2017-07-03 09:28:00

ቱርኪ፥ ምህጋር ናይ ሶሪያ ስርዓት ኦርቶዶክሳውያን ገዳማትን ኣቢያተ ክርስቲያንን


ኣብ ቱርኪ ደቡባዊ ምስራቕ ማለት ኣብ ቱር ኣብዲን ዝርከቡ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝዀኑ ገዳማትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ መቓብር ስፍራን ብጠቕላላ ልዕሊ 50 ዝግመቱ ንብረት ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ብመንግስቲ ከምእተሃገረን ንምሕደራዊ ሓላፍነት ድማ ንናይ ቱርኪ ናይ ሃብትን ቁጠባን ምኽትል ዋና ጸሓፊ ናይ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ከምእተመሓላለፈ ናይ ቱርኪ መራኸቢ ብዙሃን የመልክታ።

እቲ ዝተወሰደ ውሳኔ ማርዲን ናይቲ ከባቢ ማእከል ከተማ ክትከውን ብዝተመሓላለፈ ውሳኔ መሰረት ናይቲ ከባቢ ክልላዊ ውደባ ንምትኽኻል ብዝብል ምኽንያት ምዃኑ ዘመልከተ ናይ ቱርኪ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣብ 2013 ዓ.ም. ናይ ከባቢ ማርዲን ምምሕዳር ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ናይ ሃይማኖት ተቛማትን ንብረትን ጸብጻብ ንኸቕርብ ዘቖሞ ኰሚቴ ብዘካይዶ ናይ ቆጸራ ጸብጻብ ብዙሓት ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝዀኑ ገዳማትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ መቓብር ስፍራን ብትሕቲ ቁጽጽር ናይ ሃብትን ቁጠባን ምኽትል ዋና ጸሓፊ ክመሓደር ናይቲ ከባቢ መንግስቲ ከምዝወሰነ የነጽር።

ብሞር ጋብርኤል ዝጽዋዕ ማሕበር እቲ ናይቲ ከባቢ መንግስቲ ውሳኔ ብምቅዋም ኣብ 2013 ዓ.ም. እቲ ናይ ማር ጋብሪኤል ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ታሪኻዊ ዝዀነ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ድሕረ ልደተ ክርስቶስ ዝተሓንጸ ኣብ ዝተሃገረሉ እዋን እቲ ታሪኻዊ ገዳም  ንናይ ሶሪያ ስርዓት ንእትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክምለስ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ሕቶ ናይ ቱርኪ ቤት ምሕደራ ቤት ፍርዲ ውድቂ ከምዝገበሮ ዘዘኻኸረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እቲ ታሪኻዊ ገዳም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ማርዲን ፍትሓ ብሔር ስልጣን ክኸውን ከምእተወሰነን እቲ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረት ኣብ ትሕቲ ናይ ቱርኪ መንግስቲ ኣካል ቁጽጽር እዩ ከምእተባህለን ድማ ጠቒሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን እቲ ናይ ቱርኪ መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳኔ ዘይሕጋዊ ግብታ ብዝብል ሓሳብ ኵሉ እቲ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝዀነ ዝተሃገረ ንብረት ንበዓል ቤቱ ክምለስ ዝሓትት ጐስጓስ የካይዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.