ኣባ ማዞላሪ ቤተክርስትያንና ንድኻታት እትሓቊፍን ንዝረሓረቁ እትደልን ክትከውን ይምሕጸነና፣ ነዚ ሓደራ ተቀቢልና ከኣ ቤተ ክርስትያን ከም በዓል ኣባ ፕሪሞ ማዞላሪ ዚኣመሰሉ ጓሶት ንድኻታት ብምቅባሎምን ንርሑቃት ሃሰስ ብምባሎምን ኣይነጓንዮም` ምስ በሉ ናይ ክረሞና ጳጳስ ከኣ ብወገኖም `ሎሚ ኣብዚ ቦታዚ ነቲ ኣባ ማዞላሪ ዘስተንፍሶ ዝንበረ ዝመሳሰል መዓዝ ወንጌል ነስተንፍስ ኣሎና’ ድሕሪ ምባል ንዝመጽእ ዕለት 18 መስከረም 2017 ዓምፈ ጉዳይ ብጽዕና ኣባ ማዞላሪ ብወግዒ ክጅመር ምዃኑ ገሊጾም፣

 

ቅዱስነቶም ንናይ ኣባ ፕሪሞ ማዞላሪ ተጋድሎ ንምግላጽ በቲ ትዊተር ዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ገሮም ‘ኣባ ማዞላሪ ብዛዕባ ዝሓለፈት ቤተክርስትያን ከየዕዘምዘመ ንቤተክርስትያንን ንዓለምን ብፍቅሪ ክልውጥ ጽዒሩ’ እንክብሉ ገሊጾም፣

 ካብዚ ብምቅጻል ናብ ባርቢኣና ከዱ ኣብኡውን ናይ ከተማ ፊረንሰ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጁሰፐ በቶሪን ናይታ ከተማ ከንቲባን ምእመናንን ተቀቢሎምዎም፣ ኣብዚ እውን መቃብ ኣባ ሎረንሶ ሚላኒ ድሕሪ ምብጻሕን ናይ ግሊ ጸሎት ምዕራግን  ነቶም ክቅበልዎምን ከሰንይዎምን ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ‘ሕጽር ብዝበለ ኣባ ሎረንሶ ሚላኖ ከም መስትያት ግሉጽን ከም ኣልማዝ ተሪርን ነበረ፣ ኣብ ከተማ ባርብያና ካብ 1954 ክሳብ 1967 መምህር ነበረ፣ ኣብ መቃብሩ መጺኤ ክጽሊ ዝሓሰብኩሉ ንዝኽሪ ናይቲ ንገዛእ ርእሱ ንክርስቶስ ብምውፋይ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ነሕዋትካን ኣሓትካን ከመይ ገቢርካ  ደሊኻ ከም እትረኽቦምን ከም እተግልግሎምን ምስክርነት ንዝሃበ ኣኽብሮተይ ክገልጽ እየ መጺኤ፣ ንስኹም ነበርቲ እዚ ዓድዚ ድማ ከም ውፉይ መምህር ከመይ ገቢሩ ንሰባት ብሰብኣዊ ወገን ኣንቂሑ ናብ መልእልተ ባህርያዊ ከምዘብጽሔ መሰኻኽር ኢኹም፣ ንኣባ ሎረንሶ ሚላኒ መግለጺ ክህነቱ ትምህርቲ ነሩ ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ ንሰባት ምምሃር ማለት ንድኻታት ቃላቶም ትመልሰሎም ከመይ ብዘይ ቋንቋ ክብረት ይኹን ነጻነት ከምኡ እውን ፍትሒ የለን ቢሉ ስለዝኣመነ እዩ፣ ከቢድ መስዋዕትነት ዝሓትት ሥራሕ እዩ ነሩ ግን ምሉእ ብምሉኡ ነዚ ስለዝተወፈየ ተዓዊቱ` ድሕሪ ቢሎም ናብቶም ኣባኡ ዝነበሩ ካህናት ምልስ ኢሎም ከኣናይ እምነት ሰባት ኮይኖም ንቤተክርስትያን ከፍቅሩን ናይ ኩሉም ኣደ ምዃና ብሕልፊ ከኣ ንድኻታትን ንድኹማትን ከምእትሓሊ ብግብሪ ብምምስካር ብካልኦት ከምእትፍቀር ክገብሩን ሓደራ ኢሎምዎም፣

ኣብዚውን ቅዱስነቶም ንናይ ኣባ ለረንሶ ሚላኒ ተጋድሎ ንምግላጽ በቲ ትዊተር ዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ገሮም ‘ኣባ ሚላኒ ንዓለም ዘርኣያ ቤተክርስትያን ኩሎም ንእግዚኣብሔር ክረኽቡ ዕድል ክህልዎ ለይቲ ምስ መዓልቲ ኣትጽዕትን ገጽታ ኣደ  ዘለዋን እዩ፣’ እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ 

ነዚ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ግላዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ናብ መንበሮም ብሰላም ተመሊሶም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.