2017-07-05 09:34:00

ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣብ ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ሓድሽ ተበጽሖ


ኣብቲ ኣብ 1517 .. ተሓድሶኣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተወልደትሉ ሃገረ ጀርመን ከተማ ቪተንበርግ ዕለት 5 ሐምሌ 2017 .. ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ  ሱታፌ ኣቢያተ ክርስቲያን ተሓድሶ ነቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናውያንን መጦዲስታዊትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ዛዕባ ጽድቂ ዝምልከት ክፍሊ ናይ ሰረተ እምነት ዓንቀጽ ብወግዒ ክቕበሎ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

እቲ ብዛዕባ ጽድቂ ክፍሊ ትምህርቲ ሰረተ እምነት ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ሕዳሴን ቤት ክርስቲያንን ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ዝፈላልይ መስቀለይና ቲዮሎጊያዊ ሕቶ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ ስለዚህ ኣብዚ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ እምነት ዓንቀጽ ስምምዕ ምግባር ኣብቲ ንሓድነት ተኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘታዊ ጉዕዞ ዓቢይ ስጉምቲ ምዃኑ ኣብቲ ዕለት 5 ሓምሌ 2017 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሱታፌ ኣቢያተ ክርስቲያን ተሓድሶ እትፍጽሞ ናይ ስምምዕ ስነ ስርዓት ዝሳተፉ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብሪያን ፋረል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ እዚ ኩነት ብሓቂ ኣብቲ ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጉዕዞ መሰረታዊ ጭቡጥ ፍጻሜ እዩ፡ እቲ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ንዝተኸስተ ፍልልያት ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ዝዀነ ቲዮሎጊያዊ ሕቶ ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ድሕሪ ዝተገብሩ ናይ ነዊሕ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ከይድታት ኣብ 1999 .. ምስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ድሓር እውን ኣብ 2006 .. መጠዶስታዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ምቕባል ዕለት 5 ሓምሌ 2017 .. ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሱታፌ ኣቢያተ ክርስቲያን ተሓድሶ ነቲ ናይ ሓባር ውሳኔ ተቐቢሉ ክታሙ ከንብር እዩ። እዚ ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኵለን እተን ታሪኻውያን ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብቲ ንምፍልላይ ምኽንያት ዝዀነ መስቀላዊ ቲዮሎጊያዊ ሕቶ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ እዩ። ስለዚህ ብዛዕባ ጽድቂ ኣብ ዝምልከ ቲዮሎጊያዊ ሕቶ ናይ ሓባር ጭቡጥ ቲዮሎጊያዊ ርእየት ክህሉ ዘብቅዕ ውሳኔ እዩ። ናብ ሓድነት ዝግበር ጐዕዞ ኣዚዩ ዘበርትዕ ስምምዕ ድማ እዩ።

ድሕነት ብጸጋ እዩ ስለዚህ ድማ ጸጋ ብምዃኑ ሓላፍነት እዩ። ስለ ድሕነት ኣብ ዓለም ምግልጋል ድማ እቲ ሓደ ናይ ምድሓን ባህርያዊ ሳዕቤን (ውጽኢት) እዩ። ተሓድሶኣውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጽድቂ (ምድሓንኣብ ዓለም ክሰፍሕ ብመሰረትን ስርዓትን ወንጌል ዓለም ንኽልወጥ ምግልጋል ከምዘድሊ ዓቢይ ኣፍልጦ ኣለወን። እዚ ዝብጻሕ (ዝተበጽሔ) ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ብዞባውን ከባብኣውን ደረጃ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን መጦዶስታውያን ተሓድሶኣውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኩለን ብሓባር ሕብረተሰብ ክልወጥን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ሰኣውነት ንምድጋፍ ብሓባር ኣብ ኣገልግሎ ክዋፈሩ ዝድግፍ ከምዝዀነ ብሰፊሕ ተንቲኖም፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ... ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝብልዎ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ማሕበረ ክርስቲያንን ብስነ ሓሳብ ምእማን (ረቂቓዊ ምእማን) ዘይኰነስ፡ ምእማንን እምነትን ናብ ዕዮን ኣገልግሎን ተጓዕዝነትን ዓለም ንምልዋጥ ጭቡጥ ኩነት ዝነብሩ ይኹኑ እንክብሉ ንዝገለጽውዕ ሓሳብ ለቡ ዝብል ናይ ሓባር ስምምዕ ኩለን ኣቢያተክርስቲያንን እዩ  እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.