2017-06-29 17:51:00

ንፈጠርቲ ራዕዲ ሰማዕታት ምባል ጽያፍ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸኮስ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 28 ሰነ 2017 ዓምፈ ኣብ ዘስተምሃርዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ኣጥፊእካ ጥፋእ ዝብል ዕላማ ተሓጊጦም ሕይወት ብዙሓት ለኪሞም ንዝሞቱ ፈጠርቲ ራዕዲ ሰማዕታት ምባል ንክርስትያን ኣጸያፊ እዩ፣ ካብ ዕላማታቶም ወላ ሓንቲ ናብቲ ናይ ደቂ እግዚአብሔር ኣተሓሳስባ እትቀርብ የላን፣ ሰማዕትነት ንወንጌል ዘለካ ተኣማንነትን ምስክርነትን ንምሃብ እትቅበሎ ጽዋዕ ሞት እንክኾን ንሕማቅ ብሕማቅ ምእንቲ ከይትምልስ ዝግበር ምርጫ እዩ ምኽንያቱ ኣብ መንጎና ካብቶም ናይ ጸልማት ሓይልታትን ማፍያታትን ዝሕይል ኣሎ፣’ እንክብሉ ንሰማዕትነት መሸቀጢ ገሮም ንዓለም ምሉእ ኣብ ዘይውሕስነትን ራዕድን ፍርህን ሸሚሞም ንዘለው ናይ ዘመንና ዝተፈላለየ ኣሽማትን ሕብርን ንዘለዎም ፈጠርቲ ራዕዲ ኰኒኖም፣

ቅዱስነቶም ቅድሚ ትምህርተ ክርስቶስ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ኣደራሽ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ንዝኾነ ብቺዝል ዝፍለጥ ናይ ሃገረ ጣልያን ማኅበር ሠራሕተኛታት ወከልቲ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ንኩሉ ሸቅሊ ኣልቦ ዝገብር ዘሎ ኣምር ወርቃዊ ጥሮታ ተወጊዱ መንእሰያት ሥራሕ ዝረኽቡሉ መንገዲ ክድለ’ ሓደራ ድሕሪ ቢሎም ናብቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ምእመናን ሮማን ከባቢኣን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ነጋድያንን ብማእከሎም ብምዝውዋር ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ባሪኾምን ትምህርቶም ንምኽፋት ካብ ወንጌል ማቴዎስ “ኣብቲ ግዜቲ ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተ ክልተ ከምዚ በሎም “እነሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ እልእከኩም ኣሎኹ፡ ስለዚ ጥበበኛታታ ከም ተመን፣ ገርሀኛታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ። ካብ ሰብ ድማ ተጠንቀቑ፣ ከመይሲ ኣብ መጋባእያታት ኣኅሊፎም ኪህቡኹም፡ ኣብ ምዂራባቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም፣ . . . ኃው ንኃዉ፡ ኣቦ ንወዱ፡ ንሞት ኣኅሊፉ ኺህብ እዩ፡ ውሉድ ተጻይ ወለዶም ኪለዓሉ፡ ኪቐትሉዎም ድማ እዮም፣ ብስመይ ምኽንያት ከኣ ብዂሉ ሰብ ጽሉኣት ክትኾኑ ኢኹም። እቲ ኽሳብ መወዳእታ ዚዕገስ ግን ኪድኅን እዩ።” (ማቴ 10.16-22) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም፣ ጽማቚ ናቱ ከኣ ብቋንቋ ፈረንሳን እንግሊዝን ቀሪቡ፣

ዝኸበርኹም ኣኅዋትን ኣኃትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም፣

ሎሚ ተስፋ ክርስትያን ሓይሊ ሰማዕታት ከምዝኾነት ክንምልከት ኢና፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ንተልእኮ ክሰዶም እንከሎ ብቀሊል ዝሕለፍ ተርእዮ ገሩ ኣይቀርበሎምን፣ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ስብከተ ወንጌል ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ተቋውሞ ከምዝጋጥሞ ኣነጺሩ ይነግሮም፣ ‘ብስመይ ምኽንያት ከኣ ብዂሉ ሰብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም’ እናበለ ዝለዓለ መጠንቀቅታ ይህቦም፣ ክርስትያን ዘቦኡ የፍቅር ኮይኑ ግን ወትሩ ብካልኦት ኣይፍቀሩን እዮም፣ እዚ ኩነት እዚ ኣብቲ ኢየሱስ ዝነበረሉ ግዜ ዝጀመረ እዩ፣ እምነትካ ምምስካር ወትሩ ብተቋውሞን ጽልእን ይዛዘም፣ በዚኸስ ክርስትያን ዘበሉ ኩሎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተጻይ ህልው ኩነታት ምስ ተጓዕዙ እዮም፣ እዚ ክኸውን ከኣ ግድን እዩ ምኽንያቱ ዓለም በቲ ብዝተፈላለየ ሕብሪ ዝግለጽ ከም ንርእሰይ ይጥዓመኒ ፍትሒ ምጉዳል ዚኣመሰሉ ሓጢኣት ስለተጸልወት እዚ ከኣ ተጻይ ጉዕዞ ክርስቶስ ስለዝኾነ ግድን እዩ ተቋውሞ ከጋጥም፣ እዚ ስለተቋውሞ ዘይኮነስ ነቲ ስነሞገት ተስፋ ኮይኑ በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘስተምሃሮ መንገዲ መሪሕ ሕይወት ዝኾውን ስነሞጎት መንግስቲ እግዚኣብሔር ብምእማን እዩ።

እታ ቀዳመይቲ ምልክት ድኽነት እያ፣ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክልእኮም እንከሎ ምንም ነገር ከይማልኡ የጠንቅቆም ንኩሉ ገዲፎም ክስዕብዎን ክለኣኽዎን ይእዝዞም፣ በዚኸስ ሓደ ትሑትን ድኻን ኮይኑ ካብ ሃብትን ሥልጣንን ዘይተላቀቀ ምናዳኸኣ ካብ ፍቅሪ ገዛእ ርእሱ ዘይተላቀቀ ክርስትያን ንክርስቶስ ክመስል ኣይከኣልን እዩ፣ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ክርስትያን ኣብዚ ዓለምዚ ነቲ ጉዕዞ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር ሒዙ ልቡ ብፍቅሪ ክርስቶስ መሊኡ እዩ ክጐዓዝ ዘለዎ፣ እታ ዝለዓለት ክትገጥሞ እትኽእል ግድል ንክፉእ ብክፉእ ንምምላስ ሕነ ምፍዳይን ዓመጽን ዝብላ ፈተና ምውዳቅ እዩ፣ ኢየሱስ ከኣ ኣጻዕድዩ ‘ኣነ ከም ኣባግዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እልእከኩም ኣሎኹ’ ኢሉና እዩ፣ ስለዚኸስ ክርስትያን ወትሩ ኣስተውዓላ ሓንሳብ ሓንሳብ እውን ጐራሕ ክኸውን ኣለዎ፣ ወንጌል ነዚ እዩ ዝመክር ‘ገርሂ ከም ርግቢ ጐራሕ ከም ተመን’። ዓመጽ ዝበሃል ጥቃኡ ክቀርብ የብሉን፣ ንክፍኣት ንምሽናፍ ናይ ክፍኣት ሜላ ክንጥቀም የብሉን፣

እንኮ ሓይሊ ክርስትያን ወንጌል እያ፣ ኣብ ጽንኩር ግዜ ኢየሱስ ኣብ ቅድሜና ከምዘሎ ምእማን የድሊ ንኣርድእቱ ካብ ምስናይ ፈጺሙ ከምዘይበኩር ምዝካር የድሊ፣ ስደት ተቋውሞ ናይ ወንጌል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል እዩ ከመይ ነቲ ዝዓበየ መምህር ካብ ኣሳደዱ ከመይ ኢላ ኣባና ደው ክትብል ንሓስብ! ኮይኑ ግን ኣብ መንጎ እዚ ሁከት እዚ ክርስትያን በይኑ ዝተረፈ መሲልዎ ተስፋ ክቈርጽ የብሉን፣ ከመይ ጐይታ ‘ጸጉሪ ርእስኹም ከይተረፋ ቊጹራት እየን’ ይብለና፣ እዚ ማለት ከኣ ኩሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ግሉጽ እዩ፣ ካብቲ ዝነኣሰን ሕቡእን ስቃይ ጀሚርካ ንኩሉ ይርእዮ፣ ይከላኸሎ ዋጋ ዓስቡ ከኣ ይኸፍሎ፣ ስለዚኸስ ኣብ መንጎና ካብ ዘሎ ክፍኣት ኩሉ ዝሓየለ ካብ ማፍያ ዝሓየለ ካብ ሓይልታት ጸልማት ዝሓየለ ብምዝመዛ ካልኦት ካብ ዝንየት ጨቋኒ ዝሓየለ ኣሎ፣ እዚ ሓያል እዚ ወትሩ ጽን ምስ በለ ካብቲ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ዘእወየ ደም ኣቤል ጻድቅ ጀሚሩ ንኩሉ ዝሰምዕ እዩ፣ ክርስትያንከስ ናይቲ ዓለም እትቅርቦ ኣማራጺ ካልእ ከምዘሎ ማለት እቲ እግዚኣብሔር ዝመረጾ መንገዲ ይምረጹ፣ ካብ ዘሳድዱ ዝስደዱ ካብ ብትዕቢት ምስንጣቅ ብትሕትና ምምልላስ ካብ ናይ ሓሶት ንግዲ ንሓቂ ዝግዝኡ ካብ ዘጠፋፍኡ ቅኑዓት ክኾኑ ኣለዎም፣ እዚ እቲ ክሳብ ሞት ናብ ኢየሱስ ዝግበር ናይ ተስፋ ጉዕዞ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያን ጥዑም ስም ተዋሂብዎ ነሩ ሰማዕትነት ማለት ምስክርነት ቢሎሞ፣  ጅግንነት ቅባጸት ርእሰ መስዋዕቲ ዝብል ካልእ ኣሽማት ክወሃቦ ይከኣል ነሩ፣ ኮይኑ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ስሩዕ ስም ሂቦሞ፣ ሰማዕታት ንገዛእ ርእሶም ኣይኮኑን ዝነብሩ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ንከስፍሑ ኣይኮነን ዝጋደሉ ንተኣማንነት ወንጌል ጥራይ ንሞት ይቅበሉ፣ ሰማዕትነት ዝለዓለ ዕላማ ክርስትያን እውን ኣይኮነን ምኽንያቱ ልዕሊኡ ፍቅሪ ስለዘሎ እዚ ከኣ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን እዩ፣ ነዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣብቲ ቅኔ ፍቅሪ ‘ንኩሉ ሃብተይ ንድኻታት እንተዝዕድሎ ንሰብነተይ’ውን ብሓዊ ኪቃጸል እንተዘወፍዮ ፍቅሪ ግና እንተዘይብለይ ሓንትኳ ኣይምጠቀመንን’ (1ቆሮ 13.3) እንክብል ይገልጾ፣  ኣጥፊእካ ጥፋእ ዝብል ዕላማ ተሓጊጦም ሕይወት ብዙሓት ለኪሞም ንዝሞቱ ፈጠርቲ ራዕዲ ሰማዕታት ምባል ንክርስትያን ኣጸያፊ እዩ፣ ካብ ዕላማታቶም ወላ ሓንቲ ናብቲ ናይ ደቂ እግዚአብሔር ኣተሓሳስባ እትቀርብ የላን፣

ሓንሳብ ሓንሳብ ናይቶም ዝቀደሙን ካብ ናይ ቀዳሞት ሰማዕታት ዝለዓለ ቊጽሪ ዘለዎም ናይ ሎምን ሰማዕታትን ታሪኽ እንክነንብብ ነቲ ፈተና ብከመይ ዝበለ ጽንዓትን ሓይልን ከምዝተቋወምዎ የደንጽውና፣ እዚ ጽንዓት እዚ ምልክት ናይቲ ሕይወት ዝህቦም ዝነበር ዓቢ ተስፋ እዩ፣ እዚ ተስፋዚ ርግጸኛ ኮይና ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ካብቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ፍቅሪ ክፍልየና ዝኽእል ምንም የለን ኣብ ዝብል ርግጽነት የብጽሕ (ሮሜ 8.38-39) ተመልከት፣

መስኻኽሩ ንኽንከውን እግዚኣብሔር ሓይሊ ወትሩ ይዓድለና፣ ንሱን ንሕናን እንፈልጦም ጽቡቅ ነገራት እናፈጸምናና ዕለታዊ ግዴታና ብፍቅሪ እናገበርና ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ሕቡእ ውሳጣዊ ሰማዕትነት ክንፍጽም እሞ ንተስፋ ክርስትያን ከም ግቡእ ክነብር ጸጋኡ ይዓድለና እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.