2017-06-22 18:35:00

ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ቅዱሳን ክንከውን ንኽእል ኢና! ር.ሊ.ጳ.


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ዕለት 21 ሰነ 2017 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ኣብ ኣተሓሳስባና ቅዱሳን ካብ ምዃን መጠፋፋእቲ ምዃን ዝቀልል ኮይኑ ይረኣየና። ኮይኑ ግን ከምኡ ኣይኮነን እግዚአብሔር ስለዝሕግዘና ቅዱሳን ክንከውን ንኽእል ኢና’ እንክብሉ ነቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ጀሚሮም ሶሙን ሶሙን ዝገልጽዎ ዘለዎ ተስፋ ክርስትያን ቅዱሳን መሰኻኽሩን ዘሰንዩናን ምዃኖም ኣብሪሆም፣

ቅዱስነቶም ቅድሚ ኣብ ቅርዓት ጴጥሮስ ምስ ነጋድያንን ምእመናን ተራኺቦም ትምህርተ ክርስቶስ ምቅራቦም ኣብ ኣደራሽ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ 43 ዝኾኑ ወከልቲ ናይ ሃገራዊ ሊግ ኲዕሶ እግሪ ተራኺቦም፣ ወትሩ ከምዝገብርዎ ድሕሪ ሰላምታ ናይ ጸወታ ክብርታትን ወግዕታትን ብተኣማንነት እንተተኸቲልናዮም ናይ ምርኻብ ባህሊ ንምህናጽ ክሕግዝ ከምዝኽእል ገሊጾም፣

ቅዱስነቶም ንመደብ ትምህርተ ክርስቶስ ብጸሎት ምስ ከፈቱ ካብ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ‘እግዚአብሔር ንኣና ዝበለጸ ነገር ስለዝሓሰበልና። ንሳቶም ብዘይካና ኣብ ፍጻሜ ምእንቲ ከይበጽሑ፡ ነታ ዝሃቦም ተስፋ ንሕና ዘይብሉ ክረኽቡ ኣይከኣሉን፣ እምበኣርሲ ንኣና’ውን ክንዲ እዚኦም ዝኣኽሉ መሰኻኽር ከም ደመና ከቢቦምና ኣለው እሞ ነቲ ዝኸበደናን ዘደናግረናን ዘሎ ኃጢኣት ደርቢና፡ በቲ ተሓንጺጹልና ዘሎ መሥመር ብትዕግሥቲ ንቀዳደም፣ ሃምናን ቀልብናን ናብ’ቲ ናይ እምነትና ዋናን መፈጸምታን ዝኾነ ኢየሱስ ንግበር’ (11.40-12.2) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ተነበ፣

ቅዱስነቶም ትምህርቶም እንክኸፍቱ ንኩልና ዕለት ጥምቀትና ብምዝኽኻር ‘ሽሕኳ መብዛሕትና ኣብቲ ዕለት’ቲ ሕጻናት ኰና ኣባ ሕቊፉ ወለድና እንተነበርና እቲ ዘጠመቀና ካህን ቅድሚ በቲ ንጸላኢ ክንዋጋኣሉ እንኽእል ሓይሊ እግዚአብሔር ዝህበና ቅዱስ ዘይቲ ምቅባኡ ማሕበረ ክርስትያን ስለና ክጽልዩን ኣማልድነት ቅዱሳን ክምህለሉ ይእዝዝ፣ ኣብዚ ፈላሚ ሁመት እዚ ከኣ እዩ ሓለዋ ናይቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝኾኑ ቅዱሳን ዝዕደለና፣ እዞም ቅዱሳን እዚኦም ነታ ክንከዳ ዝግበኣና ጉዕዞ ሕይወት ተጓዒዞም ዝተዓወቱን ኣብ ሕቊፊ እግዚአብሔር ዝነብሩን እዮም፣ መልእኽቲ ዕብራውያን ‘ከም ደመና ከቢቦምና ዘለው መሰኻኽር’ ዝብሎም ከኣ ነዚኦም እዩ፣ ቅዱሳን መሊኦም ኣለው መሰኻኽር ከኣ እዮም፣ በዚኸስ ክርስትያን ኣብቲ ተጻይ ክፍኣት ዝገብርዎ ቃልሲ ተስፋ ክቆርጹ የብሎምን፣

ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ወደር ኣልቦ ተኣማንነት ይዓጽድ፣ ናይ ጸልማት ሓይልታትን ዘሪጋታትን ከምዘይሕልዎ ይተኣማመን፣ ኣብ ታሪኽ ወዲሰብ ናይ መጨረሽታ ቃል  ጽልኢ ወይ ሞት ወይውን ውግእ ኣይኮነን፣ ከምቲ ኣኰቴተ ቁርባን ዝገልጾ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ናይ ሕይወትና ኢድ እግዚኣብሔር ትሕግዘና ናይቶም ብምልክት እምነትና ቀዲሞምና ዝሓለፉ ኣመንቲ ሓገዝውን ኣይፍለየናን እዩ፣ ታሪኽ ሕይወት ቅዱሳን ሕይወት ክርስትና ዘይጭበጥን ዘይብጻሕን ሓሳብ ከምዘይኮነ እኳ ደኣ ብሓደ ኰና ንጸናናዕ በይንና ኣይኮናን ቤተክርስትያን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ንሕና ነሕልፎ ዘሎና ናብራ ዘሕለፉን ብዓወት ዝቀደሙናን ብዙሓት ካብኦም ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብሎም ቅዱሳን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝቆመት እያ፣ ናብ ቅዱሳን ዝግበር ምምላድን ምህለላን ኣብ ጥምቀት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወት ክርስትና ኣብ ሕጸ መርዓ ክህነት ንኩሉ ዘድሊ ጸጋ ንምርካብ ይደጋገም እዩ፣ እዚ ጸጋዚ ክሳብ ዕለተ ሞትና ከሰንየና ኢና እንልምኖ፣ ኣብ ቃል ኪዳን ክሳብ ሞት ሓቢሮም ዝነብሩሉ ጸጋ እምበር ከምዚ ገሊኦም ዝብልዎ ክሳብ ፍቅርና ዘሎ ኢልካ ኣይኮነን፣ ስለዚ እዚ ናብ ቅዱሳን ዝቀርብ ልመናን ኣማልድነትን ኩሉ ግዜ ምናዳ ናብራ ክኸብደናን ከሸግረናን እንከሎ ክዝውተር ኣለዎ፣ ነቲ መጽሓፈ ራእይ  ‘እዚኣቶም ብርቱዕ ሓሳረ-መከራ ዘሕለፉን ክዳውንቶም ብደም እቲ በጊዕ ሓጺቦም ዘጻዕደውን እዮም’ (7.14) ዝብሎ ብምስትንታን ኣብ ግዜ ጸገምና ኣዕይንትና ንሰማይ እነንቃዕርረሉ ትብዓት ክህልወና የድሊ፣ እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ፣ ሓገዝ ናቱ ኣብ ዘድልየና ግዜ ሓደ መልኣኹ ከምዝሰደልናን ካብ ዘሎናዮ ኣልዒሉ ምጽንናዕ ክህበና እዩ፣ እዚኦም መልእኽቲ እዚኦም ገጽታ ሰብን ርሕሩሕ ልቢ ሰብን ዝሓዙ እዮም ከመይ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ኣብ ማእከልና ተሰዊሮም እዮም ዝነብሩ፣ እዚ ክትርድኦን ክትሓስቦን ከቢድ እዩ ኮይኑ ግን ቅዱሳን ወትሩ ኣብ ማእከልና ኣለው፣ ሓደ ሰብ ሓደ ቅዱስ ወይ ሓንቲ ቅድስቲ ክጽውዕ እንከሎ ኣብ መንጎና ስለዘው እዩ፣.

እዚ ናይ ቅዱሳን ኣማልድነትን ምህለላን ኣብ መዓርገ ክህነት እውን ይግበር፣ ልብኻ ብዝትንክፍ መንገዲ እዚ ጸሎት እዚ ክግበር ከሎ እቶም ንክህነት ዝቀራረቡ ኣብ ባይታ ብኣፍ ልቦ ተደፊኦም ራዕ ኢሎም በጥ ይብሉ፣ ጳጳሳን ምሉእ ማሕበረክርስትያንን ከኣ ይምህለል፣ መዓርገ ክህነት ክትሓስቦ ከሎኻ ጥራይ የንቀጥቅጠካን ኣባኡ ተጨፍሊቅካ ከይትተርፍን ትሰግእ ኮይኑ ግን ኩሉ መንግሥተ ሰማይ ምስ ሰራዊቱ ኣብ ጐድንኻ ከምዘሎን ኢየሱስ ክሳብ መወዳእታ ከምሰንየካን ጸጋ እግዚኣብሔር ከምዘይፍለየካን ምስ ተኣማመንካ ትቀስን ሓይሊ ከኣ ትለብስ፣ ስለዚ በይንና ኣይኮናን፣

ድሕሪ ቢሎም ናባና ምልስ ይብሉ እሞ ‘ንምዃኑ ንሕና እንታይ ኢና’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ‘ሓመድ ኢና ከም በኾኻ ንሰማይ ገጹ ዝዓርግ፣ ሓይልታትን ድኹማት እየን ኮይኑ እቲ ኣብ ሕይወት ክርስትያን ዘሎ ምሥጢር ጸጋ እግዚኣብሔር ካብ ኩሉ ዝሓየለ እዩ፣ ነታ ኢየሱስ ክሳብ መወዳእታ እስትንፋሱ ዘፍቀራ ምድሪ ተአመንቲ ኢና ኮይኑ ግን እዚ ምድሪ እዚ ናብቲ ዝተመደበሉ ናይ መጨረሻ ፍጻሜ ንብዓትን ክፍኣትን ስቃይን ናብ ዘይብሉ ክልወጥ ምዃኑ ንፈልጥን ተስፋ ንገብርን፣’ ቢሎም ምስ መለሹ ኣብዚ ምድሪ ከሎና ሕይወት ቅድስና ከመይ ከምዝርከብ ከኣ ከምዚ ኢሎም ይትንትኑ፣   እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ቅዱሳን ናይ ምዃን ተስፋ ይዓድለና፣ ምናልባት ሓደ ካባኹም ኣባቴ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ቅዱሳን ክንከውን ንኽእልዶ! ቢሉ ክሓተኒ ይኽእል፣ ኣነ ከኣ እወ ይከኣል እዩ እብሎ፣ ቀጺሉ እውን እሞ ከምኡ እንተኾይኑስ ምሉእ መዓልቲ ክንጽሊ ጥራይ ክንውዕል ኣሎና ማለት ድዩ! እንተበለኒ ከኣ ኣይፋሉን፣ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ቅዱስ ምዃን ማለት ብቀዳምነት እቲ ክትገብሮ ዘሎካ ዕለታዊ ተግባርካ ብግቡእ ክትፍጽም ኣሎካ ጸሎት ስራሕ ደቅኻ ምሕብሓብ ወዘተ። ኮይኑ ግን ንኩሉ ልብኻ ናብ እግዚኣብሔር ብምዕራግ ክተግብሮ ኣሎካ ክትሰርሕ ከሎኻስ ይኹን ወላውን ኣብ ሕማምን ስቃይን ጸገምን ወትሩ ንእግዚኣብሔር ክፉት ክትከውን ኣሎካ፣ ከምዚ ብምግባር ቅዱሳን ክንከውን ንኽእል፣ እዚ ጉዳይ እዚ ምናልባት ከምቲ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባና እንብሎ ቅዱስ ካብ ምዃንሲ መጠፋፋእቲ ምዃን ይቀልል ብዝብል ኣምር ጉዳይ ቅድስና ከቢድ ነገር ጌርና ኣይርኣዮ፣ ቅዱሳን ክንከውን ይከኣል እዩ ከመይ እግዚኣብሔር ይሕግዘና እዩ፣

ቅድስና ነፍሲ ወከፍና ነዚ ዓለምዚ ክነወፍዮ እንኽእል ዓቢ ህያብ እዩ፣ ነዚ ዓለምዚ ናይ ክርስቶስ ምስሊ ክንከውን እግዚኣብሔር ብምሉእ ልብና ነዚ ክንኣምን ጸጋኡ ይዓድለና፣ ታሪኽና ባሕታውያን የድልይዎ ኣለው፣ እዚኦም ንዝኾነ ምልኪ ዝኣብዩን ንፍቅርን ሕውነትን ሃንቀው ዝብሉ እዮም፣ ንናይ ካልኦት ድኻም ንምጻር ንእሽቶ ስቃይውን ትኹን እናተጻወሩ ዝነብሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣለውና፣ ክንፈልጦ ዘሎና ብዘይካ ናይዚኦም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ተወፋይነት ዓለምና ተስፋ እምበይምሃለዋን፣ ስለዚኸስ እግዚኣብሔር ንዓኹምስ ይኹን ንዓይ ቅዱሳን ናይ ምዃን ተስፋ ክህበና እምነ፣ እግዚኣብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.