2017-07-12 14:32:00

ብፁዕ ኣቡነ ቶማዚ፥ ናይ ጸረ ኑክለሳዊ ስምምዕ ሰነድ ናብ ሰላም ዝመርሕ ዓቢይ ተበጽሖ እዩ


ንፈለማ ጊዜ 122 ሃገራት ዝተቐበለኦ ምጥቃም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኽልክል ናይ ጸረ ኑክለሳዊ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምዝጸደቐ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም። እቲ ሰነድ ንምጽዳቕ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራት እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝብጻሕ ቢሎ ዘንበሮም ሸቶታት ገርሀይናን ዘይብጻሕ  እዩ ንክብሉ ብምግላጽ ከምዘይተሳፉን ብዛዕባ እዚ ዋዕላ’ዚን ዝተበጽሔ ስምምዕን ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ጉጅለ ልኡካን ቅድስቲ መንበር መሪሖም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ምሉእ ሰባኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ

ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማዚ፥ ከምዝሓበርዎ እቲ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ሓደ ስጉምቲ ማለት ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ቅድስቲ መንበር እቲ ምጥቃም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኽልክል ናይ ስምምዕ ሰነድ ብጠቕላላ ናብቲ ምህርቲ ኑከለሳዊ ኣጻዋር ዝእግድ ሰነድ ዘብጽሕ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ናይ ስምምዕ ሰነድ ንምርግጋጽ ካብ 2014 ዓ.ም. ካብቲ ናይ ቪየና ዋዕላ ዝተበገሰ ተመክሮን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤታት ዝለዓል ዝነበረ ሓሳብ እዩ። ናብቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቪየና ተኻይዱ ዝነበረ ዋዕላ ቅዱስ ኣቦና ኣመሓላሊፎምዎ ኣብ ዝነበረ መልእኽቲ፥ ውሕስነትን ጸጥታን ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ውክልና ምሃብ ርትዓዊ ኣይኰነ ኢምኽንያታዊ  እዩ። ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ተፈንጃሪ ቦምብታትን ምውናን ብሓቂ ዘይቅቡል ተግባር እዩ እንክብሉ ዘስፈርዎ ሓሳብ ዝተኸተለ ናይ ስምምዕ ሰነድ እዩ ምስ በሉ፥ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ በተን ኑከለሳዊ ኣጽዋር ወነንቲ ሃገራት ጦቢያውነት- Utopia ወይ ድማ ሓሳባውነት ማለት ‘ሚሳላዊ-Idealist’ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ስነ ቀመማዊ ኣጽዋርን ስነ ሕይወታዊ ኣጽዋር ተፈንጃሪ  ቦምብን ጸረ ሰብ ቦምብን ዝአመሰሉ ኣጽዋራት ብዓለም ሓቆፍ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ኩልኵል እዩ። ኣብዚ ናይ ቀደምስምምዕ ግና ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኩልኩል ዝብል ነጥቢ ኣይተመልከተን። ስለዚህ እዚ ሓድሽ ናይ ስምምዕ ሰነድ ናይ ዜጋታት ሕልና ንምንቕቓሕን ናይ ፖለቲካን መንግስታትን ሕልና ብምንቕቓሕ እዚ ኸኣ ናይ ሓንቲ ሃገር ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምውናን ኣቶሚክ ቦምብ ጽግዕተይና ከምዘይኰነ ዘረጋግጽ ርትዓውን ተግባራውን ኣመለኻኽታ ንምስራጽ እዩ ኢሎም።

ኣብ እዋን ዝሑል ውግእ ዓለም ከቢድ ኣጽዋር ምውናን መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምቢ ቀደሚምካ ንምክልኻልን ንኸይህሉን  ውድን ዘረጋግጽ እዩ ብዝብል ምኽንያት ዝግለጽ ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ኩሉ ተቐይሩ እዩ። ዋላ’ኳ  ጸረ ምብዛሕ ኣጽዋር ስምምዕ ይሃሉ ድሕሪ እዚ ስምምዕ እዚ ንኣብነት ከም ፓኪስታንን ህንድን እስራኤልን ሎሚ ድማ ሰሜን ኰርያ ኣቶሚክ ቦምቢ ወነንቲ ኰይነን ኣለዋ። ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ስግኣት ሓድሕዳዊ ምቅትታል ከም ናይ ሰላምን ጸጥታን ዋሕስ ገይሩ ክምልከቶ የብሉን እቲ መገዲ ሰላም ፍጥረት ሰብ ከም ሓደ ስድራ ኰይኑ ብምትሕብባርን ምትሕልላይን ጥራሕ እዩ፡ እዚ ድማ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ዓውደ ዘተ ዝኽወን እዩ። ውሑስ ኩነት ካብ ዘተ እምበር ካብ ምጥቓም ሓይሊ ወይ ድማ ካብ ምድላብ ኣጽዋር ውግእ ኣይኰነን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.