2017-07-18 17:00:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ወርሒ ነሐሰ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ሩሲያ ከካይዱ እዮም


“ናይቶም ኣብ ዓለም ምሉእ ዕብየት ክረጋገጽ ዝፈላልይ ዘይኰነ ኣብ ዓለም ናይ ምርድዳእን ኣብ ናይ ሓድ ሕድ ምስትውዓልን ዘተን ዘዕብይ ዘራኽብ ድልድል ክሕነጽ በዚ መሰረት ድማ ብኹሉ ሸነኽን ሃዋሁን ፍትሕን ሰላምን ንኽረጋገጽ ዝምህሩ ከም ተሓባባሪ  ናብ ምሶኰ ኣብ ውርሒ ነሓሰ ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ምስ ናይ ኢጣሊያ ተለቪዥን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ናይቲ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ምሉእ ትሕዞቶ ኣብ ኢጣሊያ ዕለት 19 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ራይ ኡኖ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ክመሓላለፍ ምዃኑ እውን ክንገር እንከሎ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዘተ ..ጳጳሳት እዮም ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብመንፈስ ቅዱስ ክምርሑ ንመንፈስ ቅዱስ ኣስተንፍሶ ገዛእ ርእሶም ከምዝሓድጉን ብምርግጋጽ ምስ ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን እውን ክራኸቡ ምዃኖን ሓቢሮም፥ መራኸቢ ድልድል ምሕናጽ ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ትምህርቲ ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ዝህልዎ ትርጉም ነቲ ድሮ ዘሎ ንምንቅስቓስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ኣብ ሩሲያን ርክብ ምስ ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ዝምልከት ክሌኣዊ ርክባት ዝግልጽ እዩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ሩሲያ ብንጥፈት ህልው ዝኸነትሉ ጉዳይን ከባብን ዓለም ክም ኣብነት ማእከላይ ምብራቕን ሶሪያን ኡክራይንን ዝኣመስሉ ከባብታት ብምምእካል ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ርእሰ ጉዳያት ኣሞርኰይዞም እውን ምይይጥ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሮም። እዚ ርክብ’ዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክብ ክኽተሎ ዝግብኦ ቢሎም ዝሕብርዎ መገድን ውሳኔን መሰረት ብምግባር እዩ፡ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ስነ ሜላ ኣብ ዓለም ሰናይን ውህበን ጥራሕ ዘይኰነ መንፈስ ክፍኣት ከምዘሎ ኣፍልጦ ዘለዎን ኰይኑ ነዚ ኹሉ ግምት ብምሃብ ድማ ሰላምን ፍትሕን ምሉእ ምዕባለን ክረጋገጽ ብሓባር ምዕያይ ዝብል ኣመለኻኽታ ዘጉልሕ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓለም ሓደ ሓድሽ ናይ ሕውነት ኣንፈትን ከይድን ንምብጋስ እዮም ዝጽዕሩ። ስለዚህ በዚ ሓሳብን ድላይን’ዚ ድማ ምስ ናይ ብዙሓት ሰብ ልቢ ዝረኸቡ ክዀኑ እንከለዉ ምስቶም ንመልእኽቲ ወንጌል ልባቶም ክኸፍቱ ዘይደልዩ ድማ ዝጋጨው እዩ። እንተዀነ ግን ዘተ ክበሃል እንከሎ ርክብ ምልላይን ምርድዳእን ምትሕልላይን ማለት እዩ። ብምፍራድ ዘይኰነስ ገዛእ ርእስኻ ኣብቲ ናይቲ ካልእ ኩነትን ታሪኽን ኣብንቢርካ ምስትውዓልን በዚ መገዲ’ዚ ኣቢልካ ድማ ነቲ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ምርድእ ዝብል እዩ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ዘራኽብን ዘተሓባብርን ባይታ ተለልይ፡ ጭቡጥ ናይ ሓባር ረቛሒ ተለልይ። እቲ ኣብ ሩሲያ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ መገሻ፥ ዘተ ዝብል ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ምስ ዘካይድዎ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታትን ርክባትን ብምትሕሓዝ ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ መስራቲ ናይ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርድን ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቛም ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ሳንቸስ ሶሮንዶን ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ ብዝህብዎ ትንታነ ዝስነይ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.