2017-06-24 18:21:00

ሰንበት ዘአስተምህሮ ሰነ 18 2009 ዓ.ም (6/25/2017)


ንባባት፡ ሮሜ 5፡12-15፥ (ኤር 20፡10-13) ፫ዮሓ 1፡1-ፍ፥ ግ.ሓ.14፡20-ፍ፥ ማቴ.10፡26-33  ምስባክ:  አንተ እግዚኦ መሓሪ ወመስተሣህል፥ ርኁቀ መዓት ወብዙኅ ምሕረት ወጻድቅ፥ ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ። “ንስኻ ኦጎይታ መሓርን አጸባቕን ኢኻ፥ ካብ መቕጻዕቲ ርሑቕ ብዓል ብዙሕ ምሕረትን ጻድቕን ኢኻ፥ አባይ ጠምት እሞ ምሓረኒ”።

ካብ አባ ገሪማ 17 ሰነ ክሳዕ ብአተ ክረምት 25 ሰነ ዘሎ አብ ስርዓት ሉጡርግያና ዘአስተምህሮ ተባሂሉ ይጽዋዕ ሓንቲ ወይ ክልተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ንሎሚ ሰንበት ዝዝመር መዝሙሩ፥

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ነርድእቱ አይትፍርሁ ኢልዎም። ሰባት አብ ሕማቕ ጊዜን ዋሕስ ድሕነት አብ ዘይብሉ ጊዜ ክፈርሑ ክጠራጠሩ ባህርያዊ እዩ። ምስ ፈራሕካ ምህዳም ምኽሓድ ምጥርጣር ኮታስ ብዙሕ ንሰብ ዘየቕስን ነገራት ምስኡ ይመጽእ። ኢየሱስ ዝበሎም ቃላት ጥዑማት እዮም ግን አብ ጊዜ ጸገም ሓቀኛ ዋሕስ ክኾኑና ይኽእሉድዮም? ሰብ ስለምንታይ እዩ ዝፈርህ?

አብዚ ዘሎናዮ ዘመን መብዝሕቱ ዘሎ ጠንቂ ፍርሃት ብዛዕባ ቍተባዊ ንዋታዊ ዋሕስ ወላ ጊዜ ጽቡቅ ከሎ እዩ። አብ ገለ እዋን ጽቡቕ ክንህሉ ይክአል እዩ ግን ንነውሕ ጊዜ ክጸንሕ ይክአልድዩ? ወንጌል ግን ብዛዕባ እዚ ነገራት አይ ኮነን ዝግደስ። አብ ጽሩያት ክርስትያን ንዋታውን ቍጠባዊ ዋሕስ ከም ቀንዲ ጸገም ክርአ አይግባእን ምኽንያቱ አመንቲ አብ ነነድሕዶም አብ ኩሉ መዳይ ክተሓጋገዙን እቶም ዘልኦም ምስቶም ዘይብሎም ክማቐሉን እዮም። አብ ሓቂ ክንርእዮ ከሎና ግን እዞም ናይ ብሓቂ ክርስትያን እንብሃል ነዞም ዝብሃሉ ዘለዉ አብ ተግባር ነርእዮምዶ? ሓቀኛ ክርስትና ንነብሮዶ አሎና?

ንባባትና ንፍሉይ ጸገማት ማለት ንትምህርቲ ወንጌል ብሓቂ ብዓቢ ተገዳስነት ክነብሮ ምስ ከአልና ዝርከብ ሓጎስ ይገልጹ። ሎሚ ብምሉእ ተኸልቲ ክርስቶስ ክንከውን እንተኾና ንክርስቶስ ብምሉእ ክንስዕቦ ንሕተት አሎና (ሰንበት ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዝኸዱ ካቶሊክ ከይንኸውን ማለት ፈጸምቲ ስርዓት ጥራሕ ከይንኸውን) ንመልእኽቲ ክርስቶስ መልእኽቲ ፍቕሪ አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ምግባር፥ ሓቂ/ፍትሕን ሰላምን ብቃልን ብግብርን አብ ግብሪ አብ ሕይወትና ክነርኢ እሞ ነቶም ነዚ ከይግበር ዝኽልክሉ ከም ዘስግእ ገሮም ንዝርእይዎ ብትብዓት ደው ክንብል አሎና። ምስ ዝነፈሰ ምንፋስ ባህሪ ክርስትናና አይ ኮነን። 

ሎሚ ንብዙሓት ከቢዱ ዘሎ ጽሩይ ጥዑይ ክርስትያን ዝብሃል ብብዙሓት ዝፍቶን ብዙሓት ዘድንቕዎን ገርካ ምርአይ እዩ። ግን ብአንጻር ከምዚኦም ዝአመሰሉ ሰባት ምእንቲ ናይ ገዛ ርእሶም ስም እምበር ስም ኢየሱስ አብ ሕይወቶም ቦታ የብሉን። 

ናይ ብሓቂ እሙን ክርስትያን ዝብሃል ከምቲ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ዘፍቅሮ ብምሉእ ንኻልኦት ምፍቃር ግን ማዕረ ማዕሪኡ በቲ ዝገበርካዮ ከምእትፍቀር መረጋገጺ የሎን ብአንጻሩ ክትጽላእ ይክአል እዩ፥ ከምቲ ንክርስቶስ ዝገጠሞ “ፈደዩኒ እኪተ ህየንተ ሰናይት”። ክርስትናና ክንፍቅረን ብሰባት ብጽቡቕ ምእንቲ ክንርአ አይኮነን ነቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ብዛዕባ ራእይ ሕይወት ደቂ ሰብ ብቃልን ብግብርን ምስባኽ እዩ።

ምልክት ተጻብኦ፡

እዚ ብዙሕ ጊዜ ካብቲ መሰረታዊ ናይ ሰብ መለክዒ ንታሕቲ ንዝርአዩ አብ ሕብረተሰብና ምስ ርአኻ ዝልዓል እዩ። ክርስትያን ምልክት ተጻብኦ እዩ እዚ ኸአ አብ ክብርታት ሕይወት ዘሎና አረአእያ ምስቲ አብ ሕብረተሰብ ዘሎ አረአእያ አብ ምልክት ሕቶ ስለ ዘእቱ እዩ። ነዚ ብሰላምን ፍቕርን ወላ እውን ብዘይ ዝኾነ ጎነጽን አብ ጥቕሚ ዘይተመስረተ ገርካ ክትገብር ፈትን ብገለ ከም ግጉይ ፍርድን ንአንጻርን ንጽልእን ዓመጽን ክተለዓዕል ከም ዝገበርካዮ ይርአ አብ ገለ እዋን ሞት ዘስዕብን እዩ።

አብ ታሪኽ ክርስትና ብዛዕባ እዚ ሃብታም ተመክሮ አሎና። ሓደ ካብቲ አብ ዘመና እንርእዮ እዚ ብአኽረርቲ አስላም አብ ልዕሊ ክርስትያን ዝገብርዎ ዘለዉ ቅጥለትን ፍልሰት ህዝብን፥ አብ ኤልሳልቫዶር ሊቀ ጳጳሳት ኦስካር ሮመሮ ቅዳሴ እናገበሩ አብ መንጎ ብጥይት ተቐቶሎም፥ ድሕሪ ገለ ዓመታት ሽድሽተ ካህናት ብጨካን አቀታትላ ለይቲ ደቂሶም ከለዉ ካብ ዓራቶም ጎቲቶም ወሲዶም ቀቲሎሞም። እንታይ ስለ ዝገበሩ ተቐቲሎም እንተ በልና ኩሎም ብዘይ ሓንቲ ፍርሒ ምእንቲ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ግፍዕን ዓመጽን አብ ልዕሊ እቲ ውጹዕን ሓንቲ ኃይሊ ዘይብሉ ህዝቢ አብ ክንድኡ ስለ ዝተዛረቡ እዮም።

እዞም ከምዚኦም ዝአመሰሉ ሰባት ሱቕ ብምባል ከም ኩሎም ካልኦት ካቶሊካውያን አሕዋቶም ሰንበት ሰንበት እናኸዱ ክሓልፍዎ ምኽአሉ ነሮም፥ ኢዶም አብ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ነገራት ከየእተዉ አፎም ዓጽዮም እናረአዩ ከይረአዩ ኮይኖም ክነብሩ ምኽአሉ ነሮም። አብዚ ዘሎናዮ ዘመን እዚ አብ ብዙሓት ዘሎ ጸገም እዩ፥ እናሞትካ ሕይወት ከም ዘሎካ ምዃን ሰብ እናጠፍአ ገለ ብጥቕሚ ገለ ብፍርሒ ሱቕ ብምባል፥ ገለ ኸአ ስአን አፍልጦ ሱቕ ኢልካ ብዝብልዎ ተጸሊኻ ሆ ብምባል ንዓለም ሓሚስዋ ሰብ ክብሪ ስኢኑ ከም እንስሳ ክቕተል ክሳቐ ክእሰር ክጠፍእ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ።

ነዚ ዝግበር ዓመጽ ክንርኢ አብ ማእከላይ ምስራቕ ወይ ማእከላይ አመሪካ ክንከይድ ግድን አይ ኮነን፥ ሎሚ አብ ኩሉ ዓለም ክርስትያን ይህደን ይቕተል አሎ ዝገደደ አብቶም ክርስትያን ዝብሃላ ሃገራት። ገለ ከምዝብልዎ ዘመና ካብ ጊዜ ኢየሱስ ጀሚርካ ዝበዝሑ ክርስትያን ሰማዕታት ዝሞቱሊ እዩ።

አብ እምነት ጸኒዕካ ደው ምባል፡

ናይ ሎሚ ወንጌል አብ እምነትና ደው ክንብል ንሓቂ ንፍትሕን ካብ ምፍራስ ሞት ክንመርጽ ንገፋዕትን ቀተልትን ከአ ብዝይሓደ ፍርሒ ክንቋወሞም ይነግረና። ብዙሓት ነዚ አብ ሕይወቶም ዝገብርዎ አለዉ፥ አብ ቅድሚ ሰብ ንዝአመነኒ ኹሉ አነ ኸአ አብ ቅድሚ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ክእመኖ እየ፥ አብ ቅድሚ ሰብ ዝኸሓደኒ ግና አነ ድማ አብ ቅድሚ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ክኽሕዶ ይብለና። ማዕረ ማዕሪኡ ኸአ ናይ አምላኽ ሓለውን ሓገዝን ከአ የረጋግጸልና።  

ዝዓበየ ክሳራ ሕይወትና ምጥፋእ አይኮነን ወላእኳ ገለ ሰባት ንሕይወቶም ከድሕኑ ዘይገብርዎ ስምምዕ እንተዘየሎ ንአካላዊ ሕይወቶም ከድሕኑ ኩሉ እዮም ዝገብሩ። ከም ኢየሱስ ዝበሎ ነቲ ነፍስን ሥጋን አብ ገሃነም ኬእቱ ዝከአሎ ደአ ፍርህዎ እምበር ነቶም ንሥጋ ዝቐትሉ ንነፍሲ ግና ኪቐትሉ ዘይክአሎም አይትፍርህዎም። እቲ ዝዓበየ ፍርሒ ከይንቕተል አይኮነን ክኸውን ዘለዎ እንታይ ድአ ነቲ ናይ ሰብ እንታይነትን ክብሪን ዘጉድል ከይንጠልምን ከይንኽሕድን እዩ።

ሰውነትና ክነድሕን ብዋጋ ሓቂ፥ ፍቕሪ፥ ፍትሒ፥ ነጻነት፥ ሓድነት ደቂ ሰብ፥ ነዚ ኩሉ ክንክሕድ ከሎና ናይ ብሓቂ ድንገታውን ጎዳእን እዩ፥ እዚ ኸአ እዩ ናይ ብሓቂ ሞት ዝብሃል።

ነብያት፡

ገለ ካብ ማሕበር ክርስቶስ ብዝያዳን ልዕሊ ኹሉን አብቲ ተልእኮ ክውፈዩ ወይ ክዓዩ ዝጽውዑ አለዉ። እዞም ከምዚኦም ዝብሉ ሰባት ነብያት ንብሎም። ንዝመጽእ ነገራት ዝንበዩ ስለ ዝኾኑ አይ ኮናኑን ተሓርዮም፥ ሓቀኛታት ነብያት ነቲ ብእዋኖም ዝኸውን ነገራት አንቢቦም ዝኽእሉ እሞ ሕብረተሰብ አበይ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ አንፈት ይነግሩ። ውንስተን ቸርችል ዝብሃል ናይ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጠቕላሊ ሚኒስቴር ብ1930 ዝነበረ ምስ ሂትል ዝኾነ ርክብ ወይስ ስምምዕ ከይግበር አቐዲሙ ይርኢ ስለ ዝነበረ አብ ባይዮ ንበይኑ ደው ኢሉ። ሕጂ ክንርእዮ ከሎና ክሳብ ክንደይ ሓቂ ከምዝነበረ ክንርኢ ንኽእል። ንነገራት ቅድሚ ምዃኖም አቐዲምካ ምርአዮም።

አብ ኤር 20፡10-13 ተራ ናይ ሓደ ነብይ እንታይ ከም ዝኾነ ንርኢ። ኤርምያስ አብ መጀመርያ ፍቓደኛ አይነበረን፥ ነብይ ዝገብሮ ክእለት ዘለዎ ኮይኑ አይስምዖን ነሩ ግን አምላኽ ምስ አረጋገጸሉ እቲ አምላኽ ዝደልዮ ሰብ ኮይኑ። ነብይ ምስ ኮነ ቀልጢፉ ዘለልዮ ነገር መልእኽቲ አምላኽ አብ ህዝቢ ከብጽሕ ምስ ጀመረ ብዙሓት ጸላእቲ ከም ዝገበረ እቶም አዕሩኽቱ ዝነበሩ ከም ዝነጸግዎ ክርኢ ጀሚሩ። ክሰስዎ ንሕና ኸአ ክንከሶ ኢና ክብሉ ብዙኃት ክሓምይዎ ይሰምዕ ነሩ፥ ብኹሉ ስንባደ ከቢብዎ ከምዘሎ ይርኢ ነሩ። ኩሎም ፈተውቱ ዝነበሩ ውዲቱ ይቃጸዉ ብምርአይ ንዝንበሮ ጸገም ብግሉጹ ክርእዮ ጀሚሩ። እዚ ናይ ብዙሓት አብ አገልግሎት አምላኽ ዝወፈሩ ዕጫ እዩ።

አብ ታሪኽ ብዙሓት በዚ ዕጫ ከም ዝሓለፉ ንርኢ ከም አብነት ጋንዲ ናይ ህንዲ መራሒ፥ ማርቲን ሉተር ኪንግ አመሪካዊ ተጣባቓይ ፍትሒ ልፅቀሱ ይክአል። ሰባት ንሓቂ ስለ ዝጸልኡ ነቲ ዝብልዎ ከይሰምዑ ይቀትልዎም ወይ ይአስርዎም። ኤርምያስ ወላ እኳ ኩሎም ይጽልእዎ አምላኽን ሓቅን ምስኡ ከምዘለዉ ይፈልጥ ነሩ እዚ ኸአ እዩ ስንቂ ኮይንዎ ብዘይ ሓደ ስግአት ንሓቂ ዝዛረብ ዝነበረ፥ ንስኻ እቲ ኃያል ጅግና ዝኾንካ እግዚአብሔር ምሳይ ኢኻ፥ ስለዚ እቶም ሰጎግተይ ተዓንቂፎም ኪወድቁ እዮም፥ ስለ ዘይሰለጦም አዝዮም ኪሓንኩ እዮም፥ ነውሮም ድማ ንሓዋሩ አይክርሳዕን እዩ (ኤር 20፡11)።

ቅዋማውን ህቡብን፡

አብ ቤተ ክርስትያና ክልተ ዓይነት ነብያት አለዉ። ፩ይ ጋንታ፡ቅዋማውያን Institutional እዚኦም ከአ አቡናት ካህናት መማህራን ትምህርተ መለኮትን ካልኦት መራሕቲ ማሕበራት ሰብኡትን አንስትን ዘጠቓለለ እዩ። ቀንዲ ዝጻወትዎ ተራ ኸአ ኩልና እሙናት/ሓቀኛታት አብ ሓቅነት መንፈስ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ አብ እንነብሮ መዓልታዊ ሕይወትና ከም ውልቀሰባትን ብሓባርን ክንከውን ዝመርሑን ዝሕግዙን እዮም።

፪ይ ጋንታ “Charsmatic” ህቡባት ነብያት እዚኦም ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እቶም ናይ ብሓቂ ነብያት ዝብሃሉ እዮም። አብ ግዜና ማርቲን ሉተር ኪንግ ከምኡ ሊቃ ጳጳሳት ሮሜሮ፥ ማህተማ ጋንዲ፥. . . .  ክንጠቅስ ንኽእል። እዞም ሰባት ሕይወቶም አብቲ ዝአምኑሉ አወፍዮም። ማዘር ተረዛ በቲ ዝበለቶ ዘይኮነ በቲ ዝገበረቶ ነብዪት ክንብላ ንኽእል ነቲ አብ መንጎ እቶም ናይ ድኻታት ድኻታት ዘርአየቶ ፍቕርን ሓልዮትን አብኦም ክርስቶስ ከም እንረኽቦ ብምግላጻን። ነፍስወከፍና አብቲ ዝርዝር አስማት ነብያት አስማትና ክነእቱ እሞ ናይ እዋና ነብያት ክንከውን አብ ዓለምና። አብ ሃገርና አብ እንነብሮ ሃገር ሓቀኛታት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንከውን ይግብአና። እዋና ሓቀኛታት ነብያት ይሓትት አሎ። ንሓቂ ንፍትሒ ንመሰል ብሕይወቶም ብቃሎም ዝነግሩ እሞ ንግብረ ሰይጣን ብድፍረት ዝቋወሙ።

ኩልና ነብያት ክንከውን ጽውዓት ኢና።

ትንቢት ሓደ ካብቶም ፍሉያት ህያባት መንፈስ ቅዱስ እዩ፥ ብሓቀኛ ትርጉሙ ጸዋዕታ እዩ። ገለ ነብያዊ ህያባት አብ ኩልና ዘሎ ሥልጣን እዩ። ኩልና ዝተጠመቕና ንክርስቶስ ብሕይወትና ክንምስክር ዝተጸዋዕና ኢና። ኩልና ንትምህርተ ወንጌል ምስክርነት ብቃልን ብግብርን አብነትን ክንህብ ትሑዛት ኢና እዚ ኸአ አብ ገለ ምኽንያት ተጻይነት ክኸውን ይኽአል እዩ ብፍላይ አብ ስድራናን መቕርብናን አብያተ ትምህርትና አብ ሥራሕናን አብ ሕብረተሰብናን።

አብ ሕይወትና ከም ክርስትያን ዘይንፍለጥ እንተ ኾና፥ ወይ ክርስትያን ምዃና ካብ ካልእ ሓንቲ ፍልልይ ዘይነርኢ እንተ ኾይና፥ ቍምስናና ክርስትያናዊ ማሕበራትና ሓንቲ ምልክት ክርስትና አብ ከባቢናን ሕብረተ ሰብን ዘይነርኢ እንተ ኾይና ንርእስና እንሓቶ ነገር አሎ እዚ ኸአ እንታይ ዓይነት ክርስትና እየ ዝነብር ዘሎኹ? እንታይ ዓይነት ምስክርነት ወንጌል እየ ዝህብ ዘሎኹ ኢልና ንርእስና ክንሓትት አሎና።

አብ ሶምን ሓደ ጊዜ አብ ቤተ ክርስትያን ምእካብ እኹል አይኮነን። ሕይወትና ብግልናን ብሓባርን ብዝርአ ንሓቂ ንማዕርነት ናይ ኩሉ፥ ንቅንዕና፥ ንመንፈስ አገልግሎት አድሕድ፥ ንዘሎና ህያባት ወይ ጸጋታት ምስ ካልኦት ብፍላይ ጽጉማትን ድኻታትን ክንካፈል፥ ንድኻታትን ጽጉማትን ምእንትኦም ምጥባቕ. . . የድሊ።

ብርግጽ ንሓቅን ፍትሕን ንትምህርቲ ክርስቶስ ክንምስክር ደው አብ ዝበልናሉ ዝቋወሙ ከጥፍኡና ዝደልዩ፥ ስምና ዘኽፍኡ ኩሉ ጊዜ ክህልዉ እዮም ክገርመና የብሉን። ንአብነት አብ ኩሉ እንገብሮ ብቅንዕና ክነብር እንከሎና፥ ንሰባት ቅድሚ ናይ ግልና ጥቕምን ድለትን ክንሰርዕ ከሎና፥ ንስደተኛታትን ውሑዳት አብ ሕብረተሰብናን ዓዳትናን ክንሕግዝ ከሎና ነዚ ዘይቅበልዎ አንጻርና ዝኸዱ ክህልዉ ይክአል እዩ በዚ ክንዕገት የብልናን። አብ ክርስቶስን አብ ርእስና እምነት ገርና ንኹልና ዝጠቅም መገዲ ክርስቶስ ክንክተል ከሎና ጥራሕ ከምዝኾነ ክንአምን አሎና።

ክርስትና እናተዛነኻ ዝንበር አይ ኮነን የማን ጸጋም ንቅድሚት ንድሕሪት እናጠመትካ ንክርስቶስ ቅድመኻ ሰሪዕካ ንፈተናን ጸገማትን ክትብድህ እትምርሸሉ ዓውደ ሕይወት እዩ። አብ ገለ እዋን ዓቕልኻ እናጸበበካ አብቲ ከቢድ እዋን ጩራ ጸጋ አምላኽ ክትርኢ ቋሕ እተብለሉ ተስፋ ዝህብ እምነት ስለ ዝኾነ ንመምህርና ርኢና ክንክእል እሞ እስዕበካ አሎኹ ሓግዘኒ እናበልና ክንጽሊ ዝነግር እምነት እዩ።

አብ አምላኽ አሚና ንኹሉ ብዓይኑ ርኢና ክንክእል ክሕግዘና እናጸለና ሓቀኛ ክርስትና ክነብር ንጽዓር። ርሕሩሕ አምላኽ ዓቕምናን ኩነታትናን ዝርኢ ብጸግኡ ኩሉ ጊዜ ንምምስካር ቃሉን ወንጌልኑ ይሓግዘና።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ            

 

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.