2017-07-17 16:31:00

ካቶሊካውያን ክሮኣዚያንን ኦርቶዶክሳውያን ሰርቢያ ቅዱው ናይ ሓባር ድርገት


ካብ ዕለት 12 ሓምለ ክሳብ ዕለት 13 ሓምለ 2017 ናይ ካቶሊካውያን ክሮኣዚያን ኦርቶዶክሳውያን ሰርቢያ ናይ ሓባር ቅድው ድርገት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሻድሻይ ዓወደ ጉባኤ ብናይቲ ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ኣባ በርናርድ ኣርዷ ተመሪሑ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 8 ግንቦት 1898 ዓ.ም. ኣብ ካርሲች ዝተወልዱን ዕለት 10 ለካቲት 1960 ዓ.ም. ኣብታ ዝተወልዱላ ከተማ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ኣብ 1998 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕና ዝኣወጁሎም ናይ ዛጋብሪያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሳኣሎይዚየ ስተፒናች ዛዕባ ዝገበረ ከምዝነበረን እቶም ብፁዕ ካርዲናል ኣብ እዋኖም ኣብ መንእሰይ ዕድመኦም ቤተ ክርስቲያን ካርዲናል ቢላ ዝሰመየቶም ወዲ ቤተ ክርስቲያን ምንባሮም ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ክሮኣዚያ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ናይ ዛጋብሪይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጂሲፕ ቦዛኒችን ናይ ፖዘጋ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቲን ድኮቭርዪችን ናይ ሞስታርን ዳቭኖን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ራትኮ ፐኢችን ናይ ክሮኣዚያ ናይ ስነ ታሪክ ምርምር ተቛም ኣባላት ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃውንቲ ዩረ ክሪስቶን ማኢዮ ያረብ፡ ከምኡ ድማ ናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ወኪሎም ድማ ናይ ሞንተነግሮን ሊቶራለን መጥሮፖሊታ ብፁዕነቶም ኣምፊሎዪየን ናይ ዛጋብሪያን ሉቢያናን መጥሮፖሊታን ብፅዕነኦም ፖርፊሪየን ናይ ኖቪድ ሳድናባክ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኢሪነይን ናይ ፓክራችን ስላቮሊያን ሰበኻ ፓፓስ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫን ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህል ሓልዮ ማሕበር ናይ ሰርቢያ ልኡከ መንግስቲ ፕሮፈሰር ዳርኮ ታናስኮቪች ከምእተሳተፉ ኣመልኪቱ።

ልባዊ ምቅርራብን ምሉ ነጻነትን ዝተነብሮ ዓውደ ጉባኤ

እቲ ኣብ ክሮኣዚያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ሓባር ቅድው ድርገት እቲ ሻድሻኡ ዓውደ ጉባኤኡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነኸካይድ ናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኢረነይ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ሕቶ እወታዊ መልሲ ብምርካቡ ንቕዱስነቶም ከምዘመስገኑን እዚ ናይ ሓባር ቅድው ድርገት ክቐውም እውን ምግባሮም ኣቲ ዓውደ ጉባኤ ብምዛክር ምስጋናኡ ብምቕራብ ኣብ ዛዕባ ተክለ ሰብነት ካርዲናል ብፁዕ ስተፒናች ኣብ ድግመ ንባብ ኣተኰይሩ እቲ ብፅዕና ዝብል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሃበቶም ስያሜን ኣዋጅን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳጳሳት ሓላፍነት ምዃኑ ብምግላጽ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝህበኦ ናዩ ብፅዕና ኰነ ናይ ቅድስና ኣዋጅ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣገባብን መምዘንታትን ከምዘለውን ዝተሰምረሉ ዓውደ ጉባኤ ምንባሩ ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥ ልባዊ ምቅርራብን ሕውነትን ዝተራእየሉ ብሙሉእ ነጻነት ዝተኻየደ እውን ምንባሩ ሓቢሩ፥

ሎሚ እውን ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክርኣዚያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰርቢያን ናይ ርእይቶ ፍልልይ ከዘሎን፡ ናይቲ ቅዱይ ድርገት ዕዮ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከምኡ እውን ኣብ 1960 ዓመታት ብፁዕ ካርዲናል ስተፒናች ክሳብ ዝዓረፍሉ እዋን ዝነበረ ናይቲ ከባቢ ታሪኽን ጭቡጥ ኩነትን ብዕምቆት ግንዛበ ክህሉ ምግባር ዝብል ምዃኑ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣዘኺሩ ኣብቲ ኣዚዩ ዓቢይ ጸገምን ውጥረትን ኣብ ዝረአየሉ ዝነበረ ኣዋን ብህወት ናይ ዝነበሩ ናይዞም ካቶሊካዊ ብፁዕ ካዲናልን ደሓር እውን ብፅዕና ዝተኣወጀሎምን ናይ ሕይወት ታሪኽን ታሪሕ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን ብዕምቆት ምልስ ቢሉ ዘንበበን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ዝተፈላለዩ ምሁራትን ዝወሃቦ ትንተናን ንባብን ኣብ ዝሰዓቡ መርገጻትን ዘሎ ፍልልይ ናይቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክሮኣዚያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰርቢያን ንዘሎ ፍልልይ ጭቡጥ ኣብነት ምዃኑ እውን የመልክት።

ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ሰማዕታትን ኣበ ነፍሳትን መጋብያንን ተዘክሮ ንምክፋል

ብፁዕ ካርዲናል ስተፒናች ሕይወት ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ዝካየዱ ምርምራትን ኣብቲ እዋን ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ስደትን ስቓይን ከምዘጓነፈንን ካብ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተኸፍለን መጋብያንን ምእመናንን እምነትና ኣይንኽሕድን ምብባሎም ዘጋጠሞም ስደትን ቅትለን ዝተረጋገጸ እዩ። ስለዚህ ድማ ክልተኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ካብዚ ታሪኻዊ ሓቂ’ዚ ተበጊሰን በቲ ናይ ሓባር ቅድው ድርገት ኣቢለን ናይ ሓባር ታሪኻዊ ድርሳናት ብምቕራብ ዝክረ ሰማዕታተን ክካፈላ ዝብል ውጥን እውን ከምዘለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.