2017-07-18 17:02:00

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ብዛዕባ ፍልልያት ንዘማእከለ ናይ ሓባር ዘተ መርኣ


ናብ ናይ ጅምላዊ ቅትለት ገበን ከብጽሕ ንዝኽእል ዓመጽ ዘለዓዕል ተግባር ብዓንተውኡ ንምዕጋት ንመንግስታት ዓለምን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ዝመሓላለፍ መደብ ኣማእኪሉ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 14 ሐምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ቋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ኣብቲ ዘለዎ ፍልልያት ኣማእኪሉ ንዝገብሮ ዘተ ረባሕታ ምዃኑ ገሊጾም በዚ መሰረት’ዚ ድማ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ መምርሒ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ኣርጊጾም ምስ ሓበሩ፡ ኣብቲ ናብ ጅምላዊ ቅትለት ዝድርኽ ገበን ከበጽሕ ዝኽኣል ዓመጽ ብዓንተውኡ ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎምን ኰይኑ ግና እቲ ዝፍጽምዎ ጻዕሪ ኣብ ኣመለኻኽታን ኣረኣእያን እወንታዊ ተጽእኖ ዘለዎ’ኳ እንተዀነ ጅምላዊ ቅትለት ንምውጋድ ዘኽእል ንዋታዊ ዓቕሚ የብሎምን በዚ ምኽንያት ጅምላዊ ቅትለት ኣብ ምውጋድን ናይ ንጹሓን ዜጋታት ካብዚ ዘስካሕክሕ ግፍዓዊ  ቅትለት ንምድሓን ሓላፍነት ብሔራውያን መንግስታትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን እዚዩ ዓቢይ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ሰላም ኣብ ምንቕቓሕን ብዝገብርዎ ህርኵት ጻዕሪ ዘለዎም ሓላፍነት ከኽብሩ ዝተጸውዑ እያቶም። እቲ ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ምዃን ጸዋዕታኦም ኣብ ምክብባርን ናይ ሕይወትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባርን ካብ ተራ ምቅብባልን ምክእኣልን ዝበረኸ ፍቕርን ሕውነትን ዝንበሮ  ንቑሕን ትጉህን ዝዀነ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽን ምንቕቓሕን እዩ ዝኽወን ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ብስም ሃይማኖት ዝተባብዑ ተርእዮታት ዓመጽ ክግስጹን ከርሑቑን ህልው  ኣውን ከይከውን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዓቢይ ጻዕሪ ከካይዱን በዚ መገዲ’ዚ ኣቢሎም ሕዝቢ እቲ ጸንፋውነት ከስዕብ ዝኽእል ናይ ሃይማኖት ጠርዙን እቲ ናብ ጸንፋውነት ዘብጽሕ ጐድንታት ወይ ከኣ እቲ ናብ ዓመጽ ዘብጽሕ ኩሉ ብሓባር ሃይማኖት ምኽንያት ዓመጽ ወይ ከኣ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምዃን ማለት ዓመጸይና ምዃን ማለት ከምዘይኰነ እውነተይና ትርጉም ምዃን ሃይማኖታውን ሃይማኖትን ከስተምህሩ ይግባእ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝገብርኦ ናይ ሓባር ዘተ ዝተፈላለዩ ኣሕዛብ ንዘካይድዎ ናይ ሓባር ዘተ ረባሕታ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ጐደና ሰላም ብሓባር ንምጉዓዝን ናይቲ ካባኻ ዝተፈልየ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ ኣብቲ ናይቱ ቦታ ኰይንካ ክትርእዮ ዝድግፍን ካብ ቅድመ ፍርዲ ዝኣልይ እዩ። እቶም ሰብ እምነት ንመላእ ዓለም ኣብቶም መሰረታውያንን ኣገደስትን ሕቶታት ኣመርኵይዝካ ዝካየድ ዘተን ነቲ ዝፈላልይ ብምኽባር ብምክብባር ናይ ምንባር ኩነት ኣብነትን ብሓባር ምንባር ዝከኣል ምዃኑ ዝምስክሩ ክዀኑ ይግባእ። ብኻልእ መዳይ እቲ ናብ ውግእን ዓመጽን ሕነ ምፍዳይ ክድርኽ ዝኽእል ውልቃውን ማሕበራውን ዘይምርድዳእ ኢጎነትን ጽልእን ብሓባር ኢፍትሓውነት ንምውጋእ ናይ ዝግበር ጻዕርን ናይ ሰላም ባህሊ ብሓባር ናይ ምሕናጽ ዝምስክሩ ይኹኑ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ብሓፈሻኡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ሰዓብትን ብፍላይ ድማ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዓመጽ ዘጓሃህር ተግባር ብዓንተውኡ ንምክልኻል ጥራሕ ዘይኰነስ ግብረ ሰናይን ግብረ ጽድቅን ሰላማዊ ሕብረተሰብ ማንም ዘይንጽል ንዱር ጽልእ ኣይፋል ዝብልን ዓመጽ ብስነ ምግባር መምዘኒታት ተቐባልነት ጥራሕ ዘይኰነስ ዘይሕሰብ እውን ምዃኑ ዝምስክሩ እያቶም እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.