2017-06-23 09:36:00

ሓልዮትን ረድኤት ቅዱስ ኣቦና ንደቡብ ሱዳን


“ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ደቡብ ሱዳን”  ብዝብል መደብ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ዕዮ ሕርሻን ደገፍ ዝውዕል ናይ ፍርቂ ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ናብታ ካብ 2013 ዓ.ም. ንነጀው ብምኽንያት ላዕለዎት ናይ ፖሊቲካ ኣካላት ምስሕሓብ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ተሓሚሳ ንእትርከብ ደቡብ ሱዳን ከምዝለገሱን እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ግብረ ሰናይ ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ማሕበራትን ልኡካነ ወንጌልን ከምእ እውን ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ ተቛማት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ነዘካይድዎ ግብረ ሰናይ ዘሰንይ ከምዝዀነ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ምስቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘገልግሉ ናይ ካቶሊክ ናይ ረድኤት ማሕበራትን መንፍሳዊ ማሕበራትን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ናይ ረድኤት ተቛማት ወከልቲ ብሓባር ዕለት 21 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ዓለም ዘይሰምዕ እዝኒ ዘቕርበሉ ኣብ ሱዳን ብዝካየድ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ምኽንያት ልዕሊ 7 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ንስቓይ ስእነት መግብን ጥምየትን ከምኡ እውን ሓደ ሚሊዮንን ፈረቓን ንስደትን ምዝብልናን ከምዝዳረገ በሸሓት ዝቑጸሩ ድማ ንሕማም ሽሮኽ ሓደጋ የቃልዕን ከምዘሎን ሞትን ቅትለትን ንጹሓን ዜጋታት ንቡር ተመክሮ እናዀነ ይኸይድ ከምዘሎን ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ካብ ምጽላይን ስለ እቶም ንጹሓን ዜጋታት ብዙሕ ከምዝሻቐሉን በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእን ኣልቦ ውሑስ ኩነት ጸጥታን ሰላምን ንዝነበሮም መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ደቡብ ሱዳን ዘይክኡል ዝገብሮ ከምዝመስልን፡ ሕጂ እውን ስለ እታ ሃገርን ሕዝባን ምሕሳብ ከምዘየቋረጹ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ገሊጾም።

ሓገዝ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ከምኡ እውን ኣብ ዕዮ ሕርሻን ዝውዕል ኰይኑ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣዚዮም ዝተረስዑን ነቶም ሕዱጋት ኣብ ጠርዚ ክፍሊ ሕብረተሰብን ከተማታትን ህልውናን ንዝርከብ ድኻታትት ጎድኒ ቆይማ ስሌኦም ብዝተፈላለየ መዳይ እናተጣበቐት ንትእተካይዶ ግብረ ሰናይን ሓልዮትን ዘቃልሕ ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ይብሉ፥ “ቅዱስ ኣቦና ሕጂ እውን ናብ ድቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ዘለዎም ሓንቀውታ ልዑል እዩ፡ እዚ ድላዮም’ዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክውን ክኸውን ዓቢይ ተስፋ ኣለዎም። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ተስፋ ማዕጾዋ ዘይትዓጽው እያ። ስለዚህ ነታ ኣብ ጽንኩር ኩነት እትርከብ ሃገር ደቡብ ሱዳን እተሓስብ ክትከውን እንከላ ኩሉ ኣብ ደገፍ’ታ ሃገር ክነጥፍ ድማ ብምትሕስሳብ ሓልዮት እግዚኣብሔር ብዙሕ ጊዜ እቲ ተስፋ ዘቕህም ልቢ ሰብ ዘይግምቶ ነገራት ዝኽውን እዩ” ከምዝበሉ ቸራዞ ገሊጸን።

ማሕበር ኮምቦናውያን ደናግል ኣብ ዋውን ንዛራን ዝርከቡ ኣባይቲ ሕክምና ዘመሓድራ ነቲ ዘካይድዎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መሳለጢ ዝውዕል ሓደ ክፋል ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኤኮኖሚያዊ ሓገዝ ተቛደስቲ ከምዝዀና ክፍምልከት እንከሎ ኣብ ብዛራ ዘገልግላ ዘለዋ ኮምቦናዊት እናቴ ላውራ ገሚኛኒ፥ “ኣብቲ ቤት ሕክምና መጥባሕትን ሕይወት ኣዴታትን ዝውለዱ ሕጻናትን ንምድሓን ዘሕርስን ኮታ ኩሉ ዘድሊ ሕክምናታት ዝፍጽም  ሓደ ሓኪም ጥራሕ ከምዘሎን” ሓቢረን “ኣቡኡ ዘገልግላ ዘለዋ ኮምቦናውያን ደናግል ነቲ ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከብ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ንበይኑ ከምዘይሓድገኦምን ምስኡ ኰይነን ናይ ስቓዩ ተኽፈልቲ ብምዃን ዝከኣለን ደገፍ ከምዘቕርባን እቲ ሓገዝ ቅዱስ ኣቦና ድማ ዘበርትዓናን ኣብኡ ከነገልግል ትግሃ ዝብል እዩ፡ እቲ ዝሃቡና ሓገዝ ንኣፋውስን ነቶም ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዘገልግሉ ዘለዉ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ደሞዞም ንምኽፋልን ዝውዕል እ|ውን እዩ፡ ምስቲ ሕዝቢ ሓቢርና ኣብ ጎድኑ ኰይና ምንባርና ሕዝቢ ክርእይ እንከሎ። ተስፋ ክስምዓና ዝግበረና እቲ ሰደተይና ኣብ ጎድንና ምህላዉ እዩ”  እንክብላ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከታ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።

ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ሓልዮት ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ናይ እተሰምየ ኣብ ደቡብ ሱዳይ ዘገልግሉ ናይ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ማሕበራት ደናግልን ካህናትን ዝሓቁፍ ኣብ ጐድኒ ናይ ደቡብ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኰይኑ ዝገልግል  ስሙር ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ንዘካይዶ መደብ ሕንጸት መሳለጢ ዝውዕል ካብቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓደ ክፋሉ ተጠቓሚ ከምዝዀነ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ መዳይ ሕንጸት ዝቐርብ ሓገዝ ዘዋህዳ ናይቲ ስሙር ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣመሓዳሪት እናቴ ጁዲት ፐሪየራ ሪኮ እውን ብውገነን ከምዝገለጻን ናይቲ ዝተፈላለዩ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ እተሰምየ ማሕበር ግብረ ሰናይ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሚካኤል ሮይ ኣውን ብወገኖም፥ ሓደ ክፋል ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኤኮኖሚ ሓገዝ ኣብ ዕዮ ሕርሻ ዝውል ብምዃኑ ነቲ ናይቲ ከባቢ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብምድጋፍ ክብሪ ሰብ ነኽብር እንክብሉ ከምዝገለጹ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ግበረ ሰናይን ካብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን ካብቲ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ምዓባለ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዝተዋጽኤ ከምዝዀነ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ገሊጾም ቅዱስ ኣቦናን ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክረጋገጽን ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽብጻሕ ብመንጐይና ከም ኣተዓራቕ ኣካል ብዙሕ ይጽዕሩ ኣለዉ እንክብሉ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግልጺ ከምዝዛዘሙ ኣመልኪተን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 19 ሰነ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሰበኻ ሮማ ዝርከባ ቁምስናታትን ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ማሕበራትን ናይ ዝተዓቖቡ ስደተይናታት ወከልቲ ነቲ ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያናዊ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ ዝረባ ቅድሚ ምኽፋቶም ተቐቢሎም፡  እቲ ኣብ ኢጣሊያ “ጋሻ ከይነ መጺኤ ..” ዝብል ቃል ኣምሪሑ “ጓሻ -  ሰናይ ዝግበር ሰብኣዊ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዮ ዝካየድ ዘሎ ንናይ ስደተይናታት ሓልዮ ጎስጓስ ንኢዶም፡ ስለ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ምዕያይን ስለኤም ጠበቓ ምቛም ምርጫ ኣይኰነን ወንጌላዊ ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉን ሕውነታውነት ክንየው ሃይማኖታዊ ፍልልይ ዝብል ካብ ሃይማኖት ንላዕሊ ኵላዊ (universale) እዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዕለት 21 ሰነ 2017 ዓ.ም. ሕተመቱ የመልክት።

ቅዱስነቶም ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል ምስቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ስደተይናታት ተራኺቦምን ብዝተፈላለዩ ስደተይናታት ብዝውክሉ ቋንቋታት “ቅዱስ ኣቦና ናይ ልብኻን ናይ ቤተ ክርስቲያንን መዓጹ ዝለ ዝኸፈትካልና የቐንየልና” ዝብል ፍቕርን ቅርበትን ንቅዱስ ኣቦና ዝገልጽን ስለ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝገብርዎ ሓልዮትን ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ስለ ስደተይናታት ዝፍጽምዎ ግብረ ሰናይን ፍሉይ ጠበቓ ኰይኖም ዝገልጽዎ ፍቕሮም ኣፍልጦ ዝህብ ቃል ዝሰፈሮ መልእኽቲ ብሓሙሽተ ሕጻናት ስደተይናታት ከምተረከቡ ዝሓበረ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣተሓሒዙ፥ ኣብቲ ርክብ ናይ ሰበኻ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒን ከምኡ እውን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ሰበኻ ሮማ ዋና ኣመሓዳሪ የኔታ ኤንሪኮ ፈሮቺ ከምእተረኸቡ ገሊጹ፥ ኣብዚ ምርካብኩም ነኣኻትኩም የቐንየለይ፡ ክትረኽቡኒ ብምምጻእኩም የቐንየለይ ዝብል ኣነ እየ። ኩላትና ዘርኢ ፍጥረት ሰብ ኢና። ክርስቲያን ንኹን ሰዓብቲ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኩላትና ፍጥረት ሰብ ኢና። ኣሕዋት ኢና። ጸኣት ስደተይናታት ዓቢይ ጸገም እዩ። ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቲ ዝተታኸሰ ሕልናናን ክምኡ እውን ካብቲ እንነብሮ ዘሎና ሸለልተይና ባህሊ ንኽንላቐቕ ዘንቅሓና ናይ ህልና ደወል እዩ። ቁምስናታት ሰበኻ ሮማ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን መዓጸውን ክፉት ብምግባረን ብሓቂ አመስግን ኩለን ቁምስናታት ምናልባት ዓቕሚ ዘይብለን ይዀና ገሊኣተን ድማ ንስደተይናታት መዕቆቢ ዝኸውን ኣባይቲ ይካረያ ገሊኣቶም ስደተይናታት ድማ ኣብ ገለ ገለ ኣባይቲ ኣባላት ቁምስና ተኣንጊዶም ይርከቡ ኣወ “ጋሻ ከይነ መጺኤ … ተቐበልኩምኒ”  እዚ እዩ ሕውነት እንክብሉ ኣብቲ ርክብ ዝለገስዎ ቃል ከምዝዛዘሙ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.