2017-07-15 08:50:00

ቅዱስ ኣቦና፥ Maiorem hac dilectionem - ብሉጽ ፍቕሪ (እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ)


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ብዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት Maiorem hac dilectionem - ብሉጽ ፍቕሪ (እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ) ብዝብል ኣርእስቲ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 15 ፍቕዲ 13 ሰብ ንሕይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ  ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን” (ገዛእ ርእስኻ ስለ ብጻይካ ኣሕሊፍካ በጃ ካብ ምሃብ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን”  ኣብ ዝብል ወንጌላዊ ቃል ዝተማእከለ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ናብ ኣዋጅ ቅድስናን ብፅዕናን ዘቕርብ ሓሳብ ሓቆፍ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መልገጺ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ዘጽደቕዎ ውሳኔ ጽማሬ፥ እዚ ናብ ብፅዕናን ቅድስናን ዘሰንይ ሕይወት ከም መስዋዕቲ ጌርካ ናይ ምቕራብ ማለት ናይ ወፈያ ሕይወት ኣገባብ ሓደ ሓድሽ ፍሉይ ምኽንያት ልክዕ ከም ሰማዕትነትን ገድላዊ ባህርያትን ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብሉጽ ፍቕሪ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎ ውሳኔ እዞም ነዚ ሕይወት እዚ ዝነብሩ ብቕርበት ኣሰርን ትምህርትን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስዕቡ ብወለንተይናነትን ብነጻነትን ሕይወቶም ዘወፍዩን ስለ ኻልኦት ሕይወቶም ኣሕሊፎም ዝህቡን ነዚ ትምህርቲ’ዚ ክሳብ ሞት ገዛእ ርእሶም ዘወፍዩ ዝምልከትን ምዃኑ ብዝርዝር ተንቲኖም፡ እዚ ናብ ብፅዕናን ደሓር እውን ናብ ቅድስናን ኣዋጅ ዘቕርብ ሓድሽ ኣገባብ’ዚ ብርግጽ እቲ ሕይወት ምውፋይ ብፍቕሪ ተሰንዩ ዝትግበር እውነተይናን ምሉእን ኣብነታውን ብዝዀነ ቃልን ሕይወትን ክርስቶስ ምምሳል ዝብል እዩ። ስለዚህ ድማ እዚ ብነጻነትን ናይ ደም ሰማዕትነን ወይ ከኣ ቅዱሳት ገድልታት ክርስትና ዕለት ብዕለት ዝነብር ዝብል ዝገለጽዎ ቅዱስ ተግባር ብምእመናን ክርስቲያን ብማሕበርን ብውልቅን ክድነቕን ክስዓብን ዘለዎ ኣብነት ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ እንክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የነጽር።

ቅዱስነቶም በቲ ብዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ስልጣኖም ተነቓቒሖም ዘጽደቕዎ ውሳኔ ነቲ ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ቅድም ክብል እዚ ዓይነት ውሳኔ ክቕርቡ ምዃኖም ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ኣቕሪቦምዎ ዝነበሩ ሓሳብ እቲ ቅዱስ ማሕበር ዕለት 27 መስከረም 2017 ዓ.ም. ተቐቢሉን ዝድግፍ ሓሳብ ኣሳዂዒ ኣብ ኩለን ሃገራት ንዝርከባ ሰበኻታ ብፅዓን ጳጳሳት፥ ብምትሕልላፍ በዚ መሰረት’ዚ ብፁዓን ጳጳሳት ነዚ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ናብ ብፅዕናን ቅድስናን ኣዋጅ ዘሰንይ ክርስቲያናዊ ገድለ ጅግንነት ዝነበሩን ሕይወቶም ዘወፈዩን ሰማዕትነት ዝተቐበሉን ቅዱስ ናይ ዝብል ድኑቕ ተፈላጥነት ዘለዎን ብኣማላድነቶም እግዚኣብሔር ዝፈጸሞ ተኣምራትን እውን ኣሎ ተባሂሉ ዝንገረሎም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ብፅዕና ክእወጀሎም ዝብል ሕቶ ከቕርቡ ዝፈቅድ እዩ እንክብል ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ  ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.