2017-07-17 16:29:00

ኣብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገም


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝረአይ ዘሎ ጸንፋውያን ወንጌላውያንን መኽረርቲ ካቶሊካውያንን ነቲ ኣብ መንጐ ሃማኖታት ንዝግበር ናይ ሓባር መሰናኽል እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ናይቲ Civiltà Cattolica - ካቶሊካዊ ስልጣኔ እተሰምየ መምጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮን ናይቲ ሎ’ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ንናይ ኣርጀቲና ሕትመት ክፍሊ ኣመሓዳሪ ምእመን ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርጀቲናዊ ማርቸሎ ፊጒወራኦው ብሓባር ዝደረስዎ ጽሑፍ ዕለት 14 ሓምሌ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ መጽሔት ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ናይቲ ጽሑፍ ደረስቲ ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንስግኣት ዘቃልዕ ጸንፋዊ ዘተ ምዃኑ ብምትንታን፥ ኣብ መንጐ ጸንፋውያን ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን መኽረርቲ ካቶሊካውያንን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገልጽዎን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክትኽተሎ ዝግብኣ ቢሎም ዝምህርዎን ዘተሓሳስብዎን ናይ ሓባር ዘተ ዝጻረርን ቅዱስነቶም ዘስምርሉ ናይ ምሕረት ኣድማስን መንፈሳዊ ስልጣንን ምድራዊ ስልጣንን ምንጻግን ዝብል ሓሳብ ዘየስተውዕል ምዃኑ ኣባ ስፓዳሮን ፊጒወራኦውን ኣብ ዝደረስዎ ጽሑፍ ከምዘመልክቱ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እቲ In God We Trust - ብእግዚኣብሔ ንኣምን (ኣብ እግዚኣብሔር ንተኣማመን) ዝብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራዊ መለለዪ ቃል (ጭርሖ) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃይማኖታዊ ድርኾት ኣብ ብሔራዊ ሕይወት ዓቢይ ተጽእኖ ከምዘለዎ ዝሕብርን ኣብ ዝሓፈሉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሕዝባዊ መረጻ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃይማኖቶ ፍሉዩ ቆላሕታ ክግበረሉን ወሳኒ ተራ ዘለዎን ድሓር እውን እቲ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣብ ውሳኔታቱ ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ከምዝዀነን እዚ ድማ ቀጻሊ ኰይኑ እዩ ዝረአይ ዘሎ። ከምዚ ምዃኑ ድማ ዘግርም ኣይኰነን ስለምታይ ባዕሉ እቲ ብሔራዊ ጭርሖ ክህሉ ዝድርዀ ኩነት እዩ።

ኣብ መንጐ ፖለቲካን ግብረ ገብን ሃማኖትን ዝርአይ ቋንቋ ድማ ትምህርቲ መነቃውነ (Manichaeism) ዘማከለ እናዀነ መንፈስ ሰናይን መንፈስ ክፍኣትን ብዝብል ፍጹም ክፍኣትን ፍጹም ሰናይን ዝተፈላለየ ደርባውነት ሓጹር ዝግለጽ እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ እቶም ክልተ ደረስቲ ናይቲ ጽሑፍ እንክገልጹ፡ ከም ኣብነት ናይ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ዜጋ ዳግመ ምቛም ክርስትና ዝብል ጸንፋዊ ኣመለኻኽታ ዘነቓቕሑ መጋቤ ሩሳስ ጆን ሩሽዶንይ ካብ ሰዓብቶም ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዘሎ ናይ ትራምፕ መንግስቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣማኻርን ሓንጻጽን ስተቨ ባኖን ክዀኑ እንከለዉ፡ ናይቶ ጸንፈይና መጋቤ ሩሽዱንይ ሃይማኖታዊ ሰረተ ሓሳብ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ዘቃልሑ እዮም። እቲ ናይ መጋቤ ሩሽዱንይ ሃማኖታዊ ሰረት “መንግስትን ፖለቲካን ተኣዛዚ (ተንበርካኺ) ቅዱስ መጽሓፍ ይኹን ዝብል እዩ፡ እዚ ድማ ካብቲ ጸንፋውያን ሃይማኖት ምስልምና ዘነቓቕሕዎ ኣመለኻኽታ ፈጺሙ ዘይፍለይ እዩ” እዚ ሰረት እምነት’ዚ ናይ ጸጋታት ቲዮሎጊያን ንናይ ሃይማኖት ነጻነት ጥበበ-መደረ ተገይሩ ስለ ዝሕሰብ እዚ ድማ ነቲ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝዀነ ንኹሉ ዝውክል ኢሃይማኖታዊ መንግስቲ ዓቢይ ብድሆ እዩ ዝኸውን።

ኣባ ስፓዳሮን መጋቤ ፊጒወሮኣ ነዚ ገሊጾም፡ ነዚ ዓይነት ሰረት እምነት መሰረት ዝገበረ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ማለት ብቐጥታ ሃይማኖታዊ ተጽእኖ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣድማስ ክረጋገጽ ዝብል ብናይ ሓባር ናይ ኣመለኻኽታ ረቛሒ  ጸንፋውያን ወንጌላውያንን መኽረርቲ ካቶሊካውያንን ዘካይድዎ ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ይቐውም ከምዘሎ ይሕብሩ። እዚ ጸንፈይና ሰረት እምነት ድማ ጸላኢ መጻእተይናን ጸላኢ እስላማውያንን ርእየት ዝኽተል ኰይኑ ፈላላይ መናድቕ ምቛምን ነቶም መጻእተይናን ካልእ ዓይነት ሃይማኖት ሰዓብቲ ብምስጓግ ምንጻሕ ዝብል ተግባር ክውን ክኸውን ዘተባብዕ እዩ። ኣብ መንጐ ዓይነት ናይ እምነት ሰረትን ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሕዎን ዘበራትዕዎን ዓይነት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዓቢይ ፍልልይ ኣሎ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሕዎ ናይ ሓባር ዘተ ማንም ዘይንጽልን ዘይነጽግን ናይ ሰላምን ናይ ምርኻብን ንሱ ኸኣ ፈላላይ መናድቕ ዘይኰነ ዘራኽብ ድልድል ዘተሓሳስብ እዩ። ቅዱስነቶም ኣንጻር ዝዀነ ዓይነት ናይ ሃይማኖት ውግእ ከምዝዀኑን ሃይማኖትን ፖሊቲካን ክደናገር ከምዘይብሉ እዮም ዝምዕዱ። በዚ ዓይነት ትምህርቶም’ዚ ድማ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብገለ ገለ ሃይማኖታትን ኣካላትን ዝንዛሕ ንዝነበረ ገማማዕን ወጋንን ኣቡቀለምሲሳውን ናይ መወዳታ ዓለም ኣብ መንጐ ሰናይን ክፍኣት መንፈስን ዝግበር ውግእ ብዝብል ምጽኦታት ዝግልጾ ትርጉም ኣልቦ ምዃኑ ይምህሩ። ከምኡ እውን እቲ ኣብ መንጐ ባህልን ፖለቲካን ተቕዋማትን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ግሙድ ርክባትን ምትእስሳራትን ክብተኽ ብምምሃር ኣብቲ መሰረት ዝዀነ ምሕረት እግዚኣብሔር ክትኰር ይገብሩ። ንቕዱስነቶም መንፈሳውነት ነገልግሎት ኵሉ ሰባኣዊ ፍጥረት ብምዃኑ መንፈሳውነት ኣብ መንግስቲ ወይ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ስምምዓት ግሙድ ክኸውን ከምዘይብሉ ይምዕዱ።

ነዚ ዝገለጹ ኣባ ስፓዳሮን መጋቤ ፊጒወሮኣን ኣብ መንጐ ሃይማኖትን መንግስትን እንታይ ዓይነት ቃል ኪዳን ወይ ከኣ ስምምዕ ክቐውም ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ኣልዒሎም። ነዚ ሕቶ ድማ እቲ ዘሎ ቕዉም ስሮዓት ክይፈርስን ሕንፍሽፍሽን ምድንጋርን ከየስዕብ ብምፍራሕ ዝቐውም ቃል ኪዳን እዩምእንቲ’ዚ ምንም ቃል ኪዳን ክህሉ የብሉን፡ ፍርሒ ዘቑሞ ቃል ኪዳን ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ጸገም እዩ ዝወልድ። ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኰነ ተባሂሉ ፍርሒ ክወልዶ ዝግበር ስርዓት ከይህሉ ይምህሩ ከምዘለዉ ክልቲኣቶም ናይቲ ጽሑፍ ደረስቲ ገሊጾም፥ ቅዱስ ኣቦና ... ፍራንቸስኮ ነሸበርቲ ኰነ ነቶም ምስልምና ሃማማኖት ምስ ግብረ ሽበራ ከተኣሳስርዎ ንዝደልዩን ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ንዘስፍሑ ምንም ዓይነት ቲዮሎጊያዊ ኰነ ፖለቲካዊ ሕጋውነት ከምዘይብሉ ብምምሃርን ኣብ ምንቕቓሕን ተባዕ እዮም እንክብሉ ነቲ ዝደረስዎ ጽሑፍ ይዛዝሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.