2017-06-27 16:14:00

ከዋኽብቲ ምቚጻርን ናብ ጠንቈልቲ ምኻድን ኣየድልን ኣብቲ እግዚኣብሔር ቀሪቡልና ዘሎ ብዓይኒ እምነት ንጐዓዝ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘መጻኢናን መጻኢ ነገራትን ንምፍላጥ ከዋኽብቲ ምቚጻርን ናብ ጠንቈልቲ ምኻድን ኣየድልን እዩ። ሓቀኛ ክርስትያን ኣብዚታት ዘቋምትን ኣባኡ ደሪቁ ዝተርፍን ዘይኮነት ምሉእ ምትእምማኑ ኣብ እግዚኣብሔር ብምንባር ኣብቲ እግዚኣብሔር ቀሪቡሉ ዘሎ ገጹ ንምጉዓዝ ብዓይኒ እምነት ዝጽበ እዩ!’ ክብሉ ሰቢኾም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው መሠረት ትማሊ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝተወስደ ኮይኑ እቲ እግዚኣብሔር ንኣብራም ‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም። ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ፡’ (12.1-4) ዝብል ነበረ፣ ቅዱስነቶም ከኣ እዚ ሕይወት እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ክኸውን ዘለዎ ምዃኑ ብምሕባር መጀመርያ ንኩሉ ገዲፍካ ካብ ምድርኻን ኣዝማድካን እንዳቦኻን ምውጻእ ካልኣይ ተስፋ ሳልሳይ ድማ በረኸት ቀንዲ ከነተኲረለን ዘለና ሓረጋት ምዃኖም ገሊጾም፣ ንክርስትያን ብከመይ ዝበለ መንገዲ ከምዝምልከታ ኸኣ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም፣ ‘ክርስትያን ምዃን ኩሉ ግዜ በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሉ ገዲፉ ናባና ምምጻእ ኣብ መስቀል ብምውዓሉ ፍጽምና ዝረክብ ንኩሉ ናይ ምሕዳግ ክፍሊ ኣለዎ፣ መጀመርያ ቀዳማይ ስጉምቲ ንምጅማር ኪድ ካባይ ረሓቅ ግደፈኒ ገዲፈካ ብምባል ንኩሉ ምጥንጣን ከምቲ ናይ ኣብራም ንኩሉ ገዲፍካ ምውጻእ ማለት እዩ፣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን እውን ኣስተውዒልና እንተተመልከትናን ንዝክር እንተኾናን ‘ኪዳ ካብይ ረሓቅ ንዓይ ዝተገባእካ ኣይኮንካን ንኩሉ ገዲፍካ ሰዓበኒ ዝብሉ ክፍልታት ጸዋዕታ ኣለው፣ ከምኡ እውን ኣብ ኦሪት ናይ ብዙሓት ታሪኽ ጸዋዕታ ኣሎ ንኣብነት ኣብ ግራቱ ክሓርስ ከሎ ዝተጸውዔ ኤልሳዕ ነቢይ ንኩሉ ገዲፍካ ንዓ ሰዓበኒ ክብሃል ስድራይ ክሰናበት ሓራይ ቀልጢፍካ ንኩሉ ገዲፍካ ሰዓበኒ ዝብል ብዙሕ ኣሎ፣ ክርስትያን ከስ ንኩሉ ሓዲግካኣ ናይ ምኽኣል ጸጋ የድልዮም እንተዘየሎ ሓቀኛታት ክርትያን ክኾኑ ከጸግሞም እዩ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሉ ክገድፉን ምሳኡ ክስቀሉን ዘይክእሉ እውነተኛ ክርስትያን ኣይኮኑን፣ ኣብራም ብእምነት ተኣዘዘ፣ ኣበይ ምዃኑ ከይፈለጠ ምድሪ ተስፋ ክቅበል ተበገሰ፣ ክርስትያንከስ ንመጻኢ ዝፈልጠሉ ቈጻሪ ኮኸብ ወይውን ጠንቋሊ የብሉን ናብቲ ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ኣይከይድን፣ ብካልኣይ ደረጃ ክርስትያን ዘበልና ናብ ምድሪ ተስፋ ገጽና እንጐዓዝ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኢና፣ ከምቲ ናይ ኣብራም ዝውርስ ርስቲ ዘሎና ኢና፣ ኣብራም ኣብ ጒዕዞ ምዃኑ ንምግላጽን ኣብ እግዚኣብሔር ከምዝተኣማመን ንምብራህን  ተንዳ እዩ ተኺሉ እምበር ጋዛ ኣይሃነጸን፣ ጉዕዞኡ ከኣ ይቅጽል ወትሩ ኣብ ጉዕዞ እዩ፣ እዚ ጉዕዞ እዚ ኣብ ሕይወትና ዕለት ዕለት ንግሆ ምስ ተንሣእና ይጅምር ኣብ ጐይታ ብምምትእምማን ኩሉ ኣብ ኢድ ብምግዳፍን ናብቲ ንሱ ንዕለቱ ቀሪቡልና ዘሎ ዘገርምን ዘይተጸበናዮን ነገራት ከኣ ብክፉት ልቢ ንጐዓዝ፣ እዚ ነገራት እዚ ምናልባ ዘይጽቡቅ ሕማቅ ሕማም ሞት ዝኾነ ክኸውን እውን ይኽእል ኮይኑ ወትሩ ብክፉት ልቢ ንጐዓዝ ከመይ እግዚኣብሔር ኣብ ሓደ ርጉጽ ቦታ ከምዘብጸሓና ናብቲ ንሱ ዘሰናደወለይ መሬት ተስፋ ከምዘብጸሓኒ ብምትእምማን እዩ፣ ወዲሰብ ኣብ ተንዳ መንፈሳዊ ተንዳ ዝነብር ተጐዓዚ ወይ መንገደኛ እዩ፣ ሓንሳእ ሓንሳእ ነፍስና ብዙሕ ጠጠው እንተኢላን ኣብ ሓደ ቦታን ኩነትን እንተጠቢቃን ነዚ ናብ ምድሪ ተስፋ ገጽካ ዝግበር ጉዕዞ ትዝንግዖ እዚ ከኣ ሓደገኛ እዩ መንገዲ ክርስትያን እውን ኣይኮነን፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ንኩሉ ብምጥንጣን ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ሕይወት እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ተሰንዮ በረኸት!ቡራኬ፣ ክርስትያንከስ እናባረኸ ዝነብር እዩ ማለት ብዛዕባ እግዚኣብሔርስ ይኹን ብጻዕባ ካልኦት ሰናይ ነገር ይብል ንቅድሚት ንክምርሽን ጉዕዞኡ ንክቅጽልን ከኣ ብእግዚኣብሔርን ብካልኦት ኣሕዋትን ይባረኽ፣ ሕይወትናኸስ እዚኣ እያ ወላ ዓለማውያን ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣሕዋትናን ጽቡቅ ነገር ክንብል ማለት ክንባርኽ ኣሎና፣ እንክብሉ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥመና ፈተና ማለት ብዛዕባ ብጻይና ጸቡቅ ነገር ዘይምዝራብ ክነሸንፎ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ብምጥቃስ ስብከቶም ዛዚሞም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.