2017-07-20 15:04:00

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ ምእመናን ተቐባልነት ናይ ዘለዎ ምዕባለ ሕመረት ክምስክሩ


ዕለት 17 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ኵለን ሃይማኖታት ንሰላም እተሰምየ ማሕበር፥ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኵሉ ብዘሳትፍ ምትሕብባርን ብሓላፍነትን ድኽነት ንኸብቆዕን ሰላም ንምንቕቓሕን ብሓባር ተነቓቕሔን ክዓያ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዳልወ ዓውደ ዝተ ዝተሳተፉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ብትብዓትን ጽንዓትን እቲ ናይቲ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ  ምዕባለ መንፈስን ወይ ከኣ ሕልና ንኽልለይ ዘብቅዕ ሓገዝ ከቕርባ ከዝግብኦ ገሊጾም፥ እቲ ናይቲ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ዘንብሮም ሸቶ ናብቲ ዝተደልይ ፍጻሜ ዘሰንይ እምበር ንገዛእ ርእሱ ፍጻሜ ከምዘይኰነ ብዝርዝር ኣረዲኦም ብዘይ ሓገዝን ምትሕብባርን ማሕበረሰብ ኣመንትን ናይ ሃይማኖታት ማሕበራትን ተሳቲፎን ኣስተዋጽኦን እቲ መደብ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ዝጥምቶም ሸቶ ምሉእ ብምሉእ ክስትውዓሉ ከምዘይክእሉን እንክግለጹ፥ እዚ ማለት ድማ እቲ ናይቲ ሸቶ ስነ ምግባራዊን ዓሚዩቕ ስነ ሰብእ ኩነታት ሸለል ቢልካ ብሕሉፍ ኤኮኖሚውን ምህዳራውን ስነ ማሕበራውን ጠመተ ጥራሕ ምሉእ ብምሉእ ክስትውዓሉ ከዘይክእሉ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ወይ ከኣ ናይ ስነ ማሕበራዊ ተመራመርቲ ኣይኰኑን እያቶም ቢልካ እውን ምሕሳብ ጌጋ እዩ። እንታይ ደኣ ቅድም ቀዳድም ናይ ሃይማኖት ቀንድን ጥልቂ ትርጉምን ተግባራቶም ክስትውዓል መታን ንፍጥረት ሰብ ኣብ ተግባር ክነቅሕ ጸዋዕታ ኣስተንፍሶን ዘቕርቡ እያቶም። ኣብዚ ናይ ተዛማድነት ባህሊ ማለት ኩሉ ኣማራጺ እዩ ዝብል ርእየት ስነ ምርምርን ባህልን ኣብ ስነ ምግባር እውይ ከይተረፈ ዝረአየሉን ዝሰፍሓሉን ዘሎ ዘመን ፍጥረት ሰብ ናይቲ እውነትን (ሓቅን) ውህበትን ሰናይን ኣምር ክዕቅብ መታን ምድጋፍ የድሊ እንክብሉ ከምዘረድኡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዜና ኣስዒቡ፥

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኣብ ዓለም ድሕሪ ዝዀነ ይኹን ግብራዊ ነገር ኩሉ ብኹለን ሃይማኖታት ዝግለጽን ዝእመንን ብስነ ምርምርን ኣመክንዮን ስነ ሓሳብን እውን ክብጻሕ ዝከኣልን ብፍጥረት ምልኩት ዝኸውን ከዋንን ፈጣርን ከምዘሎ ንኽስትውዓል ዝሕግዙንን በዚ መሰረትàዚ ድማ ንኹሉ ናይ ፈጣሪ ፍጥረት ከመይ ገርካ ተመስርሖን ማለት ተወዓዕሎን ከምዝግብኣካ እውን ዝድግፍ ምዃኑ ገሊጾም፥ በዚ መገዲ’ዚ እምበኣር ኩለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ንኽብጻሕን ብምትሕብባርን ብሓላፍነት መንፈስን መታን ክስራሕ ናብ ምሉእ (ጥሩዝ) ምህዳርን (Integral ecology) ዘነቓቕሑን እዚ ድማ እቲ  ምሉእ (ጥሩዝ) ምህዳርን (Integral ecology) ጭቡጥ ወይ ድማ ክውን ንኽኸውን ዝድግፍ ምዃኑ ኣረዲኦም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.