2017-07-05 09:30:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጐድኒ ወለዲ ቻርሊ፥ ክሳብ ፍጻሜ ክንክን ጥዕና ክወሃብ


በቲ ብዙሕ ዘይፍለጥን ዘይልሙድን ገና መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ባህርያዊ ዕብየት ኣካል ዝገትእ ጅማት ብዘልምስ ሕማም ዝተጠቕዔ እንግሊዛዊ ወዲ 10 ወርሒ ሕጻን ቻርሊ ጋርድ ካብቲ ሕማም ክላቕቖ ወይ ድማ ክፍውሶ ዘኽእል ምንም ዓይነት መድሃኒት ስለ ዘየለ ብናይ ሕክምና መጋበርያ ክሳብ ብሕይወት ዘሎ ንምጽናሕ ዝወሃቦ ዘሎ ክንክን ጥዕና ስቓዩ ዘናውሕ እዩ ብዝብል ምኽንያት ብሰላም ክዓርፍ ዝወሃቦ ክንክን ጥዕና ንኽቋረጽ ውሳኔ ዝተመሓላለፈ እውን እንተዀነ ወለዱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ሕማም ዝፍውስ ብይኸውን ገና ኣብ ሙከራ ብዘሎ ናይ ክንክን ጥዕና ሜላ ክሕገዝ ዘለዎም ድላይ ከምዝገለጹን እዚ ድላዮም’ዚ ድማ ትግቡር ንኽኸውን ዘብቅዕ ግብረ ገባውን ኤኮኖሚያውን ሓገዝ ይቐርበሎም ከምዘሎ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ... ፍራንቸስኮ ንወለዲ ቻርሊ ጋርድ ቅርበቶምን ጸሎትምን ብምርግጋጽ ክሳብ መወዳእታ ሕጻን ቻርሊ ብክንክን ጥዕና ክድገፍ ዝብል ወለዱ ዘቕረብዎ ድላይ ክኽበርን ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክንክን ጥዕና ክወሃቦ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 2 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፥ ሓንጐል ናይቲ ሕጻን እዚዩ ስለ ዝተጐድኤ ንዝዀነ ዓይነት ድራኸ እውን ዘይምልስ ብምዃኑ ስቓዩ ካብ ምንዋሕ ዝወሃቦ ክንክን ጥዕና ምቁራጽን ንኽዓርፍ ምሕዳግ ዝብል ናይ ሓኻይም ውሳኔ ዘይኰነ ድላይ ወለዱ ክኽበር መታን ዝተፈላለዩ ምትሕብባራት ይውሕዝ ከምዘሎን ሮማ ዝርከብ ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ዋላ’ኳ እቲ ሕማም ፈውሲ ገና ዘይተረኸበሉ እንተዀነ ክሳብ ብባህርያዊ ሞት ዝገላገል ብኹለ መዳይ  ንምስናይ ፈቓደይና ከምዝዀነ ከፍልጥ እንከሎ እቲ ብሕይወት ክጸንሕ ዝገብሮ ዘሎ ብመጋበሪያ ሕክምና ዝተደገፈ ዝወሃቦ ዘሎ ናይ ምትንፋስ ደገፍ እንተተቛረጸ ዝሓሸ እዩ ዝብል ውሳኔ ሓኻይም ንግዚኡ ዘይተተግበረ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 30 ሰነ 2017 ዓ.ም. ትዊተር ብእተሰምየ ናይ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ሰብኣዊ ሕይወት ብፍላይ ድማ ዝቖሰለን ብዝተፈላለየ ሕማም ዝተጠቕዔ ሕይወት ምክንኻን እዚ እግዚኣብሔር ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝሃቦ ናይ ፍቕሪ ሓላፍነት እዩዝብል መልእኽቲ ፈኒዮም ከምዝነበሩ ቸንቶፋንቲ ይሕብሩ።

ዕለት 2 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ድርገት ሓላፊ ኣባ ካርሚነ ኣሪቸ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ሕክምና ሕጻን ኢየሱስ ንቻርሊ ተቐቢሉ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ንኸሰንዮ መታን ንምእንጋዱ ፍቓደይና ምዃኑ ዘኪሮም፥ ድላይ ወለዲ ቻርሊ ዘይኰነ ድላይን ውሳኔን መንግስቲ ንምፍጻም ዝግበር ዘሎ ፈተና ተቐባልነት ዘይብሉ ነጻነት ወለዲ ዝግህስ ተግባር እዩ። ውላዶም ዝከኣል ክንክን ጥዕና ከርክብ ዘቕረብዎ ዘለዎ ጻውዒት ተሰማዕነት ረኺቡ ክትግበር ተስፋ እገብር ከምዝበሉ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም በዚ ቻርሊ ዝሓዞ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ብጠቕላላ 16 ከምዝዀኑ ብዛዕባ እዚ ዓይነት ሕማም ዝተወሃቡ መጽናዕታዊ ጸብጻባት ተወኪሶም እንከመልክቱ ኩለን ሃይማኖታት እውን ስለ ሕጻን ቻርሊ መደብ ጸሎት የካይዳ ከምዘለዋ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.